ድለ

2021.07.28 Papa ad Auschwitz 2021.07.28 Papa ad Auschwitz 

ቀቅድሚ እታ ዕለተ ዝኽሪ ጃምላዊ ቕትለት፣ ር. ሊ. ጳ. ውግእ ኬብቅዕ ምሕጽንታ አቕሪቦም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ አብቲ ድሕሪ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ዝለገስዎ ቃል ምሕጽንታ፣ ነቲ ኣብ ኦሽዊትዝ-ቢርኬናው ዝርከብ ዝነበረ ናይ ናዚ መዳጐኒን ናይ ምጽናትን ሰፈር ሓራ ዝወጸሉ ኣህጉራዊ መዓልቲ ዝኽሪ ጃምላዊ ቕትለት ገጽና አብ ንቀራረበሉ ዘሎና ውግእ ከቋርጽ ልመናኦም ብቕራብ፣ ነቲ ኣብ ዩክረይን ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝወረደ መጥቃዕቲ ከምኡውን ነቲ ኣብ ቃዛ ዝቕጽል ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ዘኪሮም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

"ዝመጽእ ዘሎ ቀዳም 27 ጥሪ ኣህጉራዊ መዓልቲ ዝኽሪ ጃምላዊ ቕትለት እያ። እቲ ኣብ መጀመርታ መፋርቕ ናይ ዝሓለፈ ዘመን እተፈጸመ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ኣይሁድንን ሰዓብቲ ካልኦት ሃይማኖታትን ብዜስካሕክሕ መገዲ እተፈጸመ ምጽናት ምዝካሩን ምዅናኑን፣ እቲ ናይ ጽልእን ዓመጻን ኣመክንዮ ምንም ርትዓዊ ኣተሓሳስባ ከም ዘይብሉን ክህደት ሰብኣውነት ምዃኑን ኩሉ ሰብ ንኸይርስዕ ይሕግዞ!" ክብሉ ቅዱስነቶም ኣመልከቱ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ መወዳእታ ናይቲ ሰሙናዊ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ፣ አብቲ አብ ሃገረ ቫቲካን ዝርከብ ጳውሎስ ሻድሻይ እተሰምየ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ዘስምዕዎ ቃል ምሕጽንታ፣ ነታ ኣብ ዓዓመት እትዝከር ዕለተ ሓርነት መዳጎኒ ሰፈር ኦሽዊትዝ-ቢርኬናው ይጽበይዋ ከም ዝለዉ አመልከቱ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ባዘዕባ ዝግበሩ ንጻዕርታት ንሰላም ምሕጽንታ አብ ዘቕረቡሉ "ውግእ ንባዕሉ ክሕደት ሰብኣውነት እዩ! " በሉ ።

ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም  "ሰላም ክንረክብ ግጭታት ኬቋርጽ፣ ኣጽዋር ደው ኬብል ከምኡውን ንዝደኸሙ ህዝቢ ረድኤት ኪወሃብ ኣብ ምጽላይ አይንደክም" ክብሉ ልመናኦም አቕረቡ።

ሰላማውያን ሰባት ብደብዳብ ቦምብታ ስለ ምንዋጾም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ እቲ "ሰላማውያን ሰባት ኣብ ዘዘውትሩሉ ቦታታት ዝወርድ ቦምብታት" ምርኣይ "ዜሰንብድ" ዜና ክዅንን ከሎ፣ ቅዱስነቶም ናብቶም ኣብ ማእከላይ ምብራቕ፣ ፍልስጥኤምን እስራኤልን ከምኡውን ዩክረይን ዝነብሩ ሰባት ከም ዘተሓሳስቦም ገለጹ፣ እዚ ድማ "ሞትን ጥፍኣትን ስቓይን ኢዩ ዝዘርአ" ብምባል ኣትሪሮም ተቓወምዎ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ በዚ ኸምዚ "ዚዕወቱ" ኣፍረይቲ ኣጽዋር ጥራይ ምዃኖም ገለጹ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ከምዚ ብምባል ደምደሙ - "ምእንቲ እቶም ግዳያት ኰነ ምእንቲ ፈተውቶም እጽሊ ኣሎኹ፣ ንዅሎም ሰባት ብፍላይ ከኣ ነቶም ፖለቲካዊ ሓላፍነት ዘለዎም ውግእ ብምቍራጽ ሰብኣዊ ህይወት ክዕቅቡ እልምኖም አሎኹ፣ ድማ በሉ።

“ውግእ ወትሩ ስዕረት ምዃኑ ኣይንረስዕ" እንክብሉ ድማ ምሕጽንታኦም ዛዘሙ።

24 January 2024, 12:02