ር.ሊ.ጳ. ከም ምልክት ቅርበትን ሓልዮትን ንካርዲናል ክራየቭስኪ ናብ ቅድስቲ መሬት ይልእኹ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ ጽምብላት በዓለ ልደት ዘእግዚነ ንናይ ቅድስቲ መሬት ምመናንን ህዝብን ንምስናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ግብረ ሰናይ ጉዳያት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ኮንራድ ክራጀየስኪ ናብ ቅድስቲ መሬት ከም ዝተላኣኹ ናይቲ ኣገልግሎት ግብረ ሰናይ ጉዳያት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ምልክት ምትሕግጋዝ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት
ጉዳያት ኣገልግሎት ግብረ ሰናይ ዝከታተል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ክራየውስኪ ንህዝቢ ቅድስቲ መሬት ቅርበትን ሓልዮትን ቅዱሰንቶ ንምርግጋጽ ናብ ቅድስቲ መሬት ከም እተላእኩ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ድሕሪ እቲ ኣብ ወርሒ ለካቲት 2022 ዓ.ም. ዝተበገሰ ውግእ ኣብ መንጎ ሩስያን ዩክሬይንን ንደሓር ካርዲናል ክራየውስኪ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብቲ ኣብ ዩክሬይን ብውግእ ንዝሳቐዩን ንዝመዛበሉን ብስም ቅዱስ ኣቦና ከም ዘቕረቡ ዝዝከር ኮይኑ፡ ከምቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝብልዎ “በቲ ንዓለም ዘሳቕይ እናተፈናጨለ ዝካየድ ዘሎ ሳልሳይ ኩናት ዓለም” ንዝሳቐይ ህዝቢ ቀረባ ንምዃን እቲ ንህዝብታት ንስቓይን ሞትን ዝዳርግ ዘሎ ግጭታት ደው ክብል ዘቕርብዎ ጻውዒት ንምብጻሕን ኣብዚ ጸሎት እዚ ህዝቢ ክሓብር ንምትብባዕ ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዩክሬን፣ ኣብ ሶርያ፣ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ዘካየድዎ ሕጂ ድማ ኣብ እስራኤልን ፍልስጤምን” ብስም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምብጻሕ የካይዱ።
በዓል ልደት ኣብታ ብኲናት ዝተሃስየት ቅድስቲ መሬት
ካርዲናል ክራየውስኮ ኣብቲ ኢየሱስ ዝተወልደሉ ቦታ ምስታ ናይቲ ከባቢ ቤተክርስትያን ልደት ከብዕሉን ከሕልፉን ብስም ቅዱስ ኣቦና ከም እተላእኩን “ካርዲናል ክራጀቭስኪ ምስ ላቲናዊ ፓትርያርክ ዘኢየሩሳሌም ካርዲናል ፒየርባቲስታ ፒዛባላን መላእ ናይቲ ከባቢ ቤተክርስትያንን መራሕቲ ብሓባር ነዚ ዓቢ ጸሎት ሰላም ብምጽንባር፡ ልደት ናይቲ መስፍን ሰላምን እንኮ ተስፋ ዓለምና ዝኾነ ኢየሱስ ከብዕሉ” ምዃኖምን ምእመናን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “ነጎዳ ኣጽዋር ኣብ ዝቐጸለሉ ከባቢታት ህያብ ሰላም ክርከብ” ንጉዕዞ ካርዲናል ክራየውስኪ ብጸሎት ከሰንዩ ከም ዝዓደሙ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
‘ደጊም ውግእ ኣይፋል’ ናይ ምባል ትብዓት
እቲ ኣገልግሎት ግብረ ሰናይ ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሎሚ ብህይወት ዘየለዉ ምስ ናይ እስራኤል መራሔ መግንስቲ ሺሞን ፔረስን ርእሰ ብሔር ፍልጥኤም ፍልስጥኤም ማሕሙድ ኣባስ ዕለት 8 ሰነ 2014 ኣብ ናይ ሃገረ ቫቲካን ናይ ኣታኽልቲ ስፍራ ርክብ ኣካይዶም ከም ዝነበሩ ኣዘኻኺሩ ሎሚ እውን እቲ ኣብ ሞንጎ እስራኤልን ሓማስን ዝተባርዐ ውግእ ደው ክብል ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዘቕርብዎ ጻውዒትን ጸሎትን ኩሉ ክሓብር ይላበው።
"ጐይታይ ነዓ ናባና! ሰላም ሃበና ሰላም ምሃረና፣ ንስጕምትታትና ኣብ መገዲ ሰላም ምርሓዮ። ኣዒንትናን ልብናን ክፈት 'ደጊም ውግእ ከቶ ኣይንኹን! ' 'ምስ ውግእ ኵሉ ነገር ይጠፍእ'ዩ። ሰላም ንምምጻእ ስጕምቲ ንኽንወስድ ትብዓት ኣብ ልብና ኣስርጸልና ።... እተን 'ምፍልላይን ምግምማዕን' 'ጽልኢ' ከምኡ እውን 'ውግእ' ዝብላ ቓላት ካብ ልቢ ሰብ እለዮ። ጐይታይ ልሳናትናን ኣእዳውናን ካብ ዓመጽ ኣህድእ። ዅሉ ሳዕ እተሕብረና ቓል ሓው እትብል ቃል' ምእንቲ ኽትከውን ጎደና ኣነባርባንራና ድማ ወትሩ ጎደና ሻሎም ሰላም ምእንቲ ክኸውን ልብናን ኣእምሮናን ሐድስ”
ብዝብል ጸሎት ኣገልግሎት ግብረ ሰናይ ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዘውጸኦ መግለጺ ይዛዝም።