2024.01.28 Angelus 2024.01.28 Angelus  (Vatican Media)

ር. ሊ. ጳ.፦ 'ውግእ ንሰባት ዘዕኑ ስዕረት ናይ ሰብኣውነት ኢዩ!'

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ትማሊ ሰንበት አብ ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ዝለገስዎ ሰላምታን ቃል ምሕጽንታን፣ ኣብ ሚያንማርን ማእከላይ ምብራቕን ዩክረይንን ከምኡውን ኣብ ሀይቲ ስቓይን መከራን ከም ዘሎ ብምግላጽ ፣ ኩሉ ሰብ ንመንገዲ ሰላምን ዕርቅን ክስዕብ ተማሕጺኖም። ኣብ መወዳእታ ድማ ንዓለምለኻዊ መዓልቲ ለምጺ ክዝክሩ ውን ሓደራ ኢሎም ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸኮ ድሕሪ ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር አብ ዝለገስዎ ቃል ምሕጽንታ ነቲ ኣብ ሚያንማርን ማእከላይ ምብራቕን ዩክረይንን ከምኡውን ኣብ ሀይቲ ዝግበር ዘሎ ዓመጻን ስቓይን ብምጥቃስ ጻውዒት ኣቕሪቦም፣ ነቶም ኣባኡ እተረኽቡ ምእመና ድማ "ውግእ ናይ ደቅሰባት ዕንወትን ናይ ሰብኣውነት ስዕረትን ኢዩ!" በሉ ።

ኣብ ምያንማር ብምትኳር ድማ ናይ ግብረ - ሰናይ ረድኤት ምንቅስቓሳት ንምቅልጣፍን ናብ ዘተ ዘምርሑ መንገድታት ንምብጋስን ጻውዒት ኣቕሪቦም ።

"ሕጂ ዳርዳ ንሰለስተ ዓመት ኮይኑ አሎ ኣብ ክንዲ እቲ ህዝቢ ሚያንማር ዝልለየሉ ፍሽኽታ ኣብቲ ቦታ ስቓይን ጫውጫውን ኣውያት ድምጺ ኣጽዋርን ዀይኑ ይስማዕ አሎ" ድማ በሉ።

ናብ ምያንማር ይግባይ

ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ምስቶም ኣብ ቡርመስ ሓቢሮም ዝጽልዩ ዝለዉ ኣቡናት ኮይኖም ቅዱስነቶም "እቲ ናይ ጥፍኣት ኣጽዋር ኣብ ደቅሰባት ናይ ፍትሕን ምዕብልናን መሳርሒታት ኮይኑ ክቕየር ይኽእል ኢዩ" ክብሉ ጸለዩ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሰላም ጕዕዞ ምዃኑ ብምእማን ንዅሎም እቶም ኣብቲ ጕዳይ እቱዋት ዝዀኑ ጕጅለታት "ምድሪ ምያንማር ኣብ ሕውነታዊ ዕርቂ ምእንቲ ኽትበጽሕ፣ ስጕምቲ ንኽወስዱን ብምስትውዓል ንኽስጉሙን" ጻውዒት ኣቕረቡሎም።

"ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣድላዪነት ንምርግጋጽ ናይ ሰብኣዊ ረድኤት ምንቅስቓሳት ኣፍቅዱሎም " ክብሉ ስምዕታ ኣቕረቡ ።

ኣብ ምያንማር ኣንጻር እቲ ቕድሚ ሰለስተ ዓመት ስልጣን ዝሓዘ ወተሃደራዊ መንግስቲ ዚግበር ቃልሲ እናዓበየ ብምኻዱ  እታ ሃገር ኣብ ውግእ ሓድሕድ ትኣቱ ከም ዘላ ብዙሓት ይዛረቡ አለዉ።

ፍልስጥኤም እስራኤል ዩክረይን

ድሕርዚ ቅዱስ አቦና ኣብ ጋዛ ናይ ሰብኣዊ ቅልውላው ይቕጽል ምህላውን ኣብ ፍልስጥኤምን እስራኤልን ብምትኳር ብዛዕባ እቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ኩነታት ኣመልኪቶም ተዛረቡ ።

ቅዱስነቶም "ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ፍልስጥኤምን እስራኤል ከምኡውን ኣብ ዝዀነ ይኹን ካልእ ቦታታታ ውግእ ኣብዘለዎ በጃኹም ነቲ ህዝቢ ኣኽብሮት ይሃሉኹም " ብምባል ምሕጽንታ ኣቕሪቦም፣ ኣስዕብ ኣቢሎም ድማ "ንዅሎም እቶም ግዳያት ብፍላይ ከኣ ነቶም ብሰንኪ እቲ ኣብ ዩክረይን ዝካየድዘሎ ውግእ፣ ሰላማውያን ሰባት ይጉድኡ ብምህላዎም ብልቢ ከም ዘተሓሳስቦም ገሊጾም።"

"በጃኹም ምእንቲ ሰላም ንዘቕርብዎ ዘለዉ ኣውያቶም ይስማዕ፦ ኣውያት እቶም ብዓመጻ ዝደኸሙን፣ እቲ ዕንወት ወድሰብን ስዕረት ሰብኣውነትን ዝኾነ ውግእ ደው ክብል ዘቐብዎ ዝለዉ ጻውዒት ይሰማዕ!" በሉ።

ኣብ ሀይቲ ሓድሽ ደገፍ የድሊ

ቅዱስነቶም ክርስቲያን ምእመናን ምእንቲ ሀይቲ ኺጽልዩ እውን ኣዘኻኺሮም ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብዚ ሰሙን እዚ እተን ተጨውየን ዝነበራ፣ ኣሓት ደናግልን ገለ ካልኦትን ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኸም እተፈትሑ ብምግላጽ ወሲኾም ድማ "ኵሎም እቶም እተጨውዩ፣ ናጻ ኽወጹን ንዅሉ ዓመጻ መወዳእታ ኽግበሩሉን ጻውዒት አቕርብ ኣለኹ፣ ኵሎም ኣብ ሰላማዊ ዕቤት እታ ሃገር ኣበርክቶ ምእንቲ ኽገብሩ፣ ካብ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ሓድሽ ደገፍ የድልዮም አሎ፣" ክብሉ ቅዱስነቶም ምሕጽንታ ኣቕሪቦም።

ብመሰረት እቶም ናይ ሀይቲ ሊቀ-ጳጳሳት ማክስ ለሮይ መሲዶር ዝሃብዎ መግለጺ፣ ኣብዛ ሰሙን እዚኣ እተን ብ19 ጥሪ ብዕጡቓት ሰብባት እተጨውያ ሽዱሽተ ኣሓት ድንግል ማሕበር ቅድስቲ ሃና እኳ እንተ ተፈትሓ ኣብ ሀይቲ ግን ዓመጽን ውጥረትን ኣስፋሕፊሑ ከም ዘሎ ኣመልኪቶም።

መዓልቲ ለምጺ ዓለም

ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም ነታ ኣብዛ ዓመት እዚኣ ብዕለት 28 ጥሪ ተዘኪሩ ዝወዓለ ወትሩ አብ መወዳእታ ሰንበት ጥሪ ዝኸብር ዓለምለኻዊ መዓልቲ ለምጺ ዘኪሮም።

እዚ ኣህጉራዊት መዓልቲ እዚ ነቶም ነዚ ከቢድ ተመኩሮ ሕማም ለምጺ ዘሕለፉ ሰባት ንምዝካርን፣ ብዛዕባ እዚ ሕማም እዚ ዝያዳ ፍልጠትን ንቅሓትን ከም ዝህሉ ንምግባርን ከምኡውን ነቲ ምስ ለምጺ እተተሓሓዘ ተነጽሎን ኣድልዎን መወዳእታ ንምግባር ዝሕግዘና ኣጋጣሚ እዩ።

"ንዅሎም እቶም በዚ ሕማም እዚ እተጠቕዑ ሰባት ኣብ ምድሓንን ማሕበራዊ ምትሕብባርን ዝካፈሉ ዘለዉ ሰባት አተባብዕዎም፤ እዚ ሕማም እዚ እናነከየ ይኸይድ እኳ እንተሎ፣ ይኹን እምበር ገና ሓደ ኻብቶም ኣዝዮም ዝፈርሁን ነቶም ዝደኸዩን ኣዝዮም እተገለሉን ሰባት ዘጥቅዕን ኢዩ።"

ብተወሳኺውን ነቶም በቲ ኣብ ሮማ ዝርከብ ጕጅለ ካቶሊካዊ ተልእኾ እተወደበ "ቃፍላይ መንእሰያት ንሰላም" ኣብ ዝተሰምየ ምንቅስቓስ እተሳተፉ መንእሰያት ነጋድያን ከምቲ ዓመታዊ ዝገብርዎ ቅዱስነቶም ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጲጥሮስ እተረኽቡ ምእመናን አብ ዘቅረብዎ ኣስተንትትኖ ቃል ምላኽን ቃል ምሕጽንታን ካብቶም መንእሰያት ኣብ ጐድኖም ደው ኢሎም ነብሩ።

29 January 2024, 16:17