ር. ሊ. ጳ. ፦ ንእከይ ብምልላይን ብምንጻግን ንልብና ንሓልዎ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ብዛዕባ ኣመላውያን ሓጢኣትን መንፈሳውያን ሓይላትን ዚገልጽ ሓድሽ ተኸታታሊ ምዕራፋት ትምህርተ ክርስቶስ ብምጅማር፣ ብኸመይ ቅዱሳት ጽሑፋትን መምህራን መንፈሳዊ ህይወትን ከም ዝገልጽዎ ብምትኳርን፣ እከይ አብ ውሽጥና ሱር ከይሰድድ ኽንነጽጎ ኸም ዜተባብዑናን፣ ንልብና ምሕላው ዘለዎ ኣገዳስነትን ኣስተምሂሮም ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ድሕሪ በዓል ልደት ሥርዓተ ላቲን እትኽተል ቤተክርስቲያን ክልተ መዓልቲ ጸኒሖም ሎሚ ረቡዕ ነቶም ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝርከብ ጳውሎስ ሻድሻይ እተሰምየ ናይ ጉባኤ አዳራሽ ተአኪቦም ዝነበሩ ነጋድያንን በጻሕትን ተቐቢሎም ናይ ዕለቱ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ለጊሶም ።

ቅዱስ አቦና ኣብ አስተምህሮኦም ንልቢ ብዛዕባ ምሕላው ብዝብል ኣርእስቲ መእተዊ ብምግባር ነቲ ሓድሽ ተኸታታሊ ትምህርትታት ብዛዕባ ኣመላውያን ሓጢአትን መንፈሳውያን ሓይላትን ጀሚሮም ።

 

ተኸታታሊ ትምህርተ ክርስቶስ

ኣመላውያን ሓጢኣትን መንፈሳውያን ሓይላትን

(ኣመላትን ውርዝውናታትን)

1. መእተዊ፦ ንልቢ ምሕላው

27 ታሕሳስ 2023

አብ ናይ ዕለቱ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ዝተነበ ቃል አምላኽ፡

ምንባብ፦ ወንጌል ማርቆስ 7፡ 14-15፣ 20-23

 

ኢየሱስ ከም ብሓድሽ ነቶም ሕዝቢ ናብኡ ጸዊዑ ከምዚ በሎም፦ “ኵልኹም ስምዑኒ፥ ኣስተውዕሉውን።ካብ ሰብ ዚወፅእ እዩ ንሰብ ዜርክሶ እምበር ካብ ወፃኢ ናብ ሰብ ዚኣቱስ ገለ እኳ ኼርክሶ ኣይክእልን እዩ፥. . . ከምዚ ድማ በሎም፦ “እቲ ንሰብ ዜርክሶ እቲ ካብ ሰብ ዚወፅእ እዩ። ምኽንያቱ ኻብቲ ውሽጢ ልቢ ሰብ ክፉእ ሓሳብ፥ ምንዝርና፥ ስርቂ፥ ቅትለት፥ ዝሙት፥ ስስዕቲ፥ ክፍኣት፥ ተንኮል፥ ስድነት፥ ቅንኢ፥ ሕሜት፥ ትዕቢት፥ ዕሸነት ይወፅእ። እዚ ዂሉ ኽፉእ ካብ ውሽጢ እዩ ዚወፅእ፥ ንሰብ ከኣ የርክሶ።”  

ካብዚ ብምቕጻል ምሉእ ትሕዝቶ ቅዱስነቶም ዝለገስዎ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ነቕርበልኩም፦

ፍቑራት ኣሕዋትን ኣሓትን ከመይ ሓዲርኩም!

ሎሚ ብዛዕባ ኣመላውያን ሓጢኣትን መንፈሳውያን ሓይላትን ዝገልጽ ናብ ሓድሽ ተኸታታሊ ክፍልታት ትምህርተ ክርስቶስ መባእታ ክገብረልኩም እደሊ አሎኹ ። ካብ መጀመርታ ቅዱስ መጽሓፍ ካብ ኦሪት ዘፍጥረት ተበጊስና ካብቲ ብዛዕባ ቀዳሞት ወለድና ዝዛረብ ክፍሊ፣ እቲ ሚናዊ ሓይሊ ናይቲ እኩይን ፈተናን ዘቅርብ ክፍሊ ብምስትንታትን ክንጅምር ንኽእል ኢና ። ኣብቲ ብገነት ኤድን ተመሲሉ ዘሎ ባህ ዜብል ዛንታ፣ ምሳሌ ፈተና ዝዀነ ተመን ዚበሃል ገጸ ባህርይ ተጠቒሱ ኣሎ ። እዚ ተመን እዚ ሰላሕ ኢሉ ኣብ ምድሪ ለመም ብምባል ኢዩ ዝንቀሳቐስ፣ ሓድሓደ ግዜ ኸኣ ንገዛእ ርእሱ ምስ ከባቢኡ ብምምስሳል ስለ ዝሕባእ፣ ኣብኡ ኸም ዘሎ እውን ከተስተብህለሉ ኣይከአልን ኢዩ ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እዩ ልዕሊ ዅሉ ሓደገኛ ዝዀነ ።

ምስ ኣዳምን ሄዋንን ክዘራረብ ምስ ጀመረ፣ አስዳዒ ዝኾነ ክእለት ለሃጃ ከም ዘለዎ ተጋህደ ። ከምቲ ሓደ ሰብ ብሕማቕ ሕሜት ዚጅምሮ፣ ብሓደ ሰላሕታዊ ሕቶ "ኣምላኽሲ፤ ‘ካብ ኩሉ ኦም ገነት ኣይትብልዑ’ ኢሉ ዶ ኣዚዙኩም እዩ?" (ዘፍ 3 1) ክብል ሓተቶም ። እዛ ሓረግ እዚኣ ሓሶት ኢያ ዝንበረት - ከም ሓቁ እኳ ደአስ ኣምላኽ ብዘይካ ፍረ ናይ ሓንቲ ኦም፣ ማለት እታ ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም እንተ ዘይኮኑ፣ ንሰብኣይን ሰበይትን ካብ ኵሉ ፍረ ኦም ገነት ክበልዑ ሂብዎም ኢዩ ዝነበረ ። እዚ ትእዛዝ እዚ ከምቲ ሓድሓደ ግዜ ብጌጋ ዚትርጐም፣ ሰብ ነቲ ርትዓዊ ኣመክንዮ ንኸይጥቀም ዚኽልክል ዘይኰነስ፣ ሓደ እተወሰነ መለክዒ ጥበብ እዩ ዝነበረ ። ትዕቢት መጀመርታ ዅሉ እከይ ከም ምኹኑ መጠን፣ ደረትካ ምፍላጥ እንከስምዕ፣ ንሳቶም ጐይታ ዅሉ ኸም ዝኾኑ ዀይኑ ከይስምዖም ዝተዋህቦም ትእዛዝ ኢዩ ። ኣምላኽ ነቶም ቀዳሞት ወለድና ከም ጐይቶትን ሓለውትን ፍጥረት ገይሩ እኳ እንተ ኣቐመጦም፣ ካብቲ ከደናግሮም ዝኽእል ኣተሓሳስባ ንርእሶም ከም “ከአል-ኩሉን” ጐይቶት ሰናይን ክፉእን ከም ምዃኖም ገይሮም ከይሓስቡ ንኼዕቍቦም ስለ ዝደለየ ኢዩ ። እዚ ከምዚ ዝበለ ፈተና ንልቢ ወድሰብ ካብ ኵሉ ንላዕሊ ሓደገኛ ዝዀነ መፈንጠራ ኢዩ፣ ዕለት ዕለት ውን ክንጥንቀቐሉ ዘሎና ኩነት ኢዩ!

ከም እንፈልጦ ኣዳምን ሄዋንን ንፈተና እቲ ተመን ኪቃወምዎ ኣይከኣሉን ። ሓደ ሠናይ ዘይኮነ ሓሳብ ብዛዕባ አምላኽ ማለት ሓደ ብጭቆና ክግዝኦም ዝደሊ፣ መግዛእቱ ኣጽኒዑ ክቕጽል ዝደሊ ኣምላኽ ዝብል ሓሳብ ኣብ ኣእምሮኦም ከም ዝኣቱ ገይርዎም ኢዩ ። ዕንወት ኩሉ ነገር ድማ እዚ ኢዩ ዝነበረ ። ነዊሕ ከይጸንሑ እቶም ቀዳሞት ወለድና ልክዕ ከምቲ ፍቕሪ ዓስቢ ዝኾነ፣ እከይ እውን ንገዛእ ርእሱ መቕጻዕቲ ምዃኑ ኣስተውዓሉ። ከም እተጋገዩ ምእንቲ ኺርድኡ መቕጻዕቲ ኣምላኽ ኣየድልዮምን እዩ ዝንበረ ፣ የግዳስ ነቲ ኽሳዕ እዚ እዋን እዚ ዚነብሩሉ ዝነበሩ ስኒትን ውህደትን ዓለም ዜጥፍአ እዚ ተግባራቶም እዩ ዝንበረ ። ከም ኣማልኽቲ ክኾኑ ባህጊ እኳ እንተነብሮም ፣ ብኣንጻሩ እኳ ደአ ዕሩቓት ምዃኖምን ኣዝዮም ከም ዚፈርሁን ኣስተውዓሉ። ትዕቢት ናብ ልቢ ወድሰብ ምስ ኣተወ፣ ድሕሪ ደጊም ንርእርእሶም ኻብቲ ንእከይ ክጸንስ ዝኽእል እንኮ ምድራዊት ፍጥረት፣ ማለት ካብ ሰብ ኬዕቍቦም ዝኽእል ከም ዘየልቦ አለለዩ ።

ቅዱስ መጽሓፍ በዚ ዛንታ እዚ ኣቢሉ እከይ ኣብ ሰብ ብጭድርትዊ መንገዲ ኸም ዘይጅምር፣ ሓደ ተግባር ምስ ተፈጸመ ዘይኮነስ እኳ ደአ ኣቐዲሙ ሓደ ሰብ ብዛዕባኡ ኺሓስብ ምስ ጀመረን፣ ኣብ ሓሳባቱ ከኮማስዖ እንከሎን፣ በእምሮኡ ከውርዶን ከደይቦምን ምስ ጀመረ፣ ኣብ መወዳእታኡ ኸኣ ብባህግታቱ ኣብ መንፈንጠራ ምስ ዝአቱ ኢዩ ዝግለጽ ። ቅትለት ኣቤል እምኒ ብምድርባይ አይኮነን ዝጀመረ፣ የግዳስ በቲ ቃየል ብኽፉእ መገዲ ዝሓዞ ቅንኣት እዩ ጀሚሩ ፣ ብውሽጡ ድማ ናብ ሓደ ኣራዊት ቀየሮ ። ኣብዚ መዳይ እዚ እውን እቲ ኣምላኽ ዘቕረበሉ "ሓጢኣት ኣብ ኣፍ ደገ ኮይና ትቃጸወካ ኣላ፣ [ብባህግታታ] ክትስዕረካ ትደሊ አላ ንስኻ ግና ከም ትስዕራ ግበር" (ዘፍ 4 7) ዝብል ምኽሪ አገዳሲ ኢዩ ዝነበረ ።

ሓደ ሰብ ምስ ድያብሎስ ምልልስ ከካይድ የብሉን ። ንሱ ሰላሕታን በሊሕን እዩ ። ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ካብ ቅዱስ መጽሓፍ ብእተወስደ ጥቕስታት ንኢየሱስ ክፍትኖ ተረኺቡ ኢዩ ። ንሱ ንእከይ ብዓይኒ ብዘይርአ ናይ ሠናይ ጭምብል ገይሩ ክኽውሎ ይኽእል ኢዩ። ስለዚ ኸኣ ኢዩ ሓደ ሰብ ነቲ ንሱ ክኣትወሉ ዝኽእል ንእሽቶ ፈቓቕ ውን ከይተረፈ ብህጹጽ ብምዕጻው ወትሩ ንቑሕ ክኸውን ዘለዎ ። ገለ ገለ ሰባት አብ ወልፊ ዝወደቑ አለዉ (ሓሽሽ፣ ወልፊ ኣልኮላዊ መስተ፣ ጠላዕ) ነዚ ድማ ነቲ ኼጋጥሞም ዚኽእል ሓደጋ ብምርዳእ ጥራይ  ኬሰንፎ ዘይከአል ኢዩ ። ኣብ ሓደ ዝነዓቅዎ ውግእ ብዛዕባ ገዛእ ርእሶም ድልዱላትን ክሰዓሩ ዘይክእልን ገይሮም እኳ እንተ ሓሰቡ፣ ኣብ ክንዳኡስ ግዳይ ሓደ ሓያል ጸላኢ ኮይኖም ተረኽቡ ። እከይ ሰራውሩ አባና ክሰድድ እንከሎ ኣመላዊ ሓጢኣት እዩ ዝኸውን፣ ንምእላዩ ኣጸጋሚ ዝዀነ ጻህያይ እዩ ዝኸውን ። ኣብዚ ከምዚ ኩነት ሓደ ሰብ ከቢድ መስዋእቲ ብምኽፋል ጥራይ እዩ ክዕወት ዝኽእል ።

ኣብዚ ነዚ ናይ ሎሚ ኣስተንትኖና ክንዛዝሞ ኢና ። ነፍስወከፍ ንልቡ ዚከናኸንን ዝሕሉን ኪኸውን ኣለዎ ። ኣብ እተፈላለዩ ጽሑፋት ኣቦታት ናይ ምድረ - በዳ፣ ማለት ኣብቶም ኣብ ጸሎትን ኣብ ሕውነታዊ ፍቕርን ክነብሩ ኢሎም፣ ንዓለም መኒኖም ናብ ገዳም ዝኸዱ ኣቦታት እንረኽቦ ኢና ። ንሳቶም ከም ዝብልዎ ምድረ በዳ ኻብ እተፈላለየ ዂናታት - ካብ ናይ ኣዒንትን፣ ናይ ልሳንን፣ ናይ እዝንን እንናገፈሉ ቦታ እዩ ፣ ኣባኡ እቲ ናይ መወዳእታ ውግእ፣ ልዕሊ ዅሉ ኣጸጋሚ ዝዀነ ናይ ልቢ ውግእ ጥራይ እዩ ዝተርፈና ። ሓደ ክርስትያን ኣብ ኣእምሮኡን ልቡን ንዝርከብ ዅሉ ሓሳባትን ባህግን ኣብ ግምት ብምእታው ከም ጥበበኛ ዘብዐይና ዀይኑ ክነቅሕን፣ እዚ ድማ ካብ ኣምላኽ ድዩ ወይስ ካብቲ መጻርርቱ ዝመጸ እንተ ዀይኑ ገዛዕ ርእሱ ክምርምር አለዎ። ካብ ኣምላኽ ዝመጸ እንተ ዀይኑ ናይ ሓጐስ ምንጪ ከንዲ ዝዀነ ሓንጐፋይ ኢሉ ኪቕበሎ ኣለዎ ። እንተዀነ ግን ካብቲ ተጻራሪ ዝመጸ እንተድኣ ዀይኑ ጥበራ ጥራይ ኮይኑ ብከላ ኢዩ ዘርኣሉ፣ ንእሽቶ እኳ እንተ መሰለና ሓንሳእ ምስ ተቘጻጸረና ግና ነቲ ነዊሕ ጨናፍር እከይን ጓህን ባዕልና ክንግንዘቦ ኢና። ኣብ ነፍሲ ወከፍ መንፈሳዊ ቓልሲ ዚርከብ ዓወት ኣብ መጀመርታ እዩ ፣ እዚ ኸኣ ወትሩ ንልብና ብምዕቛብን ምኽንልካልን እዩ ዝርከብ ።

27 December 2023, 16:38