ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቅዳሴ ልደት፡ ኣዒንትና ናብቲ ሓቀይና ኣምላኽ ነተኩር

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ዕለት 24 ታሕሳስ ለይቲ ናይ ልደት ዘእግዚእነ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም፥ "እቲ መስተንክር ልደቱ" ኢታእላው ዝኾነ ኣምላኽ "ምእንታና ድሩት ምዃኑ ብጭቡጥ ሓረየን ኣርኣየን" ዝብል ሓሳብ ዘስመሩሉ ስብከት ለጊሶም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ቆጸራ ህዝቢ ብዘላ መሬት” ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ በዓለ ልደት ካብ ሉቃስ ወንጌል ምዕ. 1, 26 - 38 ዝተወስደ ምንባብ ብቐጥታ ብምጥቃስ፡ ለይቲ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ስለገስዎ ስብከቶም ብምጅማር፡ ወንጌላዊ ሉቃስ ነዚ ቆጸራ ህዝቢ ከጉልሕ ምድላዩ ዝደረኾ ምኽንያት ኣስተብሂሎም፣ . . . “ሃጸይ ንነበርቲ ዓለም ኪቍጽሮም እንከሎ፡ ኣምላኽ ግን ዳርጋ ብሕቡእ ኣገባብ ናብዛ መሬት ይመጽ። እቶም ስልጣን ዝጥቀሙ ዓበይቲ ዝበሃሉ ናይ ታሪኽ ቦታኦም ክሕዙን ከጽንዑብ ክጽዕሩ ዕብየት ከማዕድው እንከለዉ፡ ንጉስ ታሪኽ ግን መንገዲ ትሕትና እዩ ዝመርጽ።”

“ካብቶም ሓያላት ዘስተብህለሉ ሓደ’ኳ ኣይነበረ . . . ውሑዳት ጓሶት ጥራይ እዮም ዘተብሃልሉ፣ እቶም ኣብ ወሰን ማሕበራዊ ህይወት ዝነበሩ።”

ስጋዌ እምበር ዓወት ኣይኮነን

 “ቆጸራ ህዝቢ ብምልእታ ምድሪ” በዚ ኸምዚ “ነቲ ኣብ ታሪኽ ዝጐዓዝ ኩሉ ኣዝዩ ሰብኣዊ ኩነታት ዝገልጽ ንዅሉ ነገራት ብዓወት ብውጽኢት ብቝጽሪ ከምኡውን ብኣሃዛት ዚልክዕ ዓለማዊ ሓይልን ዝናን ክብርን ንምርካብ ዚግበር ጻዕሪ ዜንጸባርቕ እዩ።" ብቁጽርታትን ኣሃዛትን ዝተዋሕጠት ዓለም።”

ይኹን እምበር ካብዚ ኣገባብ እዚ ካልእ ኣማራጺ ኣሎ። . . . "ኣምላኽ ስጋ ዝለበሰ ኣምላኽ እምበር ኣምላኽ ዕማም ኣይኰነን" ዝብል ሓሳብ ኣቕረቡም፡ ኣስዒቦም፥ “ንበደል ካብ ላዕሊ ብናይ ዓይኒ በትረ ስልጣን ምርኣይ ንኸወግድ ዝፈርድ ዘይኮነስ ዝምሕር፣ ካብ ታሕቲ ግን ብናይ ፍቕሪ ምርኣይ ንሓጢት ኩሉ ዘወግድ” ክብሉ ብኣጽንዖት ገሊጾም፡ ደረት ብዘይብሉ ሓይሊ ዘይኰነስ ዝመጸ፡ ባዕሉ ናብቲ ድሩት ህይወትና ብምታው እዩ"።

ኣብ ዕብየቱ ድማ ንእሽቶ ኰነ

እምበኣር፡ ኣዒንትና ኣብዚ “ህያውን ሓቀይናን ኣምላኽ” ኣተኲርና ክነንብር ተማሕጺኖም።

ንሱ . . . “ኣካል ታሪኽ ብምዃን ንታሪኽ ሰውረሮ” ኣምላኽ ክነሱ “ክንነጽጎ ክሳብ ዝፈቕደልና ኣዝዩ ዘኽብረና፤ ንሓጢኣትና ናቱ ምግባር ዝብል ደረት ኣልቦ ኣኽብሮት ኣብ ልዕሌና ከም ዘለዎ ይገልጽ።”

. . .  “እግዚኣብሄር ንህይወትና ክሓቑፍ ኣዝዩ እዩ ዝምነዮ . . . ኢታእላው እኳ እንተኾነ ምእንታና ድሩት ይኸውን። ኣብ ዕብየቱ ንእሽቶ ክኸውን ይመርጽ፤ ብጽድቁ ንበደልና ይግዛእ።”

ውግእ ኣብ ቅድስቲ መሬት

ቅዱስነቶም ኣብቲ ዘስምዕዎ ስብከት ድማ ሓሳቦም ናብታ ኣብዚ እዋን’ዚ ብግጭት እስራኤልን ፍልስጤምን ትሳቐ ናብ ዘላ ቅድስቲ መሬት ገይሮም፡ ብፍላይ ድማ ናብታ ኢየሱስ ዝተወልደላ ከተማ ቤተልሔም የቕንዑ . . .  “ሎሚ ምሸት፡ ልብና ኣብ ቤተልሄም እዩ ዘሎ፡ መስፍን ሰላም ዳግማይ በቲ ከንቱ ስነ - መጐት ውግእ፡ በቲ ሎሚ’ውን እንተኾነ ኣብ ዓለም ቦታ ከይረክብ ዝዓግቶ ግጭት ኣጽዋር ይንጸግ ኣሎ!”

ፍራንቸስኮ ስብከቶም ብጸሎት ዛዚሞም

“ሎሚ ምሸት ፍቕሪ ንታሪኽ ይቕይሮ። ጎይታ ካብቲ ካብ ሓይሊ ዓለም ኣዝዩ ዝተፈልየ ብሓይሊ ፍቕርኻ፡ ክንኣምን ግበር። ከም ማርያም፡ ዮሴፍ፡ ጓሶትን ሰብ ጥበብን ኣብ ክበብካ ተኣኪብና ክንሰግደልካ ግበር። ምስ ገዛእ ርእስኻ ኣዚኻ ከተምስለና እንኮለኻ ኣንሕና ንጽባቐ ገጽካ ኣብ ቅድሚ ዓለም ክንምስክር ኢና።”

ብዝብል ጸሎት ስብከቶም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቅዳሴ ልደት፡ ኣዒንትና ናብቲ ሓቀይና ኣምላኽ ነተኩር
26 December 2023, 15:17