ድለ

ር. ሊ. ጳ. ፦ ተዓረቕ፣ ምስ ቍጥዓኻ ጸሓይ ኣይትዕረብካ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ብዛዕባ ኣመላዊ ሓጢኣት ቍጥዓ ኣስተንትኖ አቕረቡ፣ ቍጥዓ ሓድሓደ ግዜ ምኽኑይ ክኸውን ዝኽእል እኳ እንተዀነ፣ ብዘይፍትሓዊ መገዲ ንኸይግለጽ ክንጥንቀቑ፣ ነፍስወከፍ መዓልቲ ቕድሚ ምዝዛማ ብንጥፈት ምትዕራቕ ሓዊስካ ኣብነት ይቕረታ ጐይታና ኽንስዕብ ከም ዘሎና ኣስተምሃሩ ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፣  ኣብቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን አብ ዝርከብ ጳውሎስ ሻድሻይ እተሰምየ ናይ ጉባኤ ኣደራሽ እተገብረ፣ ቍጥዓን ሕርቃንን ገዛእ ርእስካ ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ናይ ምግባር ዝንባለ ኣለዎ፣ ስለዚ ሰላምን ዕርቅን ንምድላይ ተጸዊዕና ኣሎና ክብሉ ኣስተምሃሩ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ብዛዕባ መንፈሳውያን ሓይላትን ኣመላውያን ሓጢኣትን ዝገልጽ ተኸታታሊ ትምህርትታት ብምቕጻል፣ ኣብዛ ሰሙን እዚኣ ድማ ብፍላይ "ጸልማት ኣመል" ኢሎም ብምጽዋዕ፣ ብዛዕባ ኣመላዊ ሓጢኣት - ቍጥዓ ኣተኲሮም ኣስተምሃሩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ኣስተምህሮኦም “ቍጥዓ” ብኣካላዊ ኣረኣእያ ብቐሊሉ ክልለ ኸም ዝከኣል ገለጹ። "ሓደ ብቝጥዓ እተዓብለለ ሰብ፣ ነዚ ድፍኢት እዚ ኺሓብኦ ኣይክእልን እዩ፣ ከመይሲ ብምንቅስቓስ ኣካላቱ ብነድሩ ብሓይሊ እስትንፋሱ ብጸዋግ ኣጠማምታኡን ከተለልዮ ዝከአል ኢዪ።"

መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ ገበነኛ ዘይኰነስ ነቲ ቐዳማይ በዳሊ እዩ ዜጥቅዖ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እቲ ኣዝዩ ኸቢድ ዝኾነ መግለጺ ቍጥዓ "ውሳጣዊ ዕረፍትኻ ዝገፍፍ" ምዃኑ ገለጹ።

ቅዱስነቶም ኣስዒቦም "ብሰንኪ ፍትሒ ምስኣን ዝሳቐን ወይ ከአ ብዘይፍትሓዊ ተግባር እንተ ደአ ተለዓዒሉ ቍጥዓ፣ መብዛሕትኡ ግዜ ኣንጻር እቲ ገበነኛ ዘይኰነስ ኣንጻር እቲ ቐዳማይ በዳሊ ዝኣንፈተ እዩ ዝኸን፣" በሉ ።

"ኣብ ስራሕ ቍጥዓኦም ዚዓግቱን ህዱኣትን ርሕሩሓትን ዝዀኑ ናብ ገዛ ምስ ተመልሱ ግና ንበዓልቲ ቤቶምን ደቆምን ግን ንሓንሳእኳ ዘይጻወርዎም ሰብኡት ኣለዉ" ብምባል አመልከቱ ።

ቍጥዓ ኩለንትናና ከም ዝወረናን፣ ንድቃስና ኸም ዚሰርቀናን ከምኡውን ከም ብሓድሽ ተመላሊሱ ኣብ ኣእምሮና ኸም ዘናውጸናን ገለጹ ። ኣብ ርእሲ እዚ ውን ንርክባትና ከም ዘበላሽዎ ኣጠንቀቑ ። ቂም ምሓዝን ጽልእን ቀስ ብቐስ ብርግጽ ንርክባትና ከም ዘበላሹ ክንግንዘቦ ኣሎና ድማ በሉ ።

ጸሓይ ቅድሚ ምዕራባ ተዓረቕ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ ቅዱስ ሓዋርያ ጳውሎስ ቍጥዓ ብኸመይ ከም ዝጕሃሃር ስለ እተገንዘበ ንክርስትያን ምእመናን "ነቲ ጸገም ብኡንብኡ ኺፈትሕዎን ኪዕረቑን" ተማሕጸኖም።

ስለዚ ይብሉ ቅዱስ ኣቦ "ጸሓይ ቅድሚ ምዕራባ ዅሉ ነገር ብቕልጡፍ ክሓልፍ ኣድላዪ ኢዩ" ብምባል ኣትሪሮም ተዛረቡ።

ቅዱስነቶም ኣስዒቦም "ቀትሪ ገለ ግጉይ ምርዳእ እንተ ተረኺቡ እሞ ክልተ ሰባት ንሓድሕዶም እንተ ዘይተረዲኦምን ብሃንደበት ከም እተረሓሓቑ እንተ ኣስተውዒሎምን፣” ተዛራረቡሉን ተዓረቑን፣ “ምኽንያቱ ነታ እትስዕብ ለይቲ ውን ንድያብሎስ ከይትህብዋ መታን" በሉ።

እንተ ዘይኰይኑ ግን ቍጥዓ "ኣብ ጸልማት ድቃስ ስኢና ብዛዕባ ናትናን ዘይናትና ዝኾነ በደላት እናሓሰብና ዕረፍቲ ስኢና ከም እንሓድር ኢዩ ዝገብረና፣" በሉ።

በደልና ይቕረ በለልና

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቀጺሎም ነቲ አብ ጸሎት 'ኣቦና ኣብ ሰማይ ትነብር' ኢልና እንጽልዮ ይቕረታ ዘኪሮም።

ሰባት ይቕረ ምባል እንተ ዘይተለማሚዶም ንሓድሕዶም ይፈላለዩን ይከፋፈሉን እዮም።

ስለዚ ይብሉ ቅዱስነቶም ቍጥዓ ሕማቕ ኣመል እኳ እንተ ዀነ፣ መብዛሕትኡ ግዜ ኸኣ ምንጪ ውግእን ዓመጻን ውን እንተ ዀነ፣ "ኵሉ እቲ ኻብ ቍጥዓ ዝመጽእ ጌጋ ኢዩ ማለት ግን ኣይኰነን " በሉ ። ጥንታውያን ሰባት ክንክሕዶ ዘይክእልን ክንክሕዶ ዘይግባእን ክፍሊ ከም ዘሎ ኣጸቢቖም ይፈልጡ ነይሮም እዮም ።

ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም "ወትሩ ቝጥዓ ብምንታይ ከም ዝተንስአ ዘይኮንስ ብምዕባሌኡ ኢና ተሓተቲ ንኸውን" ክብሉ አስተምሃሩ።

ቍጥዓ ብግቡእ ምግላጽ

ሓድሓደ ግዜ ይብሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ፣ ንቍጥዓና ብቕኑዕ መገዲ ምግላጹ ጽቡቕ ምዃኑ ሓሳብ ኣቕረቡ ።

ንኣብነት ይብሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ሓደ ሰብ እንተ ዘይተቘጢዑ፣ ብሓደ ዘይፍትሓዊ ዝኾነ ተግባር እንተ ዘይሓሪቑ፣ ወይ ውን ብጭቈና ሓደ ድኹም ሰብ ዜንቀሳቕስ ነገር ኣብ ውሽጡ እንተ ዘይስምዖ ሰብ ኣይኰነን ክርስትያን እውን ኣይኰነን ማለት እዩ" በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ቀጺሎም እዚ ከምዚ ዝበለ ቍጥዓ "ቅዱስ ቍጥዓ" ምዃኑ ኣፍልጦ ሂበሉ።

"ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ህይወቱ ብዙሕ ሳዕ ነዚ ተመኲርዎ እዩ" ብምባል ካብ ወንጌላዊ ትምህርታት ይጠቕሱ፣ "ጐይታ ንእከይ ከቶ ብእከይ ከም ዘይመለሰሉ" ብምግንዛብ ድማ "እዚ ስምዒት እዚ ብገዛእ ርእሱ ተሰሚዕዎ ኢዩ፣ ነቶም ኣብ ቤተ መቕደስ ዝነበሩ ነጋዶ ኸኣ ብሕማቕ ቝጥዓ ዘይኰነስ ብሓያል ቅንኣት ቤት ኣምላኽ ትንቢታዊ ተግባር ገበረ" ድማ በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ መደምደምታ፣ ምእመናን ንስምዒታቶም ብግቡእ ንምቍጽጻር ካብ መንፈስ ቅዱስ ሓገዝ ክደልዩ ተማሕጺኖም ኣስተምህሮኦም ዛዘሙ።

31 January 2024, 15:54