ድለ

ር. ሊ. ጳ. ፦ ኣብ ግዜ ፈተናን ወይ ኣብ ጌጋ ክትወድቕ ከሎኻን ንኢየሱስ ጸውዕ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ናይ ሰንበት ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ነቶም አብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ እተረኽቡ ምእመና፣ ኣብ ግዜ ፈተና ወይ ኣብ ጌጋ ኣብ እትወድቁሉ እዋን ኩሉ ንኢየሱስ ብምጽዋዕ ነቲ ባሮት ኪገብሮም ዝደሊ ሓይሊ ኺቃወምዎ ተማሕጸኖም፣ ከምኡ ውን ምስ ድያብሎስ ዝኾነ ዝርርብ ከይገብሩ ኣጠንቀቑ ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ናይ ዕለተ ሰንበት ጸሎት መልኣለ እግዚአብሔር አብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ፣ ኣብ ግዜ ፈተና ይኹን ወይ ውን ድያብሎስ ናብ ግጉይ ኣንፈት ይመርሓካ ኸም ዘሎ እንተ ተሰምዓካ ንኢየሱስ ጸውዕ በሉ።

ቅዱስነቶም ኣብ ናይ ዕለቱ ንባብ ወንጌል መሰረት ብምግባር አብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ፣ ነቲ ማርቆስ ወንጌላዊ ዘዘንዎ፣ ኢየሱስ ንሓደ እኩይ መንፈስ ዝነበሮ ሰብ ሓራ ኸም ዘውጽኦ ዝነግር ክፍሊ ወንጌል ብምጥቃስ፣ ድያብሎስ ክገዝኣናን ክውንነናን ከም ዝደሊ እንተዀነ ግን ናብ ጐይታ ብምቕራብ ክንቃወሞ ከም እንኽእል ኣዘኻኺሮም ።

ድያብሎስ ክቆጻጸረና ስለዝደሊ 'ንነፍስና አብ ማእሰርቲ ከእትዋ' ኢዩ ዚደሊ፣ በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ "ካብቲ ንሓርነትና ዝምንጥል ሰንሰለት" ከምኡውን "ንልብና ከይኣስሮ" ገዛዕ ርእስና ክንሕሉ ኸም ዘሎና ገሊጾም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንዅላትና "ባሮት፣ ወትሩ ዕጋበት ዘይብልና፣ ጕልበትን ሕያውነትን ፍቕርን ከኣ ከም ዝጐደሎም ሰባት" ዝገብረና እተፈላለየ ዓይነት "ሰንሰለት" ከም ዘጋጥመና ኣስተንተኑ።

ኢየሱስ ሓራ የውጽእና

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣስዒቦም ኢየሱስ ካብ ኵሉ እዚ ሰንሰለት እዚ ሓራ ኼውጽኣና ኸም ዝመጸ ድያብሎስ ድማ ዘየቋርጽ መጥቃዕቲ ኸም ዜውርደልና ኣጠንቀቑ።

"ኢየሱስ ካብ መግዛእቲ ናይቲ ክፉእ ሓራ የውጽኣና ኢዩ፣ እንተኾነ ግን ነቲ ምስ ድያብሎስ ዝግበር ዝርርባት ነስተብህለሉ! በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን ከምዚ ብምባል ጓሂኦም ገለጹ - "መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ሰንሰለት ብዙሕ ጕድኣት ክሳዕ ዘውርደልናና ዝቆጻጸረናን ኣይነስተብህለኡን ኢና፣ ዝገደደ ድማ ካብኡ ሓራ ምውጻእ ይኸብደና ኢዩ ።

ስለዚ እምበር "ክርስቶስ ምስ ድያብሎስ ከቶ ኸይንወዓዓል እዩ ዜዘኻኽረና" ድማ በሉ።

ቀጺሎም ቅዱስ አቦና "ንፈተን ከም ዝሎናን፣ እተጨቈንናን ኰይኑ ኺስምዓና ኸሎ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና?" ክብሉ ይሓቱ።

ምስ ድያብሎስ ኣይትዘራረብ

ቅዱስነት ኣብ ኣስተምህሮኦም ክርስቲያን ምስ ድያብሎስ ከይዘናግዑ ኣጠንቀቑ ።

"ምስኡ ክትዘራረቡ እንተ ጀመርኩም ኵሉ ሳዕ ዝዕወት ንሱ ኢዩ እሞ ምስ ድያብሎስ ዘዘራርብ ጉዳይ የብልኩምን ። ተጠንቀቑ" ድማ በሉ።

"ጐይታ ብሓይሊ መንፈሱ ሎሚ እውን እንተ ዀነ ነቲ እኩይ ዳግም ከምዚ ክብሉ ይደሊ ኢዪ፦ 'ኪድ ካብ ልቢ ደቅሰባት ውጻእ፣ ንዓለምን ንስድራቤታትናን ንማሕበረሰብናን ኣይትከፋፍሎ፣ ናይት ፍረ ዘይኮንስ ፍረ መንፈስ ኣብኣቶም መታን ክስስን፣ ብሰላም ክነብሩ ግደፎም" ድማ በሉ።

ቅዱስነቶም አብ ስብከቶም፣ ይኹን እምበር ኢየሱስ ኣብ ክንዳኡስ "ፍቕሪ ሓጐስ ትሕትና ኣባና መታን ክስልጥን " ኣብ ክንዲ ዓመጽን ብኽያትን ከኣ "ሓርነትን ሰላምን ሓልዮትን" ኪህሉ ኸም ዚደሊ ኣጕልሑ።

ፍቕርን ሓጐስን ዝመልኦ ንቑሕ ምዃን

ጐይታ ህይወትና ብፍቕርን ሓጐስን ዝመልአት ክትከውን ከም ዝደሊ ነጊሩና ኢዩ፣ እንተዀነ ግን እዚ ብቐጻሊ ጥንቃቐ ዝሓትት ኩነት ኢዩ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ስብከቶም ከም ዘመልከትዎ ኢየሱስ ምስ ድያብሎስ ካብ ምዝርራብ ክንጥንቀቕ ከም ዘሎና መልኪቱልና አሎ፣ ከምኡ ውን ክሕልወና ከጽንዓናን ኣብ መንፈስ ጸሎት ክንርከብ ኣገዳሲ ምኹኑ ነጊሩና አሎ ድማ በሊ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ መደምደምታ ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጲጥሮስ እተረኽቡ ነጋድያንን በጻሕትን ብሰላምታ ቅድሚ ምፍናዎም ናብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣደና ካብቲ እከይ ከተዕቍበና ብምጽላይ ስብከቶም ዛዘሙ ።

29 January 2024, 16:13