ፍራንቸስኮ፡ ውግኣት ግብረ እከይ እያቶም ንኸብቅዑ ድማ ንጸሊ
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ረቡዕ ዕለት 27 ታህሳስ፡ ድሕሪ ዝለገስዎ ረቡዓዊ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ንኹሎም ኣብቲ ኣስተምህሮ ንዝሓበሩ ነጋድያን ሰላምታ ኣቕሪቦም፡ ብፍላይ ንህዝቢ ዩክሬን፡ ፍልስጤምን እስራኤልን ጸሎት ክግበር ሓቲቶም፡ ሓሳቦም ናብቶ ግዳያት ግጭትን ኲናትን ይገብሩ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ጸሎት ነቶም ብዓመጽን ኲናትን ዝሳቐዩ ኣይነቋርጽ ሓደራ! ቅዱስነቶም ነዚ ዝበሉ ኣብ ናይ መወዳእታ ሓፈሻዊ ናይ 2023 ዓ.ም. ከምኡ እውን ኣብ ፋልማይ ወቕቲ ልደትን ኣብ ዝለገስዎ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስን ክኸውን እንከሎ፡ ነቶም ብጉጅለን ብማሕበርን ኣብቲ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ንዝተረኽቡ መንፈሳውያን ነጋዶ ሰላምታ ኣቕሪቦም፡ ኩሉ ነተን ብግጭት ዝዓነዋ ሃገራት "ብፍላይ ነታ ትሳቐያ ዘላ ዩክሬንን ንህዝቢ ፍልስጤምን እስራኤልን" ዳግማይ ክጽልይ እሓትት” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ፍቕሪ ንእከይ ይስዕሮ
“ኲናት ግብረ እከይ እዩ፣ ውግኣት ከብቕዑ ንጸሊ” ዝበሉ ቅዱስነቶም፡ . . . ንኹሎም እቶም “ንግዳያት ኲናት ዩክሬንን ካልእ ክፋላት ዓለምን ንምድጋፍ ዝሰርሑ ሰባት ኩሎም ኣኽብሮቶም ገሊጾም፣ ጽልእን ክፍኣትን ዝዓበለን ንኹሉ ዝረግጽን ዘሎ እውን እንተመሰለ ሓቀይና ሰላም ምእንቲ ክረጋገጽ ጸሎት ካብ ምቕራብ ኣይነብኩር ቢሎም፥ እግዚኣብሔር ንኹሉ ሰብ ብልደት ወዱ ኣቢሉ "ሓይሊ ፍቕሪ ንሓይሊ እከይ ከተሰንፎ እያ" ዚብል ጽኑዕ ተስፋ ጸገወ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
27 December 2023, 15:08