ድለ

ር. ሊ. ጳ. ፦ ጥምቀትና ውሉድ ኣምላኽ ገበረና

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ትማሊ ሰንበት እታ ላቲናዊት ሥርዓት እትኽተል ቤተክርስቲያን በዓል ጥምቀት ጐይታና ኣብ እተኽብረሉ ዕለት ኣብ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር አብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ፣ ምእምናን ኩልና ኣብታ እተጠመቕናላ መዓልቲ ንዘለኣለም ውሉድ ኣምላኽ ከም ዝዀንናን፣ እዛ ዓባይ መዓልቲ ጸጋ እዚኣ ኸኣ ክትዝከርን ክትበዓልን ከም ዘለዋ ብተኣማንነት ኣዘኻኸሩ ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ግዜ ጥምቀትና ንዘለኣለም ፍቑራት ውሉድ ኣምላኽ ኴንና ኢና፣ እዚ ኸኣ ክንዝክሮን ከነብዕሎን ዘሎና ኣጋጣሚ ኢዩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ትማሊ ሰንብት አብ ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ አብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ፣ በዓል ጥምቀት ጐይታና ብምንባሩ ዘቕረብዎ ሓያል መዘኻኸሪ ሓሳብ ኢዩ ዝነበረ ።

ቅዱስ አቦና ኣብ አስተምህሮኦም ብዛዕባ እቲ ኢየሱስ ብቕዱስ ዮሓንስ መጥምቕ እተጠምቀሉ ኹነት ዚገልጽ ወንጌል ብምስትንታን ጸጋ ጥምቀትና ንህይወትና ብኸመይ ከም ዚቕይሮን ኣብቲ መወዳእታ ዘይብሉ ሕቝፊ ኣምላኽ፣ ብኸመይ ከም ዘጥሕለናን ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ እተረኽቡ ምእመናን ኣዘኻኸርዎም።

ጥምቀትና

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ቀጺሎም እቲ እተቐበልናዮ ጥምቀት እኳ ደአ "ደቂ ኣምላኽ" ኢዩ ገይሩና። "ከም ናይ ዮሓንስ ምሳልያዊ ተግባር ዘይኮነስ፣ ናይ ብሓቂ  መለኮታዊ ውህበት ኮይኑ አብ ዘለኣለማዊ ህይወት ምስ ኣምላኽ ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስ ናይ ምሕባርን ናይ ምውህሃብን ኣጋጣሚ ኢዩ" ብምባል ገለጹ።

ኣብ ጥምቀትና "ኣምላኽ በቲ መወዳእታ ዘይብሉ ሕቝፉ አቢሉ ነታ ምድሓን ፍቕሩ እትህበና ሓይሊ ኣመሓላለፈልና"።

ሓድሽ ህይወት ከም መጠን ፍቑራት ውሉድ

ጥምቀት ውህበት ሓድሽ ህይወት ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ኢየሱስ ንዘለኣለም ፍቑራት ደቂ ኣምላኽ ናይ ምዃን ውህበት ከም ምዃኑ ውን ኣስተምሃሩ።

"ዕለት ጥምቀትና ንምድላይን ንምዝካርን ቈራጽነት ንግበር፣ ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ ምሳና ጥራይ ዘይኰነስ ኣባና ስለ ዘሎ ኸኣ ሎሚ ውን ንጐይታ ነመስግኖ።"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዕብ ኣቢሎም "ስለ እቶም ዘምሃሩና ወለዲ፣ ስለቶም ምስጢራት ዝዓደሉና ጓሶትና፣ ስለቶም ኣቦን ኣደን ጥምቀት ዝኾኑናን፣ ስለእታ እተቐበለትና ማሕበርን ንኣምላክ ነመስግኖ!" ድማ በሉ ።

ከተስተንትነሉ ዘሎና ሕቶታት

ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ኣስተምህሮም ንምእምነናን ገለ ሕቶታት ንርእሶም ክሓቱን ከስተንትኑን ተማሕጸንዎም ።

"ነቲ ብምኽንያት ጥምቀት እተቐበልክዎ ዓብዪ ውህበት እፈልጦ ድየ? ነቲ ኸም ፍቑር ወሉዱ ገይሩ ዚርእየኒ ብርሃን ህላወ ኣምላኽ ኣብ ህይወተይ አለልዮ ድየ?"

ኣብ ዝኽሪ ጥምቀትና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንምእመናን ኣብቲ ኣምላኽ ኣብ ልዕሌና ዘለዎ ህላወ ንኽሓብሩ ጻውዒት ኣቕረበሎም፣ ነዚ ድማ ብምልክት መስቀል ገይሮም ክገብርዎ ዓደምዎም ። "ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን ሓቢርና ንግበር።" ድማ በልዎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መደምደምታ "ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣዴና እታ ቤተ መቕደስ መንፈስ ቅዱስ ዝኾነት፣ ነቲ ጐይታ ኣባና ዚፍጽሞ ዜደንቕ ነገራት ከነብዕሎን ክንቅበሎን ትሓግዘና" ኢሎም ድማ ጸለዩ።

ቅዱስነቶም ነቶም ኣብቲ ቅርዓት ቅዱስ ጲጥሮስ ተኣኪቦም ዝነበሩ ሰባት ቡራኬ ቅድሚ ምሃቦም ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኽትመርሓና ክንጽሊ ብምምሕጻን ኣስተንኖኦም ዛዘሙ ።

ብዘይካዚ ኵሉ ሰብ ዕለት ጥምቀቱ ኺዝክር መዓስ ከም እተጠምቀ ዘይፈልጥ እንተኾይኑ ከአ ከምቲ ዕለተ ልደቱ ጌሩ ክፈልጦን ክዝክሮን ከም ዝለዎ ኣተባብዕዎም ።

08 January 2024, 15:23