ድለ

ጉዕዞ፡ ጽገናን ዘይሕለል ተወፋይነትን ንሰላም፡ ናይ ፍራንቸስኮ 2023 ዓ.ም.

ኣብ ወርሒ መጋቢት ዓሰርተ ዓመት ር.ሊ.ጵጵስናኦም ዘብዓሉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ጽዑቕን ዝተሓላለኸን ዓመት ይዛዝሙ። ሓሙሽተ ሓዋርያዊ ጉዕዞታት ናብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎን ደቡብ ሱዳንን፡ ሃንጋሪ፡ ሊዝበን፡ ሞንጎልያ፡ ማርሴ። ኣብ ጀመሊ ሆስፒታል መጥባሕትን ሕክምናን። ኣማኢት ኣኼባታት፡ ጽገና ቅዋም ሃገረ ቫቲካንን ካልኦት ብርክት ዝበሉ ሰነዳትን ዘቕረብሉ። ቀዳማይ ኣኼባ ዛዕባ ሲኖዳውነት ዝመክር ሲኖዶስ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ዘካየድሉን። ንዩክሬንን ቅድስቲ መሬትን ዘየቋርጽ ጻውዒት ሰላም ዘቕረብሉን 2023 ዓ.ም.።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

2023 ዓ.ም. "ዝተፈላለዩ ዝኽሪ መበል ዓሰርተ ዓመታት ዘአንገደ እዩ ነይሩ፥ ዓስራይ ዓመት ዝኽሪ ሕይርየት ር.ሊ.ጵጵስናእኦም። መደባት ሓዋርያዊ መገስሻታት ዝተናወሓሉን ድሕሪ ምሕዋዮም ዝፈጸመዎን (ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን ደቡብ ሱዳንን) ብጉድለት ጥዕና ምኽንያት ድሕሪ ጀመሊ ቤት ሕክምና ምእታው ምኽንያት መበል 28 ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ጉባኤ መራሕቲ ዛዕባ ምዝባዕ ከባቢ ኣየር ናብ ዱባይ ከካይድዎ ዝነበረ ሓዋርያዊ መገሻ ምስራዙን (Dubai for Cop28)፤ ዓመት ውግኣት፡ ዩክረይንን ደሓር እውን ሓማስ ብዝፈጸሞ ዘስካሕክሕ ግብረ ሽበራዊ መጥቓዕቲ ግብረ መልሲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቓዛ ዝተበገሰትሉን፡ ጻውዒታትን ጻዕርታት ክሌኣዊ ስነ መላዊ ርክባትን ምንቲ ሰላም ዘተባብዕሉን። ካብ ነፍሲ ወከፍ ኩርናዓት ዓለም ልዕሊ 400 ተሳተፍቲ ዘአንገደ ዛዕባ ሲኖዳውነት ዝመኸረ ሲኖዶስም፡ ዝተፈላለየ መልክዓ ምድራዊ መበቆል ዘለዎም 21 ሓደስቲ ካርዲናላት ዝሰመይሉን፡ ገና እቲ ፈጺሙ ዘይተቛረጸ መስርሕ ተሓድሶ (ልዕሊ ኩሉ፡ ሓድሽ "ቅዋም" ሃገረ ከተማ ቫቲካን)፤ መስርሓት ርህው ጉስነት፣ ስኢል ተኣምኖ ዘርስቱ ብዛዕባ ቡራኬ ንዘይስሩዕን ዘይንቡርን ዝዓይነቱ መጻምድቲ ዝተሓዋወሰ ግብረ መልሲ ዘለዓዕል ዘሎ ኣዋጅ፤ ናይ ሃገረ ቫቲካን ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክሂሎትን ዛዕባ እቲ ኣብ “ናይ ሎንደን ህንጻ” ዝምልከት ጉዳይ። ብሓጺሩ 2023 ጽዑቕን ዝተሓላለኸን ዓመት ኮይኑ፡ ነቶም ዝሓለፈ ዕለት 17 ታሕሳስ መበል ሰማንያን ሾውዓተን ዓመት ልደቶም ዘኽበሩ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ኣብ ምዝዛም ይቐርብ ኣሎ።

ሞት በነዲክቶስ መበል 16

ካብ መጀመርታ በዳሂት ክኸውን ቃል ዝኣተወ ዓመት 2023 ዓ.ም.፡ ዕረፍት ርእሰ ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ መበል 95 ዓመት ዕድመኦም ዕለት 31 ታሕሳስ 2012 ዓ.ም. ቅድሚ ምዕራፎም ማሪዮ በርጎሊዮ፡ ንዓለም ብዛዕባ ኩነታት ጥዕና ጆሴፍ ራትዚንገር ዝሃብዎ ሓበሬታን ንበነዲክቶስ ኣብቲ ዝቕመጥሉ ዝነበረ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ገዳመ እመ ኣምላክ ምብጻሕ የካይዱ ከም ዝነበሩን ዕለት 5 ጥሪ 2013 ዓ.ም. ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ስነ-ስርዓት ቀብሪ በነዲኮቶስ መበል 16 ከም ዝፈጸሙን። ኣስታት 50 ሽሕ ምእመናን ኣብ ዝተረኽብሉ ስነ-ስርዓት ስነ ስርዓት ቀብሪ በነዲክቶስ ፈጺሞም ንመወዳእታ ስንብታን ስነ ስርዓት ቀብሪ ኣብ ትሕቲ ቅዱስ ጴጥይሮስ ባዚሊካ ኣብ ዝርከብ ኣርስተ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ዝርከብ መቓብር በነዲክቶስ መበል 16 ምብጻሕ ከም ዘካየዱን ይዝከር።

ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን ደቡብ ሱዳንን

ወርሒ ጥሪ 2023 ብሓዘን ጥራሕ ዘይኮነ ብሓጎስ እውን ከም ዝልለን ቅዱስነቶም ንዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን ደቡብ ሱዳንን ክበጽሑ "መብጽዓኦም" ሓልዮም ኣብ ኣፍሪቃ ብዘካየድዎ ምብጻሕ ዝተዛዘመ ወርሒ እውን እዩ። እቲ ጉዕዞ ሓምለ 2022 ክካየድ ተመዲቡ እኳ እንተነበረ ጸገም ብርኪ ዘጋጠሞም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ክልቲአን ኣፍሪቃውያን ሃገራት ዝመደብዎ ሓዋርያዊ መገሻ ተሰጋጊሩ ደኣ እምበር ኣይተሰረዘን።: ፍራንቸስኮ ካብ ዕለት 31 ጥሪ ክሳብ ዕለት 5 ለካቲት ናብ ኪንሻሳ ቀጺሎም ናብ ጁባ ብምኻድ ምስቶም ኣንጻር ብልሽውናን ሃብቲ ተፈጥሮ ንምምዝማዝ ኣሚቱ ዝካየዱ ብዙሓት ንሞት ንማህሰይትን ንምዝብልናን ዝዳርግ ውግኣት ደው ክብል ዘቕረብ ጻውዒትን። ካብ ሰሜን ኪቩ ምስ ዝመጹ ግዳያት ዓመጽን ስቅያትን ኣብ ኪንሻሳ ኣብ ዝርከብ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ሕንጻ ዘካየድዎ ርክብ ልቢ ዝትንክፍ እዩ ነይሩ፣ ከምኡ’ውን ኣብ ጁባ ምስ ናይ ውህደት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቀዳማዊ ናይ ካንተርበርይ ሊቀ ጳጳሳት ጃስቲን ዌልቢን ኣካያዲ ሓፈሻዊ ጉባኤ ቤተክርስትያን ስኮትላንድ መጋቤ ኢያን ግሪንሺልድስን ዘሳተፈ ናያቢያተ ክርስቲያናት ንውህደት ዝግበር ጻዕሪ ዝዓሰሎ ዘካየድዎ ናይ ሓባር ልቢ ዝትንክፍ ጸሎት።

ሃንጋሪ

እቲ ካልእ ዝተፈጸመ መብጽዓ እውን ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሚያዝያ ናብ ሃንጋሪ ዝተገብረ ጉዕዞ እዩ፣ ቅድሚ ናብ ስሎቫክያ ምኻዶም፣ ኣብ ወርሒ መስከረም 2021 ኢ.ም. ኣህጉራዊ ጉባኤ ቅዱስ ቁርባን ንምዝዛም ቅዱስነቶም ኣብ ብዳፐስት ዘካየድዎ ምብጻሕን ኣብ ሃንጋሪ ካብ ዕለት 28 - 30 ሚያዝያ ዘካየድዎ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ምብጻሕ ኣብኡ ምስ ሓያሎ ዩክሬናውያን ስደተኛታት እውን ተራኺቦም እዮም ከምኡ'ውን ብልክዕ ነታ "እትሳቐይ ዘላ ዩክሬን ብምርኣይ፡ ካብ ቡዳፐስት ንማሕበረሰብ ዓለም “እቲ ኣብ ዓለም ኣብቲ መሪር እዋን ዝተራእየ ፈጠራዊ ጻዕርታት ምንቲ ሰላም ኣበይ ኣሎ? ዝብል ብርቱዕ ሕቶ ከም ዘቕረቡ ይዝከር።

ኣብ ሊዝበን ዝርከብ WYD - ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንሰያት

ሰላም ከም ዕላማ መጻኢ ወለዶታት ሓደ ካብ መሰረታዊ ዛዕባታት ናይቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንመበል 37 ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንሰያት ካብ ዕለት 2 - 6 ነሓሰ 223 ዓ.ም. ኣብ ሊዝበን (ፖርቱጋል) ዝገበርዎ ጉዕዞ ዘጠቓልል ኮይኑ፡ ኣብ መካነ ንግደት ቅድስተ ማርያም ዘፋጢማ እውን ንግደትን ጸሎትን ዘካየድሉ ጉዕዞ እውን ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ ድሕሪ ሊዝበ ቀጻሊ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንሰያት ኣብ 2027 ዓ.ም.  ኣብ ሴኡል (ደቡብ ኮርያ) እዩ እንክብሉ ዘበሰርሉን «ኣብ ቤተ ክርስቲያን ንኹሉ ቦታ ኣሎ... ንኹሉ፣ ንኹሉ፣ ንኹሉ» ዝብል ቃሎም ብኣጽንዖት ዘስምዕሉ እውን ምብጻሕ እዩ ነይሩ።

ሞንጎልያ

ድሕሪ ሊዝበን ወርሒ ከይጸንሑ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብታ ኣብ መንጎ ሩስያን ቻይናን እትርከብ ኤስያዊት ሃገር፣ መሬት ጀንጊስ ካንን ድሕሪ ምውዳቕ ስርዓት ዴስነት ዳግማይ ዝተወልደ ንኡስ ካቶሊካዊ ማሕበረሰብ፣ ኣስታት 1700 ዝተጠመቑ ሰባት ንትሓቁፍ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን በጺሖምን። ነቲ መጓሰ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎምን ኣብ መወዳእታ ሓደ ካብቶም ኣብቲ ጉዕዞ ነጥቢ ካብ ዝተፈጸሙ ተግባራት ድማ ኣብቲ ምብጻሕ ዝሓበሩ ናይ ሆንግ ኮንግ ልሂቅ ጳጳስን እቶም ኣብ ሓዋርያዊ ሓላፍነት ዘለዉ ጳጳስን ኣእዳዎም ሒዞም ናብ ክቡር ህዝቢ ቻይና ሰላምታ ዝመሓላለፍሉ ህሞት ዘይርሳዕ እዩ።

ማርሴን እቲ ዝሰኣንናዮ ማለት ዝተሰረዘ ጉዕዞ ናብ ዱባይን

ዕለት 22 መስከረም ፍራንቸስኮ ናብ ማርሴ ናብቲ ኣብቲ ብዛዕባ ስደት ዝመኸረ ናይ ሃገራት መዲትራኒያን ጳጳሳትን ከንቲባታትን ዓውደ ኣኼባ ንምስታፍን ዝገበርዎ መገሻን ኣብ ቅድሚ በርገሳውን ቤተ ክርስቲያናውን ሰበስልጣን ነተን ንማእከላይ ባሕሪ ዝጥምታ ሃገራት ር.ሊ.ጳ. በርጎሊዮ ነዊሕን ዓሚቝን መደረ ኣስሚዖም "እቲ ብማረ ኖስትሩም ማለት ባሕርና ብዝብል መጸውዕ ዝፍለጥ ባሕሪ" "ባሕረ ሙታን - " ከይከውን ኣድማዒ ፍታሕ ክወሃቦ ሕቶ ዘቕረብሉን ምንባሩ ይዝከር። ር.ሊ.ጳ. ካልእ ኣብ እዋናዊ ጉዳይ (ቅልውላው ከባቢ ኣየር) ኣብ ዝመክር መበል 28 ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ ዱባይ ክርከቡን ድምጾም ከስምዑን ምስ ዝተፈላለዩ መራሕቲ ሃገራትን መንግስትን ተኸታታሊ ክሌኣዊ ርክባት ከካይዱ ዝብል መራሓ ግብርታት ዘጠቓለለ ደሓር ግን ብሕማም ነድሪ ጉርጉማ ምኽንያት ሓኻይሞም ነቲ መገሻ ክስርዝዎ ከም ዝሓተትዎምን በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ነቲ መልኽቶም ብስሞም ንኽስተፉ ብዝለኣኽዎም ብናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፓሮሊን ከም ዘመሓላለፉ ይዝከር።

ናይ ጥዕና ጸገማት

ኣብ 2023 ዓ.ም. እቲ ካልኣይ ኣብ መንጎ ግንቦትን ሰነን ኣብ ዓቢይ ቤት ሕክምና ጀመሊ ናይ ከብዲ መጥባሕቲ ተገሩሎም ንሒደት መዓልታት ድማ ኣብኡ ከም ዝጸንሑን እቲ ካልኣይ ግዜ ድሕሪ ዝተገበረሎም መጥባሕቲ ግና ኣስታት ዓሰርተ መዓልቲ ኣብቲ ቤት ሕክምና ከም ዝጸንሑ ይዝከር። ዕለት 16 ሰነ  ካብቲ ቤት ሕክምና ዝተፋነዉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዳርጋ ብኡ ንብኡ ናብ ምሉእ ንጥፈታቶም ተመሊሶም። ብዛዕባ ኩነታት ጥዕናኦም ንዝሓትውዎም ዝነበሩ ድማ “ገና ብህይወት ኣለኹ” ዝብል መልሲ ይህቡ ከም ዝነበሩን። ነቶም ብሰንኪ ዘጋጥሞም ዝነበረ ጥዕና ምኽንያት ብፍቓዶም ካብ ሓዋርያዊ ሓላፍነቶም ክለቁ ይኾኑ ዝብል ስግኣት ንዝነበሮም ኩሎም "ከምዚ ዝበለ ሓሳብ ኣብ ዝክረ ነገራተይ የሎን" እንክብሉ ከም ዝመለሱን

ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሕዳር ዘጋጠሞምን ሓፈሻውን ብሕታውን መርሓ ፍጻሜታቶም ክስርዙ ዘገደዶም ሕዱር ሕማም ነድሪ ጉርጉማ ምኽንያት ከምቲ ኣብ እዋን ኮቪድ ከም ዝገብርዎ ካብ ቅድስቲ ማርታ ህንጻ ኮይኖም ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ክልግሱ ከም እተራእየን እቲ መልኽቶም ብተሓጋጋዚኦም ይንበብ እኳ እንተነበረ ኣብኡ እውን እንተኾነ ባዕሎም ብትሑት ድምጺ ጻውዒት ሰላም ካብ ምቕራብ ኣይቦኸሩን ነቲ ሰላም ዘቕረብሉ ጻውዒት እውን ባዕሎም የንብብዎ ነይሮም።

ቃንዛ ውግኣትን ተልእኾ ዙፒን

ኲናት፣ ውግኣት፣ ካብቲ ኣብ ዩክሬን ዝካየድ ዘሎ ጀሚሮም በቲ ኣብ ቅድስቲ መሬት ዝተፈንጀረ ኲናት፣ ናይ 2023 ዓ.ም. መስቀል ኮይኑ ኣሎ። ቅዱስነቶም ኣብ መንጎ ራሻን ዪክረይንን ናይ ሰላም ዘተ ክህሉ ንናይ ቅድስነቶም ጻዕርታት ጎስጓስ ንኽገብሩ ባዕሎም ቅዱሰንቶን ናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ናይ ቦሎኛ ሊቀ ጳጳሳት ካርዲናል ማተዮ ዙፒ ልኡኾ ከይሮም ክም ዝሰመይዎምን ካርዲናል ሱፒ ኣብ ዩክሬን ርእሰ ከተማ ኪየቭ ካብ ዕለት 5 – 6 ሰነ፡ ኣብ ሞስኮ ካብ ዕለት 28 – 29 ሰነ፡ ካብ ዕለት 17 – 19 ሓምለ ኣብ ዋሽንግተን፡ ካብ ዕለት 13 – 15 መስከረም ኣብ ቤጂንግ ዘተ ሰላም ንምንቕቓሕ ምብጻሕ ኣካይዶም እዮም፡ ዙሱፒ ምስ ፖለቲካውን ቤተ ክርስቲያናውን ሰበስልጣን ናይተን ኣርባዕተ ሃገራት ከም እተራኸቡን ብፍላይ ናብ ሩሲያ ዝተወስዱ ዩክሬናውያን ህጻናት ናብ ሃገሮም ክምለሱ ኣብ ዝብል ዝክረ ነገር ከም ዝመኸሩን። እዚ እውን ባዕሉ ናይ ዩክረይን ርእሰ ብሔር ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ሽምግልና ቅድስቲ መንበር ዝሓተተሉ እንኮ ጉዳይ ከም ዝኾነን፡ ድሕሪ ምጅማር ኲናት ንፈለማ እዋን ድሕሪ ሓያሎ ናይ ቴሌፎን ዝርርባት ኣብ መወዳእታ ወርሒ ታሕሳስ ዕለት 28 ብስልኪ ምስ ቅዱሰንቶም ከም እተራኸቡን ዕለት 13 ግንቦት ድማ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምብጻሕ ኣካይዶን ነርበዓ ደቓይቕ ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከም እተራኸቡ ይዝከር።

ኣብ ግንባር ዩክሬን እውን ህላወ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብሰደድ መድሃኒትን መግብን ረድኤትን ከምኡ’ውን ብብዙሕ መገሻታት ጳጳሳዊ ገበዝን ናይ ቅድስቲ መንበር ጉዳያት ግብረ ሰናይ ዝከታተል ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየተን ካርዲናል ኮንራድ ክራጀቭስኪ ናብቲ ብግጭት ዝተሃስየ ከባቢታት ህያው ኮይኑ እዩ። ክራጀቭስኪ ኣብዚ ናይ ልደት በዓላት እውን ኣብ ኢየሩሳሌም ወኪል ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኮይኖም ምብጻሕ ከም ዘካየዱን ክራየውስኪ ምስ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ቤተልሄምን፣ ምስቲ ኣብ ክቱር ስቓይ ምስ ዝርከብ ዝህሰ ዘሎ ህዝቢ ቓዛን ቅርበትን ሓገዝን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ህያው ከም ዝገበሩ ይዝከር።

እቲ ንእስራኤልን ፍልስጤምን ዝቐርብ ጻውዒት

ድሕሪ እቲ ዕለት 7 ጥቅምቲ ብኣሸበርቲ ሓማስ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝተፈጸመ ኣረሜናዊ መጥቃዕቲ ስዒቡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝተፈንጀረ ኲናት ንሰላማዊ መፍትሒ ሓድሽ ኣገባብ ንኽህልዎ ዳግማይ ክንሓስበሉ ኣገዲዱና ኣሎ። ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ባዕሎም ምስ ባይደን፡ ኣባስን ኤርዶጋንን ድሕሪ ዝገበርዎ ናይ ቴሌፎን ርክብን፡ ደሕር እውን ዕለት 22 ሕዳር ምስ ስድራቤት እቶም ብሓማስ ጅሆ ዝተታሕዙዎም ከምኡ’ውን ምስ ኣዝማድ ናይቶም ብሳዕቤን ናይቲ ኣብታ ክሳብ ሕጂ ልዕሊ 20 ሽሕ ግዳያት ዝኾኑሉ ወሽመጥ ቓዛ ብሳዕቤን መጥቃዕቲ ቦምባታት ዝሳቐዩን ዝመዛበሉን ሰባት ዝውክሉ ተራኺቦም እዮም። ልክዕ ከምቲ ኣብ ሩስያን ዩክረይንን እተራእየ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እውን ከምቲ ፓሮሊን ኣብዚ ቐረባ እዋን ዝገለጽዎ ኣብ ፖለቲካዊ ምድብ ዘይኰነስ ኣብ ቀንዲ ተልእኾ እቲ ተካኢ ጴጥሮስ ዝኣቱ ማለት ምስቶም መከራ ዝወርዶም ከይፈላለኻ ምቕራብ ዝብል መሰረታዊ ስርዓት "ምትሕብባር" ዝብል እዩ።

ሲኖዶስ ብዛዕባ ሲኖዳውነት

ሲኖዶስ ብዛዕባ ሲኖዳውነት ኣብ ምሉእ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ቫቲካን ክካየድ እንከሎ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ውግእ ዝካየደሉ ኣብ ዝነበረ ናይቲ “ታሕቲ" ካብ ሰበኻታት ሓሙሽተ ኽፍለ-ዓለም ዝጀመረ ናይ ሰለስተ ዓመት ጕዕዞ ከምኡውን ፍራንቸስኮ ኣብ 2024 ክቕጽል ናይ ዝወሰንዎ ሲኖዶስ ናይ መጀመርታ ክፋል ጉዕዞ ኢዩ። እቲ ሲኖዶስ - ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ሓሙሽተ ካርዲናላት ንዝተላእከሎም ጥርጣረታት ዝሃብዎ ሰፊሕ መልሲ ዝተቐደመ ኮይኑ ዕለት 4 ጥቅምቲ ካርዲናላት፡ ጳጳሳት፡ ገዳማውያንን ገዳማውያትን፡ ልኡካን ወንጌልን ዓለማውያን ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ብጠቕላላ 464 ኣሳቲፉ ዝተካየደ ምንባሩን። በቲ ብጉጅለ ብምምድዳብ ዝካየድ ዝነበረ ዘተ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ ኣብያተ ክርስቲያናት ንዘቕርብኦ ሕቶን ድሌታትን ዘኣንገደን ዝመለሰን ንኣብነት ከም ግደ ዓለማውያንን ደቂ ኣንስትዮን፣ ኣገልግሎት ጳጳሳት፣ ክህነትን፣ ብስነ ኣሃዝ ዝተራቀ እደ ጥበባዊ ኣጠቓቕማ ኣብ ተልእኾ ወንጌል፣ ምእመናን፣ ግህሰት ዝኣመሰሉ ኣርእስታት ቐሪቦም እዮም። ኣብ መወዳእታ እቲ ናይቲ ቀዳማይ ክፋል ሲኖዶስ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ድምጺ ተዋሂብዎን ዕለት 28 ጥቅምቲ ከም እተሓተመ ዝዝከር እዩ።

ሰብሕዎ ለእግዚኣብሔር ዘርስቱ ሓዋርያዊ ምዕዳንን ካልኦት ሰነዳትን

ኣብዚ ብሓደስቲ ካርዲናላትን ሓደስቲ ርክባትን ምስ ናይ ኩርያ ሮማና ላዕለዎት ኣካላትን፡ ምስ ትስኣቱ ካርዲናላት መማክርት ር.ሊ.ጳ.ን ብዝተኻየዱ ርክባት ዝልለ ዓመትን፡ ሓያሎ ሰነዳት ዝቐረበሉን፡ ብቐዳምነት እቲ ሓዋርያዊ ምዕዳን ‘Laudate Deum - ሰብሕዎ ለእግዚኣብሔር’  ዘርስቱ መቐጸልታ ናይ ‘Laudato si - ስቡሕ ኣንተ’ ዘርእስቱ ዓዋዲ መልኽቲ ር.ሊ.ጳ. ቀጺሉ ድማ ንመበል 150 ዓመት ልደት ቅድስቲ ተረዛ ዘሊዜ ( ዕለት 15 ጥቅምቲ) ተኣምኖ ብዝብል ኣርእስቲ ዝለገስዎ ሓዋርያዊ ምዕዳድ፤ ኣብ መወዳእታ ድማ ንስራሕ ፈላስፋን ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ብሌዝ ፓስካል ዝተወፈየት ብምኽንያት ዝኽሪ መበል ኣርባዕተ ሚእቲ ዓመት ልደቱ  Sublimitas et miseria hominis - ማዕርግን ሓሳርን ሰብ፡ (ኣብ ራብዓይ ሚእቲ ዓመት ልደቱ ዕለት 19 ሰነ ወግዓዊ ዝኾነ)።

ኣብ 2023 ዓ.ም. ዕለት 13 ግንቦት ዝወጸ መሰረታዊ ህዳሴ ሕጊ ጐሊሑ ይርአ፣ ብእኡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ናይ 2000 ዓ.ም. ኣብ ኣገግሎት ዝነበረ ናይ ሃገረ ቫቲካን ሓዋርያዊ ቅዋም ይሕድሱ። ዕለት 6 ጥሪ ቅዱስነቶም  ኩርያ ሮማና ዳግማይ ንምውዳብ ብዘለዎም ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ስልጣን In Ecclesiarum Communion - ኣብ ሕብረት ዓቕለስያ ዝብል እርስቲ ሓድሽ ሕጊ ከም ዝደገጉን ነዚ ስዒቡ፡ ኣብ ውሽጢ ዓመት፡ ኣዋጃት፡ ዳግመ-ሰነዳትን ብዘለዎም ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ስልጣን መሰረት ምምሕያሽ ገበናዊ ሕግታትን ስርዓተ ፍርዲ ቫቲካንን ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ውሳኔታት ኣመሓላሊፎም እዮም።

ውሽጣዊ ፍጻሜታት

2023 ዓ.ም. ብድሕሪ’ዚ እቲ ኣብ ምሕደራ ገንዘብ ቅድስቲ መንበር ዝምልከት ነዊሕን ዝተሓላለኸን መስርሕ ፍርዲ ዝተዛዘመሉ ዓመት ምዃኑ ዝዝከር ኮይኑ፡ ድሕሪ 86 ክሂሎታዊ መስርሕ ዕለት 16 ታሕሳስ ን9 ተኸሰስቲ ብድምር ናይ 37 ዓመት ፍርዲ ብምሕላፍ ዝተዛዘመሉ ዓመት እዩ። ብድሕሪ’ዚ ናይ ሓፈሻዊ ጉዳይ ዋና ተቖጻጻሪ ነበር ሊበሮ ሚሎነን ብዛዕባ ፋይናንሳዊ ምሕደራ መዘምራን ቤተ ጸሎት ሲስቲና ዝምልከት ፍርዳዊ ኪህሎት ኣብ ቤት ፍርዲ ቫቲካን ኣብ ወርሒ ጥሪን ግንቦትን ብቕደም ተኸተል ከም እተጀመረን። ብዛዕባ ፍርዲ ብዝምልከት፡ ብ27 ጥቅምቲ ፍራንቸስኮ ነቲ ብገለ መነኮሳት ብስነ-ኣእምሮኣውን ጾታውን ዓመጽ ዝተኸሰሰ ኢየሱሳዊ ነበርን ፍሉጥ ስነ-ጥበባዊ ማርኮ ሩፕኒክ ንፍርዲ ክቐርብ ዝገብር ናይ ግዜ ገደብ ዝምልከት ጉዳይ ተኣልዩ ንፍርዲ ክቐርብ ከም ዝወሰኑ እውን ይዝከር።

ናብ 2024 ዓ.ም. ምጥማት

ናይ 2024 ዓ.ም. ርእየት ድማ ኣብቲ ባዕሎም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ 2023 ዓ.ም. ኣብ ዘካየድዎ ሓያሎ ቃለ መሕትታትን ብዛዕባ መጻኢ ዝኣተዎ መብጽዓታት ነስተውዕል። ር.ሊ.ጳ. በርጎሊዮ ናብታ ካብ ወርሒ ሕዳር ኣትሒዛ ኣብ ትሕቲ መርሕነት ሓድሽ ርእሰ ብሔር ኻቭየር ማይላይ ናብታ እትርከብ ሃገሮም ክበጽሑ ዘለዎም ድላይ ደጋጊሞም ገሊጾም እዮም። ነዚ ድማ ኣብቲ ኣብ ቀረባ እዋን ምስ ቲቪ ኤን እተሰምየ ናይ መክስኮ ናይ ተለቪዥን ማእከል ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ደጊሞምዎ ኣዮም ብዛዕባ ናብ በልጅዩምን ፖሊነዥያን ኪግበር ዚከኣል ጕዕዞ እውን ተዛሪቦም እዮም። ኣቐድም ኣቢሎም እውም ናብ ኮሶቮ ብዛዕባ ከካይድዎ ዝከኣሎም ጕዕዞ ጠቒሶም ነይሮም። ር.ሊ.ጳ. መረጋገጺ ናይቲ "ኣህጉራዊ ምንቅስቓሳት" ክጽበ ኸሎ ንዓመታኡ እውን ከምቲ ኣብ ቀረባ ኣዋርሕ ፕሪማቫል ቪላ ቨርደ ከምኡውን ኣቺሊያያ ኣብ ወሰናስን ከተማ ሮማ ኣብ ዝኾና ዞብታት ሓውጾተ ኖውሎ ኣካይዶም ምስቶም ኣብቲ ወሰናስን ዞባትት ዘገልግሉ ካብ ሰበኻ ሮማ ካህናት ከም እተራኸቡን እዚ ዓይነር ርክብ እዚ እውን ክቕጽልሉ እዮም። ኣብ 2024 ዕለት 18 ግንቦት ናብ ቨሮና ምብጻሕ ከካይዱ መደብ ኣለዎም ከምኡ እውን ነቲ 2025 ቅዱስ ዓመተ ኢዮቤል ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበር መግንስቲ ኢጣሊያን ናይ ሓባር ርክባትን ምስንዳዋትን ናብ ዝግበረሉ ዘሎ የማዕድዉን።

ናብ 2024 ዓ.ም.
ናብ 2024 ዓ.ም.
31 December 2023, 16:29