ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ንመንእሰያት ታይዘ፡ ‘ዝደፈሩ ዝተፈለየት ዓለም ክትሃንጹ’ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ንመንእሰያት ታይዘ፡ ‘ዝደፈሩ ዝተፈለየት ዓለም ክትሃንጹ’ 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ንመንእሰያት ታይዘ፡ ‘ዝደፈሩ ዝተፈለየት ዓለም ክትሃንጹ’

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ንመበል 46 ኤውሮጳዊ ኣኼባ መንሰያት ታይዘ ኣብ ዝመሓላለፍዎ ናይ ሰላምታ መልኽቲ፥ መንእሰያት ምስማዕን ጽን ምብህሃልን ክሓቑፉን ነቶም ኣብ ወሰን ሕብረተሰብ ዘለዉ ብሓጎስ ክቕበሉን የተባብዑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ፍራንቸስኮ ኣብ ስሎቨንያ ከተማ ሉብሊያና “ንሕይወት ናይቲ ከባቢ ህዝብን ማሕበረሰባት ቤተ ክርስቲያንን ክጽልዩን ክካፈሉን” ንዝተኣከቡ መንእሰያት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ሰላምታ ገሊጾም፡ እዚ ካብ ዕለት 28 ታሕሳስ ክሳብ ዕለት 1 ጥሪ ዝካየድ ዘሎ መበል 46 ናይ ማሕበረሰብ ታይዘ ኤውሮጳዊ ኣኼባ፡ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራትን እምነታትን ኣቢያተ ክርስትያንን ዝመጹ መንእሰያት ዝእከብሉ ኮይኑ፡ “ብሓባር ምጉዓዝ” ብዝብል ኣርእስቲ ዝምራሕ ዓውደ ርክብ እውን ምዃኑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

'ብድፍረት ዝተፈለየት ዓለም ክትሃንጽ'

ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፍ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ክታም ኣብ ዝተነብሮ መልእኽቶም፡ ተሳተፍቲ ከም ቤተ ክርስቲያንን ማሕበረሰብን “ምስ እግዚኣብሔርን ምስ ካልኦትን ናይ ምሕዝነት ሰናይ ተመክሮ” ክነብሩ ዝፈጥረሎም ዕድል የጉልሑ።

መንእሰያት ከም "ኣካል ናምቲ ኣብ ዓለም ህልው ኣካል ናይቲ ሞት ስዒሩ ዝተንሰአ" መጠን ነቲ ኣብ ማእከል ትውክልቲ ዝርከብ ናይ ምስማዕ ክእለት እንደገና ክረኽብዎ ዝተዓደሙ ምዃኖም ኣተሓሳሲቦም፡ ኣብዛ ብሰንኪ ዘይምስማዕ ብቐጻሊ ግጭታትን ውግኣትን እተአንግድ ዘላ ዓለም ቅዱስነቶም ንመንእሰያት "ካልእ ናይ ምስማዕ ዘተን ከምኡውን ግልጽነት ዘለዋ ዓለም ንምህናጽ ክደፍሩ" ከም እተማሕጸኑ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ንዓይነታዊ ለውጢ ምስራሕ።

እቲ በዳሂ ዝዀነ ነገር "ነቲ ኣብ ሕብረተሰባት ዘሎ ናብራና ብሚዛናዊ መገዲ ንምቕያር ምጽዓር" ምዃኑ ገሊጾም፡ ብፍላይ ከኣ ካብ እተፈላለየ ዓይነት ሰባት "ምቍጽጻር ምዕጻው ምሕራግ ከምኡውን ምንጻግ" ካብ ዝብል ኩነታት ብምእላይ እዩ፡” በዚ መንገዲ እዚ ድማ መንእሰያት ሃነጽቲ “ባህልታትን ሃይማኖታትን ንርጉእን ክፉትን ዓለም” ክኾኑ ይኽእሉ ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ከም ኢየሱስ ምንባር

እቶም መንሰያት ከምቲ ንማንም ዘግለለ ዘይነበረ ኣብ ክንድኡስ ኣብቶም ኣብ ወሰን ሕብረተሰብ ዝነበሩ ህላወ ኣምላኽ ዘስተውዓለ ኢየሱስ ንኽነብሩ ቃል ክኣትዉ ኣተባቢዖም፡ ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብቲ ብስም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ር.ሊ.ጳ. ኣባኻትኩም ይተኣማመኑን ይኣምኑን ቤተ-ክርስትያን እውን ትኣምነኩም እያ" ቢሎም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ምንሰያት ብቓላቶምን ብተግባራቶምን "ነታ ንመሳኪን እትነጽግ ዓለምና ሓያል መልእኽቲ ኣመሓላልፉ” እንክብሉ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ነቲ ብዛዕባ ፍቕርን ፍትሕን ሰላምን ዘሎኩም ትምኒት ጭቡጥን ጋህድን ግበርዎ . . . ትምኒታትኩም ኺስረቕ ኣይትፍቀዱ 'ሕብረሰብ ንዝብል መጸውዕ ዝበረኸ ሕብረተ - ሰብ ንምህናጽ ዝዓዘዘ ኣበርክቶ ይሃልኹም” እንክብሉ ዘመሓላለፍዎ መልኽቲ ከም ዝዛዘሙ ኣፍሊጡ።

29 December 2023, 16:40