ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፦ ኣብ ግርጭታት ብጽሒት ዘለዎም ንሕልናኦም ጽን ክብሉ ይዕድሙ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገር ቫቲካን
"ብዕጥቃዊ ግጭት ክንደይ ሂወት ተቐንጺሉ? ክንደይ ሞት? ክንደይ ዕንወት፡ ክንደይ መከራ... ክንደይ ድኽነት ኣስዒቡ!" ዝበሉ ቅዱሰንቶም ንዅሎም ሰናይ ድሌት ዘለዎም ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን፥ “እቶም ኣብ ግርጭታት ብጽሒት ዘለዎም ድምጺ ሕልናኦም ጽን ይበሉ!”
ዝብል ጻውዒት ብዓመጽን ሞትን ዕንወትን ምዝንባልን ዝተበላሸወ ዓመት ዘሕዝን ኩነታት ዘኪሮም ምስ ኣቕረቡ፥
ናይጀርያን ላይበርያን
“እቲ ዘሕዝን በዓለ ልደት ኣብ ናይጀርያ ብኸቢድ ዓመጽ ዝተለለየ ኮይኑ፡ ኣብ ግዝኣት ፕላቶ፡ ብዙሓት ግዳያት ከም ዝኾኑን። ንዓኣቶምን ንስድራቤቶምን እጽሊ፡ ኣምላኽ ንናይጀርያ ካብዚ ራዕዲ የናግፋ” ከም ዝበሉን ሓሳባቶም ናብቶም “ኣብ ላይበርያ ብዘጋጠመ ፍንጀራ ናይ ነዳዲ መኪና ህይወቶም ዝሰኣኑ” ገይሮም ጸሎትም ከምዘረጋገጹን ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ ዝሓለፈ ዕለት 26 ታሓሳስ ኣብ ጥቓ ርእሰ ከተማ ሞንሮቭያ ብዘጋጠመ ሓደጋን ምፍንጃርን መዕቆሪ ነዳዲ 52 ሰባት ከም ዝሞቱን ብዙሓት እውን ከም እተጎድኡን ኣዘኻኺሩ፥
ዩክሬን፡ ቅድስቲ መሬት ሱዳን
ነቶም ብውግኣት ዝሳቐዩ ሰባት ምጽላይ ፈጺሞም ዘይረሰዑ ቅዱሰንቶም፡ ሕጂ’ውን “ንዝሳቐ ህዝቢ ዩክሬን፡ ንህዝቢ ፍልስጤምን እስራኤልን፡ ንህዝቢ ሱዳንን ካልኦት ብዙሓትን” ጸሎት ክግበረሎም ሓቲቶም።
“እቶም ሰማእት ሮሂንጋውያን ድማ ኣይንረስዕ” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።