ር. ሊ. ጳ.፦ ካብ ኣመልዊ ህርፋን ተጠንቀቑ፣ ነታ ንጽህቲ ፍቕሪ ዓቅብዋ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ንዝተረኽቡ ነጋድያንን በጻሕትን፣ ነቲ ብተኸታታሊ ዝገብርዎ ዘለዉ ትምህርቲ ብዛዕባ ኣመላውያን ሓጢአትን መንፈሳውያን ሓይላትን ብምቕጻል፣ ነዛ ሰሙን እዚኣ ብዛዕባ ህርፋን ፍትወተ ሥጋ ብምትኳር ኣስተምሂሮም። ኣብ አስተምህሮዖም ነታ ንጽህቲ ፍቕሪ ዓቅብዋ ነቲ ናብ ባዶነትን ባርነትን ዝመርሕ ህርፋን ድማ ተቓወምዎ ክብሉ ኣጠንቐቑ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ሎሚ ረቡዕ ኣብቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝርከብ ጳውሎስ ሻድሻይ እተሰምየ ናይ ጉባኤ ኣደራሽ እተገብረ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ “ኣብ ክንዲቲ ኣብ ባርነት ዘእቱ ፍትወት ስጋ እኳ ደአ ነታ ንጽህቲ ፍቕሪ ዓቅብዋን ንበርዋን፣” ክብሉ ኣስተምሃሩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ብዛዕባ መንፈሳውያን ሓይላትን ኣማላውያን ሓጢኣትን ኣመልኪቶም ብተኸታታሊ ዘቕርብዎ ዘለዉ ኣስተምህሮ ብምቕጻል፣ ኣብዛ ሰሙን እዚኣ  ብዛዕባ ሓጢኣት ህርፋን ፍትወተ ሥጋ አስተምሂሮም።

ብእከይ ዘይኰነስ ብንጹህ ፍቕሪ

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ኣስተምህሮኦም ከም ዝገለጽዎ ኣብ ክርስትና ንጾታዊ ባህሪ ዝዅንን ኣስትምህቶት ከም ዘየልቦን፣ ብርግጽ ከኣ ኣብ ፍቕሪ ምውዳቕ ሓደ ኻብቲ ሠናይ ዝኾነን ለውሃት ዝመልኦን ተመክሮታት ምዃኑ ኣዘኻኸሩ ።

ብኣመላዊ ፍትወት እንተ ደአ ዘይተበኪሉ፣ ኣብ ፍቕሪ ምውዳቕ ሓደ ኻብቲ ንጹህ ስምዒታት እዩ" በሉ።

ቅዱስ አቦና ኣስዒቦም "ንሓደ ዘፍቀረ ሰብ ስለምንታይ ከም ዘፍቅር እንተ ሓቲትካዮ መልሲ የብሉን - ብብዙሕ መገድታት ብዘይ ምኽንያት ብዘይ ቅድመ ዅነት ዘፍቀሮ ፍቕሪ ኢዩ፣" ድማ በሉ ።  እታ ኣዝያ ሓያል ዝዀነት ፍቕሪ ቁሩብ ዕሽውና ክንዲ ዝኾነት፣ ትዕግስቲ ክህልወካ ይግባእ ክብሉ ኣጠንቐቁ ። "ኣፍቀርቲ ገጽ ናይቲ ካልኣዮም ኣይፈልጡን ኢዮም፣ ባዕሎም ኣብ ኣእምሮኦም ብዝሓስብዎ ሓሳብት ኢዮም ዝምርሑ፣ በዚ ኸምዚ ድማ ክበዱ ኣብ ዘይግምትዎ መብጽዓታት ንምእታው ድማ ድሉዋት ኮይኖም ኢዮም ዝርከቡ።"

ይኹን እምበር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ "እዚ ዘደንቕ 'ገነት' እዚ ግን ካብቲ ክፉእ ዲያቢሎስ ነጻ ክኸውን ይክእልን እዩ" ክብሉ ኣጠንቀቑ። በቶም መናፍስቲ ህርፋን ፍትወተ ሥጋ እዩ ዝረክስ፣ እዚ ኽፍኣት እዚ ኸኣ እንተ ወሓደ ብኽልተ ምኽንያታት ኣዝዩ ዜሰሓሕት ይኸውን።" ብምባል ኣስፊሖም ገለጹ።

ህርፋን ፍትወተ ሥጋ ሓደገኛ ዝዀነሉ ኽልተ ምኽንያታት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ እዚ ኽልተ ምኽንያታት፣ እቲ ቀዳማይ ነቲ ኣብ መንጎ ሰባት ዘሎ ርክብ ስለ ዜበላሽዎ፣ እቲ ካልኣይ ከኣ ንውልቀ ሰባት ናጽነቶም ከሕድጎም ስለ ዝኽእልን እዩ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቀጺሎም ህርፋን ፍትወት ሥጋ ንዅሉ ጽባቐ ንጹህን ገርሀይናን ፍቕሪ ስለዘበላሹን ዘዕኑን ድማ ኢዩ ክብሉ ገለጹ።

"ንዅሉ ህዋሳት ዚትንክፍ እዩ፣ ኣብ ሰብነትን ኣብ ኣእምሮን ድማ ኢዩ ዝቕመጥ፣ ብትዕግስቲ እንተ ዘይተኣረመ፣ ኣብ ርክባቶም እንተ ደአ ብሥርዓት ዘይተታሕዘን ከምኡውን አብ ታሪኽ ክልተ ውልቀ-ሰባት ናብ ፍቕራዊ ምውስዋሳት እንተ ዘይቀየረ፣ ናብ ሰንሰለት ተቐይሩ ንደቂ ሰብ ናጽነቶም ከም ዘይረኽብዎ ዝገብር ኢዩ።"

ህርፋን ፍትወተ ሥጋ ምስቲ ፈጣሪ ኣብ ልብና ዘስረጾን ምስ ካልኦት ኣብ ዘሎና ርክብን ብፍላይ ከኣ ንጾታውነትና ብሓላፍነት ክንጥቀመሉ ንዝተጸዋዕናሉ ጽባቐ ፍቕሪ ኸም ዝጻረር ገለጹ።

ቅዱስ ኣቦና ኸም ዘጠንቀቕዎ እዚ ሓያል ኣመላዊ ሓጢኣት እዚ፣ ነታ ንጽህቲ ፍቕሪ ካብቲ ንጹህን ዕጉስን ልግሲ ዝመልኦ ተቐባልነን ቀይሩ ናብ ናይ ምውናን ውልቃዊ ባህርያትን፣ ናብ ግዚያዊ ዕጋበት ናይ ምርካብ ባህግን ብምልዋጥ ኢዩ ዝምርዞ ።

ይኹን እምበር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ኣስተምህሮኦም፣ እቲ ኣምላኽ ዝሃበና ውህበት ጾታዊ መንነትና ኣብቲ መሰረታዊ ዝኾነ ኪዳናዊ ህይወት ብፍቕሪ ምስ ዝግለጽ፣ ናብ ሰብኣዊ ብስለትን ሓቀይና ነጻነትን ዘብጽሕ ኢዩ።

ታሪኽ ፍቕሪ ኣምላኽ ንህዝቡ

ቅዱስነቶም ኣብ ኣስተንትኖኦም ኣብቲ ምስ ህርፋን ፍትወተ ሥጋ ዝግበር ቃልሲ ንምዕዋት ኣብ ምሉእ ህይወትና እንገብሮ ሓያል ቃልሲ ክኸውን ከም ዝኽእል ኣመልከቱ ።

"ግናኸ ነቲ ኣምላኽ ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ዘሎ ፍቕሪ እንኺሓስብ ኣብ ፍጥረቱ ንዝሓተሞ ጽባቐ ስለ ዚዕቅቦ፣ ሽልማት ናይዚ ቃልሲ እዚ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ እዩ ። እዚ ጽባቐ እዚ ኣብ መዘናግዒታት ኻብ ምኹብላል ንላዕሊ ሓቢርካ ታሪኽ ምህናጽ ከም ዚሓይሽ ክንኣምን ዚገብረና፣ እዚ ጽባቐ እዚ  ንጋኔን ናይ ባርነት ካብ ምስጋድ ንለውሃት ምዅስኳስ ከም ይሓይሽ ዘረድአናን፣ እዚ ጽባቐ እዚ ካብ ምስዓር ድማ ኣገልግሎት ከም ዝሓይሽ ዘርእየና ኢዩ ።

አብ መደምደምታ ቅዱስነቶም "ፍቕሪ እንተ ዘይሃልዩ ህይወት ጽምዋ እዩ ዚሓድራ!" በሉ።

ኣብ መወዳእታ ቅዱስ ኣቦና "ነቲ ኣምላኽ ብዘይ ቅድመ ዅነት አብ ዘፍቅረና ፍቕሪ ዘሳትፈና ክንዲ ዝዀነ ጽባቐ ፍቕሪ ወትሩ ኣብ ልብና ኣኽቢርና እንዕቅቦ ይግበረና" ክብሉ ብጸሎት ዛዚሞም።

17 January 2024, 16:31