ፍራንቸስኮ ኣብ ሰበኻን ማእከል ጉስነትን ሮማ ዑደት ኣካይዶም
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ክፋል ሃገረ ስብከት ሮማ ኣብ ዝርከብ ሰበኻን ማእከል ጉስነትን ዕለት 21 ታሕሳስ ድሕሪ ቀትሪ ዑደት ኣካይዶም ኣብቲ ከባቢ ምስ ዘገልግሉ ኣስታት 30 ካህናት ከም እተራኸቡ ዜና ቫቲካን ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ጠቒሱ የመላኽት።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካ
ዕለት 21 ታሓሳስ ድሕሪ ቀትሪ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ወሰን ከተማ ሮማ ኣብ ዝርከብ ሰበኻ ቅዱስ ጊዮርጊስ ኣብ ዝርከብ ማእከል ጉስነት ቅድስቲ ጃና በረታ ሞላ ዑደት ኣካይዶም።
ብመሰረት ጸብጻብ ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ መበል 27 ዞባ ሃገረ ስብከት ሮማ ምስ ዘገልግሉ ኣስታት 30 ካህናት ከም እተራኸቡን እቲ ዑደት ከባቢ ሰዓት 16.00 ብተራዳኢ ሊቀ ጳጳሳት ሰበኻ ሮማ ጳጳስ ዳርዮ ጀርቫሲ ብካህናት ሰበኻ ቅዱስ ጊዮርጊስን ብቆሞስ ኣባ ሮሜዮ ኣንቶንዮ ቬቶራቶን ብዋና ኣመሓዳሪ ናይቲ ማእከል ጉስነት ቅድስቲ ጃና በረታ ሞላ ኣባ ኣንድርያስ ናቡ ብዝገበሩሎም ኣቀባብላ ከም ዘካየዱን፡ ፍራንቸስኮ ምስቶም ምእመናንን ጉስነታዊ መሪሕነትን ከም እተራኸቡን ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ኣብ ዞባታት ክፍሊ ሰበኻ ሮማ ኣብ ዝርከባ ጉባኤ ሰበኻታት ምብጻሕ ከም ዘካይዱ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ዕለት 16 ሕዳር ኣብ ወሰን ከተማ ሮማ ዝርከብ ሰበኻ ጉባኤ ኣእንጋዲት ቅድስተ ማርያም ምብጻሕ ኣካይዶም ምስቶም ኣብኡ ዘገልግሉ ኣስታት 40 ካህናትን በቲ ጉባኤ ሰበኻ ዝእለዩ ድኻታትን እውን ከም እተራኸቡ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።
23 December 2023, 15:48