2023.12.11 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ን60 ዓመት ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ቫቲካንን ደቡብ ኮርያን የመስግኑ 2023.12.11 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ን60 ዓመት ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ቫቲካንን ደቡብ ኮርያን የመስግኑ  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ን60 ዓመት ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ቫቲካንን ደቡብ ኮርያን የመስግኑ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምኽንያት መበል 60 ዓመት ቅዋመ ስነ መላዊ ርክብ ሪፓብሊካዊት ኮርያን ቅድስቲ መንበርን ናብ ጳጳሳት ኮርያ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ክልቲኦም ወገናት ምሕዝነታዊ ዝምድናን ብሓባር ንሰላምን ዕርቅን ኣብ ሓውሲ ደሴት ኮርያ ብቐጻሊ ዕይቶታቶም ከማዕብሉ ተስፋ ከምዘለዎም ገሊጾም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ሰበኻ ዓዓስ ኣቦ መንበር ጉባኤ ካቶሊካዊ ጳጳሳት ኮርያ ጳጳስ ማትያስ ሪ ኢዮንግ-ሁን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልኽቲ፥ “ልባዊ ሰናይ ትምኒቶም” ከምኡ’ውን “መንፈሳዊ ቅርበቶም” ብምግላጽ ንናይ ቅድስቲ መንበርን ደቡን ኮርያን ዝኽሪ መበል 60 ዓመት ቅዋመ ክሌኣዊ ስነ መላዊ ርክብ የብዕሉ።

ደቡብ ኮርያን ቫቲካንን ኣብ 1963 ብወግዒ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ከም ዘቖማን። ካብኡ ንደሓር ጥቡቕ ዝምድና ዓቂበን ይጓዓዛ ከም ዘለዋን ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ 1984ን 1989ን ኣብ  ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ 2014 ዓ.ም. ኣብታ ሃገር ወግዓዊ ምብጻሕ ከም ዘካየዱ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ኣብ ሓውሲ ደሴት ኮርያ ንሰላም ብሓባር ምስራሕ

እቲ ዝኽሪ መበል 60 ዓመት ወግዓዊ ቅዋሜ ክሌኣዊ ስነ መሌላውር ርክብ ኣብ እተዘከረሉ ዕለት 11 ታሕሳስ ብጳጳስ ሪ ኢዮንግ-ሁን ዝተመርሐ ፍሉይ ናይ ምስጋና ቅዳሴ ኣብ ካቴድራል ሚዮንግዶንግ ሴኡል ከም ዝዓረገን። በዚ ዝኽሪ ምኽንያት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ናብ ብጹዓን ጳጳሳት ደቡብ ኮርያ ዘመሓላለፈው መልእኽቲ ኣብቲ ስነ ስርዓት ቅዳሴ ኣብ ደቡብ ኮርያ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳስ ፈርናንዶ ዱዋርተ ባሮስ ረይስ ከም እተነበን፡ ደቡብ ኮርያን ቅድስቲ መንበርን ምሕዝነታዊ ርክብ ኣማዕቢለን ሓውሲ ደሴት ኮርያ ንሰላምን ዕርቅን ብሓባር ክሰርሓ ተስፋ ከምዘለዎም ገሊጾም።

ነቲ ኣብ ኮርያ ዚርከብ ማሕበረሰብ ካቶሊክ ምእንቲ ዝተዓደለ ብዙሕ ጸጋታት ምስጋና

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስቶም ኣብቲ ዝዓረገ ናይ ምስጋና ቅዳሴ ንዝሓበሩ ጳጳሳት ኮርያ ብመንፈስን ጸሎትን ድማ ከም ዝሓበሩ ብምርግጋጽ፡ "እዚ ጽልዋ እዚ ብፍላይ ነቶም እተገለሉን ድኻታትን ተስፋ ዘይብሎምን ባህላውን መንፈሳውን ፍረታት ኣብ ምፍራይ ከም ዝቕጽል ብምትእምማን በቲ ወንጌል ዘስፍሕሉ መገዲ ንናይታ ሃገር ቤተ-ክርስትያን ንማሕበረሰብ ኮርያን ዕቤት ናይ ከባቢ ቤተ ክርስቲያን ስለ ዝገበረቶን እተገብሮን ዘላ ኣበርክቶ” ነመስግን ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊለ።

ፍስሃ ዝኽሪ ሓዋርያዊ ጉዕዞ 2014 ዓ.ም.

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ኣብ 2014 ዓ.ም. ናብ ሴኡል ዘካየድዎ ሓዋርያዊ ጉዕዞ ብፍላይ ድማ ነቲ ስለ  ንሰማእታት ኮርያ ብጽዕና ንምእዋጅ ዝመርሕዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ብፍቕሪ ዘኪሮም፥ “ንኢየሱስ ካብ ዘለዎም ፍቕሪን መንግስቲ እግዚኣብሔር ንምስፋሕ ዝነበሮም ድሌትን ኣብዛ ምድሪ ሕይወቶም ዝሰውኡ ነታ እትዕምብብን ህያውን ቤተ ክርስቲያን ዝኾነት ዝርኢ እያቶም።”

ትጽቢት ን2027 ዓ.ም. ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ኣብ ደቡብ ኮርያ

ቅዱስነቶም ኣስዒቦም ኣብ መልኽቶም ኣብ 2027 ዓ.ም. ሴኡል ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ኣአንጋዲት ከተማ ኮይና ከም እተሓረየትን እዚ ድማ ኣብ 1995 ዓ.ም. ንፊሊፒንስ ስዒባ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንሰያት ካልአይቲ ኣአንጋዲት ኣስታዉት ከተማ ክትከውን እያ” ምስ በሉ፡ “ሃገረ ኮርያ ንኣማላድነት ሰማእታት ኮርያን ማርያም ኣደ ቤተ ክርስቲያንን ሕድሪ ብምሃብ ቡራኬኦም ከም መብጽዓ ጸጋን ሰላምን ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ” ከም ዘመሓላለፉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

12 December 2023, 12:06