ፍራንቸስኮ፡ ክፍኣት ሄሮድስ ክሳብ ሕጂ ኣሎ፡ ሎሚ ኣብ ዓለም ክንደይ ጭፍጨፋ ንጹሃት ይፍጸም ኣሎ። ፍራንቸስኮ፡ ክፍኣት ሄሮድስ ክሳብ ሕጂ ኣሎ፡ ሎሚ ኣብ ዓለም ክንደይ ጭፍጨፋ ንጹሃት ይፍጸም ኣሎ። 

ፍራንቸስኮ፡ ክፍኣት ሄሮድስ ክሳብ ሕጂ ኣሎ፡ ሎሚ ኣብ ዓለም ክንደይ ጭፍጨፋ ንጹሃት ይፍጸም ኣሎ።

ዕለት 28 ታሕሳስ በዓል ቅዱሳን ንጹሃት ሰማእታት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዘመሓላለፍዎ ክልተ ናይ ትዊተር መልኽቲ ሎሚ እውን ኣብዛ እንነብረላ መሬት ምስፋስ ደም ዘስዕቦ ሞት ይዝክሩ፣ ካብ መስመራት ስደት ክሳብ ብውግኣትን ዓመጽን ዝዓነወ ግዝኣታት። ሓሳባቶም ብፍላይ ናብቶም ንኣሽቱ ዕሸላትን ገና ናብ ዘይተወልዱ ህጻናትን ገይሮም: ውዲታት ክፍኣት ኣብ ጽላሎት ምስሉይነትን ሸለልትነትን ሕቡእ ብምዃን ይንቀሳቐስ ምህላዉ የተሓሳስቡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅድሚ ሒደት መዓልታት በዓለ ልደት፡ ቤተ ክርስቲያን ዕለት 28 ታሓሳስ ንኹሎም እቶም ቆልዑ፡ ትሕቲ ክልተ ዓመት ዝዕድሚኦም፡ በቲ "ንጉስ ኣይሁድ" ክኸውን ትጽቢት ዝግበረሉ ዝነበረ፡ ኣብ ቤተልሄም ብዛዕባ ልደት ብመጋባእያታት ክጥንቀቕ ዝተሓበሮ ንጉስ ሄሮድስ ዝተቐትሉ ትዝክር። ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ኣብ @Pontifex ብዝብል ኣድራሻኦም ኣቢሎም ኣብታ ዕለት እቲኣ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልኽቲ፡ “ሎሚ’ውን ከምቲ ኣብ ዘመነ ሄሮድስ ዝነበረ፡ ነቲ መለኮታዊ ብርሃን ዝቃወም ውዲት ክፍኣት፡ ኣብ ጽላሎት ምስሉይነትን ሸለልትነትን ብሕቡእ ይንቀሳቐስ፡ ክንደይ ዕጥቃዊ ህልቂት ኣእዛን ዘደንዝዝ ስቕታ ርኢኻ ከም ዘይረኣኻን፣ ብዘይ ኣፍልጦ ብዙሓት ይቕተሉ!”። ከም ዝበሉን ኣስዒቦም እውን ኣብቲ ዘመሓላለፍዎ ካልኣይ መልኽቲ ትዊተር ነዛ መዓልቲ፡ ብኡንብኡ ብድሕሪኡ፡ “ኣብ ዓለም ክንደይ ጭፍጨፋ ንጹሃት: ኣብ ማህጸን ኣደ፡ ተስፋ ዝቖረጹ ኣብ መንገዲ ተስፋ ዝጓዓዙ፡ ዝሃልቅ ናይ ብዙሓት ህይወትን ኣብ ውግእ ንእስነቶም ዝዓንውን ዝምንዝዑን ናይ እዋንና ህጻናት ኢየሱስ እያቶም" ከም ዝበሉን

ሽዑ እቲ ብነብዪ ኤርምያስ፥ “ኣብ ራማ ድምጽን ብዙሕ ዋይዋይታን ብኽያትን ተሰምዐ። ራሄል ምንቲ ደቃ በኸየት ሞይቶም እዮም እሞ ምጽንናዕ ኣበየት ዝብል እተነግረ ትንቢት ተፈጸመ!፥ (ማቴ. 2፣ 13 - 8)  

ፍራንቸስኮ ኣብ ዩክሬን፡ ሶርያ፡ የመን፡ ኣርመንያ፡ ኣዘርባጃን፡ ሱዳን፡ ኮንጎ፡ ኣብ ውሽመጥ ቓዛ ዝፍጸም ዘሎ ዕንወት ዘኪሮምን ኣብቲ ዕለት 26 ታሕሳስ ኣብ ኡርቢ ኤት ኦርቢ - ንከተማ ሮማን መላእ ዓለምን ክባርኹ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፡ እዚ ሕጂ ንውግኣት ዳግማይ ዘቃልዕ ዘሎ ቅድድም ኣጽዋር ደው ክብል ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ "ህዝቢ፡ እንጀራ እምበር ኣጽዋር ኣይኮነን ዘድልዮ፡ ንቕድሚት ክስጉምን ሰላም ክሓትትን ዝቃለስ  ህዝቢ- ክሳብ ክንደይ እዩ ዕሽሽ ዝበሃል? ናይ ሃገር ሃብቲ ገንዘብ ኣብ ኣጽዋር ይውዕል። እዚ ክንገርን ክጻሓፍን ክዝረበሉን ዘለዎ ጉዳይ እዩ፡ ምእንቲ እቲ ንውግኣት ዝንቀሳቕስ ረብሓን መኽሰብን ክንፈልጥ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

29 December 2023, 16:34