ር. ሊ. ጳ.፦ በዓል ልደት ንዓለምና ሰላም ዘምጽኣላ፡ ንጓሂ ድማ ናብ ሓጐስ ዝቕይሮ ይኹን
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም አብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተአኪቦም ዝነበሩ ነጋድያንን በጻሕትን ካብቲ ማእከላይ ሰገነት ናይ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ሰላምታን ቃለ ቡራኬን እንከመሓላልፉ፣ ብምኽንያት በዓለ ልደት መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ነቲ ልማዳዊ ዝኾነ ናይ እንቋዕ አብጽሃና መልእኽቶም ኣስዒቦም፣ ነቲ “ኡርቢ ኤት ኦርቢ” (ከተማ ሮማን ንመላእ ዓለምን) ዝተሰምየ ሓዋርያዊ ቡራኬኦም ለጊሶም ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት አብ መልእኽቶም፣ ኣብዚ ዘሕዝን ግን "ጓህን ስቕታን" እተሓወሶ እዋን ናብቲ ህጻን ኢየሱስ ኣብ ቤት-ልሄም እተወልደሉ ቦታ ከም እንጥምት ገለጹ ። እቲ ልደት መድሓኒ ዘበስር ዝነበረ መልኣኽ "ሎሚ ኣብ ከተማ ዳዊት መድሓኒ ተወሊዱልኩም አሎ፣ ንሱ ኸኣ ክርስቶስ ጐይታ ኢዩ! " ብዝብል ኣዋጅ "ጐይታ ምእንታና ክብል ተወሊዱ ... እቲ መወዳእታ ዘይብሉ ኣምላኽ ፣ ዘለኣለማዊ ቃል- ኣቦ ማሕደሩ ኣብ መንጎና ገበረ ።" ክብሉ ኣስተምሃሩ።
ክቡራትን ክቡራንን ሰማዕትና፣ ካብዚ ብምቕጻል ምሉእ ትሕዝቶ መልእኽቲ ቅዱስነቶም ነቕርበልኩም፦
ፍቑራት ኣሕዋትን ኣሓትን ብሩኽ በዓለ ልደት !
ኣዒንትን ኣልባብን እቶም ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ክርስትያን ምእመናን ናብ ቤት-ልሄም ይጥምታ አለዋ ፣ ኣብዘን መዓልትታት እዚኣተን ጓህን ጸጥታን ዝሰፈና እኳ እንተ ዀነት "ሎሚ ኣብ ከተማ ዳዊት መድሓኒ ንሱ ኸኣ ክርስቶስ ጐይታ ተወሊዱልኩም አሎ!" ዚብል ነዊሕ ትጽቢት እተገብረሉ መልእኽቲ ንፈለማ ግዜ ኣብኡ እዩ ተኣዊጁ (ሉቃ 2፡ 11)። እቲ ኣብ ቤት-ልሄም ዝነበረ መልኣኽ እተዛረቦ ቃላት፣ ንዓና እውን ሎሚ ይዛረበና አሎ ። ጐይታ ኸም እተወልደልና እንተ ደአ ፈሊጥና ተስፋን ትውክልትን ኣለና ፣ እቲ ዘለኣለማዊ ቃል-ኣቦ ዝዀነ መወዳእታ ዘይብሉ ኣምላኽ ማሕደሩ ኣብ መንጎና ገብረ፣ ሥጋ ዀነ፣ በዚ ኸምዚ ድማ "ኣብ መንጎና ኪቕመጥ!" እዩ መጺኡ (ዮሃንስ 1፡ 14)። እዚ ንናይ ዘመና ታሪኽ ዝቐየረ ሠናይ ብስራት እዩ!
መልእኽቲ ቤት-ልሄም ብሓቂ "ብስራት ዓብዪ ሓጐስ" እዩ (ሉቃ 2፡ 10)። እንታይ ዓይነት ሓጐስ ? ሓላፊ ዘይኮነ ሓጐስ፣ ከም ናይዛ ዓለም እዚኣ ዘይኰነ ሓጐስ፣ ወይ ውን መዘናግዒ ሓጐስ ዘይኰነስ ብኣንጻሩ እኳ ደአስ ክቡራት ዝገብረና ሓጐስ ብምዃኑ "ዓብዪ" ሓጐስ እዩ ። ሎሚ ዅላትና ብዅሉ ጕድለታትና ነቲ ቕድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ውህበት ማለት ናብ ሰማይ ናይ ምውላድ ተስፋ ተቐቢልና ኢና ። እወ ሓውና ኢየሱስ ንኣቦኡ ኣቦና ኺገብሮ መጸ፣ ህጻን ቆልዓ ክንሱ ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ንዓና ዘለዎ ለውሃትን ካልእ ከምኡ ዝበለ ነገራትን ገሊጹልና ። እቲ ሓደ ወዱ ንኣቦ ዝዀነ "ውሉድ ኣምላኽ ንኽንከውን ሓይሊ ይህበና" (ዮሓ 1፡ 12)። እዚ ኸኣ ንልቢ ዜጸናንዕን ተስፋ ዜሐድስን ሰላም ዜምጽእን ሓጐስ እዩ ። ሓጐስ መንፈስ ቅዱስ ከኣ እዩ ፣ እዚ ኸኣ ፍቑራት ኣወዳትን ኣዋልድን ኣምላኽ ብምዃን ዚርከብ ሓጐስ እዩ ።
ሎሚ ኣብ ቤት-ልሄም ዚነብሩ ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ መንጎ እቲ ነታ ምድሪ ሸፊንዋ ዘሎ ከቢድ ጽላሎት ዘይጠፍእ ብርሃን በሪሁ ኣሎ ። ሎሚ ጸልማት ዓለም በቲ "ንኹሉ ሰብ ዜብርህ" ብርሃን ኣምላኽ ተዋሒጡ ኣሎ (ዮሓ 1፡ 9)። ኣሕዋትናን ኣሓትናን በዚ ውህበት ጸጋ እዚ ንተሓጐስ! ኣቱም ኣብ እምነትኩም ትብዓት ዘጥፋእኩም ተሓጐሱ፣ ከመይ በይንኹም ኣይኰንኩምን ፣ ክርስቶስ ምእንታኹም ተወሊዱ እዩ ። ኣቱም ብኵሉ ተስፋ ዝሰኣንኩም ኣምላኽ ነታ ዝርግሕቲ ኢዱ ሂቡኩም ኣሎ እሞ ተሐጐሱ ፣ ንሱ ኣጻብዑ ኣየወጣውጠልኩምን ኢዪ፣ ካብ ፍርህኹም ሓራ ምእንቲ ኼውጽኣኩም ካብ ጾርኩም ምእንቲ ኼናግፈኩምን፣ ኣብ ኣዒንቱ ኻብ ዝዀነ ይኹን ንላዕሊ ክቡራት ምዃንኩም ምእንቲ ኼርእየኩም ኢሉ እኳ ደአ ኣእዳው ናይቲ ህጻን ዝኾነ ወዱ ሂቡኩም አሎ ። ኣቱም ናይ ልቢ ሰላም ዘይብልኩም እቲ ብኢሳይያስ ዝተነግረ ጥንታዊ ትንቢት ምእንታኹም ስለ እተፈጸመ ተሐጐሱ ። “ህጻን ተወሊዱልና ወዲ ተባሂቡና ንሱ ኸአ . . . መስፍን ሰላም ተባሂሉ ክጽዋዕ ኢዩ።" (ኢሳ 9፡ 6)። ቅዱስ መጽሓፍ ከም ዝገልጸልና ሰላሙን መንግስቱን 'መወዳእታ የብሉን!' (ኢሳ 9፡ 7)።
ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እዚ መስፍን ሰላም፣ እቲ "ንህይወት ዘፍቕር" (ጥበብ 11፡ 26) በቲ ዘርኢ ሞት ብምዝራእ ኣንጻር ጐይታ ውዲት ዝኣለመ "መስፍን እዛ ዓለም እዚኣ" (ዮሓ 12፡ 31) ተጻርሮ ገጢምዎ ኢዩ ። እዚ ድማ ኣብ ቤት-ልሄም ኪፍጸም ከሎ ርኢና አሎና፣ ኣብኡ ኣብቲ መድሓኒ እተወልደሉ እዋን እቶም ንጹሃት ተቐቲሎም እዮም ። ኣብዛ እንነብረላ ዘለና ዓለም ክንደይ ንጹሃት ሰባት ይሕረዱ ኣለዉ! ኣብ ማሕጸን ኣዴታቶም፣ ከምቲ አብ ታሪኽ ኦዲሰያ እነንብቦ ናይ ተስፋ ቑርጸት ዛታታትን፣ ተስፋ ንምድላይን ኣብ ህይወት ኵሎም እቶም ቍልዕነቶም ብውግእ ዝዓነወ ሕጻናት ዝፍጸም ዘሎ ኢዩ ። እዚኣቶም ኣብዚ ግዜ ህጻንነቶም ብውግእ ዝሞቱ ዘለዉ ንኣሽቱ ኢየሱስ ኢዮም ።
ስለዚ ነቲ መስፍን ሰላም "ሕራይ" ምባል ክበሃል ከሎ፣ ንውግእ፡ ንነፍሲ ወከፍ ውግእ “አይፋል” ምባል ኢዩ፣ ከምኡውን ብትብዓት ከምዚ ምግባር ማለት ነቲ ዕላማ ዘይብሉ ጕዕዞ፣ ብዘይ ዓወታት ስዕረት ዝኾነ ከምኡውን ዜመኻንይዎ ዘይብሎም ዕሽነት ንዝኾነ ውግእ “አይፋል” ምባል ማለት እዩ ። ብሓቂ ድማ ውግእ ዕላማ ዘይብሉ ጕዕዞ፣ ምንም ዓወታት ዘይብሉ ስዕረት ኮይኑ፣ መመኽነይታ ዘይብሉ ዕሽነት እዩ ። ንውግእ "ኣይፋል" ምባል ኪበሃል ከሎ ንኣጽዋራዊ ሓይሊ "ኣይፋል" ምባል ማለት እዩ ። ልቢ ሰብ ድኹምን ታህዋኽ ዝመልኦን እዩ፣ እቲ ዝገደደ ድማ መሳርሒታት ሞት ኣብ ኢድና እንተ ደአ አልዩና ውዒልና ሓዲርና ኽንጥቀመሉ ኢና ። ምህርቲ ኣጽዋርን መሸጣን ከምኡውን ንግዲ ብረታዊ ዕጥቂ እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ከመይ ጌርና ኢና እሞ ብዛዕባ ሰላም ክንዛረብ እንኽእል? ሎሚ እውን ከምቲ ብግዜ ሄሮድስ ዝነበረ፣ እቲ ንብርሃን ኣምላኽ ዝጻረር እከይ ውዲት ብግብዝናን ብሕቡእን እዩ ዜጥፍኦ ዘሎ ። ብዙሓት ሰባት ከይፈለጡ ጸማም ስቕታ ኣብ ዝሰፈኖ እዋን ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዮም ዓመጻን ቅትለትን ዝፍጽሙ ዝለዉ ! እቶም ኣጽዋር ዘይኰነስ እንጌራ ዝደልዩ ዘለዉ፣ ድራር ዕለቶም ንምምእራር ዝቃለሱ ዘለዉን፣ ሰላም ጥራይ ዘድልዮም ዘሎ ሰባት፣ ክንደይ ዝኣክል ህዝባዊ ገንዘብ ኣብ ኣጽዋር የውዕሉ ከም ዘለዉ ኣይፈልጡን ኢዮም። ኰይኑ ግና ነዚ ኺፈልጥዎ ኣለዎም ። ነቲ ንውግእ ዘለዓዕሎ ዘሎ ረብሓታትን መኽሰባትን ንምግላጽ ብዛዕባኡ ኽዛረብን ክጸሓፍን ኣሎና ።
እቲ ኢሳይያስ እተነበየሉ መስፍን ሰላም ነታ "ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሰይፊ ዘየልዕልላ" መዓልቲ ነታ ሰባት “ውግእ ዳግም ዘይለማመዱላ መዓልቲ” ብሃንቀውታ እዩ ዚጽበያ ነይሩ፣ ኣብ ክንዳኡስ "ኣስያፎም ናብ ማሕረሻታት ኲናውቶምውን ንገዘሞታት ዝሰርሑሉ" መዓልቲ እዩ ዚጽበ ነይሩ። (ኢሳ 2፡ 4) ብሓገዝ ኣምላኽ ነታ እትመጽእ መዓልቲ ንምዕያይ ዝከኣለና ዅሉ ንግበር!
እዛ መዓልቲ እዚአ ኣብቶም ብውግእ ንህይወት እዞም ህዝብታት እዚኣቶም ዘዕንዉ ዝለዉ እስራኤልን ፍልስጥኤምን ትምጻእ ። ንዅላቶም ብፍላይ ከኣ ንክርስትያናዊ ማሕበረሰብ ቃዛን ንቤተ-ክርስትያን ቃዛን ከምኡውን ንብምልእታ እታ ቅድስቲ መሬት ሕቑፈይ እልግሰሎም አሎኹ ። ነቶም ኣብ ዝሓለፈ 7 ጥቅምቲ ግዳያት እቲ ዘስካሕክሕ መጥቃዕቲ ዝዀኑ ሰባት ብልበይ ይሓዝንን፣ ነቶም ገና ጅሆ ተታሒዞም ዝለዉ ሰባት ብህጹጽ ሓራ ንኽወጽኡ ዘቕረብክዎ ምሕጽንታ ድማ እደግሞ አሎኹ ። ነቲ ዘስካሕክሕ ህይወት ንጹሃትን ሰላማውያን ሰባት ግዳያት ብምግባር ዝካየድ ዘሎ ወተሃደራዊ ንጥፈታት ከቋርጽ እልምኖም አሎኹ፣ ነቲ ተስፋ ዘቝርጽ ሰብኣዊ ዕንወት ዘኸተለ ኵነታት ፍታሕ ንምርካብ ድማ ናይ ግብረ -ሰናይ ረድኤት ክኽፈት እልምን ኣሎኹ ። ዓመጻን ጽልእን ከም ዘብቅዕ ንግበር ። እቲ ፍልስጥኤም እተቕርቦ ዘላ ሕቶ ኸኣ በቲ ሓያል ፖለቲካዊ ድሌትን ደገፍን ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ኣብ መንጎ እቶም ክልተ ሰልፍታት ብዝግበር ልባውን ቀጻልን ዝርርብ ክትፍታሕ ይከኣል ኢዩ ። ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ ፍልስጥኤምን ኣብ እስራኤልን ሰላም ክሰፍን በጃኹም ንጸሊ ።
ቀጺለ ውን ንሓሳባተይ ናብቶም ህዝቢ እታ ብውግእ ዝዓነወት ሶርያን፣ ናብቶም ዓቃላት ህዝቢ የመን ውን ምልስ ከብሎ እደሊ ። ኩነታት እቶም ፍቑራት ህዝቢ ሊባኖስ እውን የተሓሳስበኒ ኢዩ ፣ ድሕሪ ሓጺር እዋን ኣብ ፖለቲካውን ማሕበራውን ርግኣት ኪብጻሕ ድማ እጽሊ ኣሎኹ ።
ብዛዕባ ህጻን ኢየሱስ እንክሓስብ ኣብ ሃገረ ዩክረይን ውን ሰላም ክሰፍን እጽሊ አሎኹ ። ብሓገዝ ነፍሲ ወከፍና እቲ ጭቡጥ ሓቅነት፡ ፍቕሪ ኣምላኽ ምእንቲ ኽስምዖም መንፈሳውን ሰብኣውን ቅርበትና ንለገሰሎም ።
ኣብ መንጎ ኣርመንያን ኣዘርባጃንን ውን ነባሪ ሰላም ዝሰፍነላ መዓልቲ ትምጻእ ። ሰብኣዊ ናይ ግብረ - ሰናይ ተበግሶታት ንምግባር ስጕምቲ ብምውሳድ፣ ንስደተኛታት ብሕጋውነትን ውሕስነትን ናብ ኣባይቶም ብምምላስ፣ ከምኡውን ንሃይማኖታዊ ልምድታትን ቦታታት ኣምልኾን ብምኽባር ፍትሒ ንኽረኽቡ ንጽዓር ።
ነቲ ኣብ ዞባ ሳሕል ቀርኒ ኣፍሪቃ ሱዳን ከምኡውን ካመሮንን ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ከምኡውን ደቡብ ሱዳን ጸቕቲ ፈጢሩ ዘሎ ወጥርን ግጭታትን ኣይንረስዓዮ ።
ነባሪ ሰላም ንምምጻእ ዘኽእል ናይ ምዝርራብን ምትዕራቕን መስርሕ ብምግባር፣ ኣብ ሓውሲ ደሴት ኮርያ ውን ብናይ ዘተን ዝርርብን መስርሓት ዕርቂ ከም ዝከአልን ነባሪ ሰላምን ርግአትን ከም ዝርከብ ንሕሰብ።
እቲ ትሑት ህጻን ወዲ ኣምላኽ ንፖለቲካውያን ሰበ - ስልጣንን ንዅሎም እቶም ኣብ ኣመሪካ ዝርከቡ ሰብ ሰናይ ፍቓድ ንማሕበራውን ፖለቲካውን ግጭታት ንምፍታሕ፣ ነቲ ንኽብሪ ሰባት ዘዕኑ ድኽነት ንምቅላስ፣ ንዘይማዕርነት ንምንካይን ከምኡውን ነቲ ዘጨንቕ ተርእዮ ምንቅስቓሳት ስደተኛታት ፍታሕ ንምርካብ ግቡእ መገድታት ንኸዳልዉ የለዓዕሎም ።
ህጻን ኢየሱስ ኣብ መብልዕ ማል ኰይኑ ምእንቲ እቶም ድምጺ ዘይብሎም ሰባት ድምጺ ክንከውን ይሓተተና አሎ ። ድምጺ እቶም ብሰንኪ ሕጽረት እንጌራን ማይን ዝሞቱ ንጹሃት ህጻናት ፣ ድምጺ እቶም ስራሕ ኪረኽቡ ዘይከአሉ ወይ ውን ካብ ስራሕ ዝባረሩ ዝለዉ ፣ ድምጺ እቶም ዝሓሸ መጻኢ ንምርካብ ካብ መሬቶም ክስደዱ እተገደዱ ሰባት፣ ድምጺ እቶም ኣብ ዘስካሕክሕ ጕዕዞ ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ኣእትዮም ግዳይ እቶም ጨካናት ነጋዶ ህይወት ወድሰብ ዝኾኑ ሰባት ክንከውን ይጽውዓና አሎ ።
ኣሕዋትናን ኣሓትናን ናብታ ዓመት ኢዮቤል እነኽብረላ፣ ዓመት ጸጋን ተስፋን ገጽና ንቐርብ ኣለና ። ናብዛ ቕድስቲ ዓመት ገጽና ምድላው ኣብ እንገብረሉ እዋን ልቢ ሰባት ንኽቕይር፣ ንውግእ ኣይፋል ንኽብሉ ሰላም ንኽመርጹ ከምኡውን ከምቲ ኣብ ትንቢተ ኢሳይያስ "ንጭቁናት ብስራት ንኸበስር፣ ንስቡራት ልቢ ምዝናን፣ ንእሱራትን ንምሩኻት ሓርነት ንምእዋጅ" ዚብል ጻውዒት ጐይታ ብታሕጓስ ምላሽ እንህበሉ ኣጋጣሚ ይኹነልና፣ “ንእሱራት ከኣ ሓራ ኣውጽእዎም!" (ኢሳ 61፡ 1)።
እዘን ቃላት እዚኣተን ኣብቲ ሎሚ ኣብ ቤት-ልሄም እተወልደ ኢየሱስ (ሉቃ 4፡ 18) እየን ፍጻሜ ዝረኸባ። እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም ንበል! ነቲ መድሓኒ ዝዀነ መስፍን ሰላም ልብና ንኸፍተሉ! ኣሜን።