ድለ

ር. ሊ. ጳ. ፦ ንጐይታ ምፍቃር ክሳዕ ክንደይ ባህ ዜብል ምዃኑ ንመስክር

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዝሓለፈ ሰንበት አብ እተገብረ ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር፣ ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ቃል አምላኽ፣ ዓቕምና ድሩት እኳ እንተ ዀነ ንኢየሱስ ብህይወትናን ብሓጐስናን ክንምስክር፣ ንኢየሱስ ምፍቃር ክሳዕ ክንደይ ባህ ዜብል ምዃኑን ከምኡውን ወንጌል ንምስባኽ ዘሕለፍናዮ ግዜ 'ዝጠፍአ' ግዜ ኸም ዘይኰነ ገለጹ።

ኣብ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ዝሓለፈ ሰንበት ልክዕ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር፣ ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጲጥሮስ ዝተረኽቡ ንጋድያንን በጻሕትን ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ፣ “ልክዕ ከምቲ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ ብዙሕ ትዕግስቲ ዝነበሮ፣ ምሳና እውን ዕጉስ ኢዩ ። ይኹን እምበር ንኢየሱስ ምፍቃር ክሳዕ ክንደይ ባህ ዜብል ምዃኑ ብሓጐስናን ብህይወትናን ክንምስክር ጻውዒት የቕርበልና እዩ፣” በሉ ።

ብመሰረት እቲ ቅዱስ አቦና ካብ ናይ ዕለቱ ንባብ ወንጌል ተመርኲሶም ዝገበርዎ ኣስተንትኖ ፣  እቶም ቀዳሞት ደቀ መዛሙርቲ ብጐይታ እተጸውዕሉ ሞያ "ገፈፍቲ ሰብ" ኪዀኑ ከም ዝኾነ ኣስተምሃሩ።

ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ዘርኣዮም ትዕግስቲ

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ስብከቶም ከም ዝገለጽዎ፣ ኢየሱስ ንኻልኦት ሰባት ኣብ ተልእኾኡ ንኽሓብሩ ምጽውዑ እቲ ሓደ ኻብቲ ኢየሱስ ኣብ ጅማሬ ወንጌላዊ ተልእኾኡ ዝገበሮ ከም ምዃኑ ብምዝካር፣ እዚ ከአ ሓደ ኣገዳሲ ነገር ክርድኡ ከም ዝገበሮም ገለጹ ፣ ማለት "ጐይታ ኣብ ዕዮ ድሕነት ምሳኡ ኽንሳተፍ ይደሊ፣ ምስኡ ውን ንጡፋት ክንከውን ይደልየና ኢዩ፣ " ከምኡውን "ሓላፍነት ዝስምዓናን ቀንዲ ተዋሳእቲ" ክንከውን ኢዩ ዝደልየና ክብሉ ኣስተምሃሩ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዓቕምና ድሩት እኳ እንተ ዀነ ንዓና እውን ከም ዘሳትፈናን ንደቀ መዛሙርቱ እውን ከም ዘሳተፎም ኣስተንተኑ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣስዒቦም፣ "ንኣብነት ንደቀ መዛሙርቱ ኽሳዕ ክንደይ ትዕግስቲ ኸም ዘርኣዮም እስከ ንርአ ፣ መብዛሕትኡ ግዜ ንቓላቱ ኣይርድእዎን እዮም ነይሮም ፣ ሓድሓደ እዋን ንሓድሕዶም ብምስምማዕ ይጕዓዙ ኣይነበሩን ፣ ንነዊሕ እዋን ድማ ነቲ ከም ኣገልግሎት ኣሕዋት ዝኣመሰለ ኣገዳሲ ክፍሊ ስብከቱ ኪቕበልዎ ኣይከአሉን ።" ይኹን እምበር ኢየሱስ ግና ከም ዝመረጾምን ኣብ ልዕሊኦም ዝነበሮ እምንቶን ከም ዘየጉደለን ገለጹ ።

ናይ ኢየሱስ ካብ ኵሉ ዝዓበየ ሓጐስ

ቅዱስነቶም ኣብ ኣስተንትኖም "ከም ሓቂ እኳ ደኣስ ድሕነት ኣምላኽ ናብ ኵሉ ምብጽሕ እቲ ዝዓበየ ናይ ኢየሱስ ሓጐስ ተልእኾኡ እዩ ነይሩ" በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቀጺሎም "ኣብ ኵሉ በቲ ምስኡ ሓድነት ዝህበና ቓላትን ተግባራትን፣ ማለት ኣብቲ ፍቕሪ ንምልጋስ እንገብሮ ባህ ዜብል ዕዮ ብርሃንን ሓጐስን ይንጸባረቕ እዩ ፣ ኣብ ከባቢና ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ውሽጥና እውን ይበዝሓልና እዩ " በሉ ።

ቅዱስ አቦና ከም ዘስተምሃርዎ ወንጌል ንምስባኽ እነሕልፎ ግዜ "ዜባኽነ ግዜ ኣይኰነን" ኢሎም ኣትሪሮም ኣመልከቱ ። ኣብ ክንድኡስ "ካልኦት ሕጉሳት ንክዀኑ ብምሕጋዝ ዝያዳ ሓጐስ ምርካብ፣ ንኻልኦት ሓራ ንኪዀኑ ብምሕጋዝ ርእስኻ ሓራ ምውጻእ፣ ንኻልኦት ዝሓሹ ንኪዀኑ ብምሕጋዝ ዝሓሸ ንስኻ ምዃን ከም ምዅኑ፣" ኣስፊሖም ኣስተንተኑ።

ምፍቃር ክሳብ ክንደይ ሠናይ ኢዩ፣ ንክርስቶስ ምምስካር

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም ኣብ ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር እተረኽቡ ምእመናን፣ ነፍሲ ወከፍና ኣብቲ እንነብረሉ ዘለና ዅነት ህይወትና ጸዋዕታ ወንጌላውነት ከም እተቐበልና ኣጕልሑ ።

"እምበኣር ንርእስና ኸምዚ ኢልና ንሕተት፦ ንኢየሱስ ክፈልጦን ክምስክሮን ጻውዒት ምስ ተቐበልኩን፣ ኣብ ውሽጠይን ኣብ ከባቢይን ንዝረከብክዎ ዝዓበየ ሓጐስ ንምዝካርን ሓሓሊፈ ሓንሳእ ደው እብል ድየ? ክጽሊ ኸለኹኸ ንኻልኦት ምኽንያት ሓጐስ ክኸውን ስለ ዝጸውዓኒ ንጐይታ አመስግኖ ድየ ? ኣብ መወዳእታ - ንኢየሱስ ምፍቃርሲ ኽሳዕ ክንደይ ባህ ዜብል ምዃኑ ብምስክርነተይን ብሓጐሰይን ንሓደ ሰብ ከርእዮ እደሊ ድየ?"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ "ድንግል ማርያም ሓጐስ ወንጌል ንኽንጥዕም ትሓግዘና " ክብሉ ብምጽላይ ስብከቶም ዛዘሙ ።

22 January 2024, 15:45