ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ሓድሽ ዓመት ንእመ ኣምላክ ሕድሪ ንብል

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ዕለት ሓደ ጥሪ ሓድሽ ዓመት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅድስተ ማርያም እመ ኣምላክ ኣብ እተብዕለሉ ዕለት ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፥ "ሓድሽ ዓመት 2024 ዓ.ም. ብሕድሪ ንወላዲተ ኣምላክ ኣሕሊፍና ክንህብ" ሕይወትና ድማ ንዓኣ ከነወፍይ፥ ዓዲሞም “በቲ ኣላዪ ፍቕራ...ናብ የሱስ ክትመርሓና እያ" ቢሎም ዕለት ሓደ ጥሪ ቤተ ክርስቲያን ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሰላም እተብዕለሉ ዕለት እውን ምዃኑ ኣዘኻኺሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ መዓልቲ ሓድሽ ዓመት ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ንግሆ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ቅድስተ ማርያም እመ ኣምላክ ብፍሉይ መንገዲ "ጐይታ ምሳና ዝኣተዎ ዘለኣለማዊ ቃል ኪዳን” እነብዕለሉ ዕለት ምዃኑ ገሊጾም፡ ዕለት 1 ጥሪ ቅድስተ ማርያም ወላዲተ ኣምላኽ ዝኽበረሉ ዕለትን ከምኡ እውን ቤተ ክርስቲያን ዓለም ሓቆፍ ሰላም እተብዕለሉ ዕለት እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ምልኣት ግዜ

ቅዱስነቶም ትርጉም ናይቲ ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ እነንብቦ "ምልኣት ግዜ ወይ ግዚኡ ምስ በጽሐ" ዝብል ኣበሃህላ ብማርያም ኣቢሉ መለኮታዊ ጸጋ ከም ዝወሓዘን እዚ ድማ "ትስብቲ" ምዃኑ ገሊጾም፣ "እዚ እግዚኣብሄር ዝመረጾ መጋበርያ፣ ንነፍሲ ወከፍ ሰብን ንመጻእን ጎይታ ዘዳለዎ ምጽኣት እግዚኣብዝሔ ምዃኑ ኣንክበርሁ፥

“እታ ኣደ እምበኣር ኣብ ሕመረት ምስጢር ዘላን። እግዚኣብሔር በታ ‘ሰበይቲ’ ኣቢሉ ታሪኽ ክቕይር ባህ ኣበሎ። እታ ሰበይቲ እትብል ቃል፡ ከምቲ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዘመልክቶ ድማ ናብ ዘፍጥረት ይመልሰና፡ ኣደን ውላድን ድማ ሓድሽ ፍጥረትን፡ ሓድሽ ጅማሮ ዘመልክቱ ምዃኖም ንኽነስተውዕል ይገብረና። በዚ ድማ ኣብ መጀመርታ ዘመነ ድሕነት፡ ኣደ ኣምላኽ ቅድስቲ ኣዴና ህልውቲ እያ።”

ሃምነናዊ ተስፋ

"ኣደ እግዚኣብሔር" ዝብላ ክልተ ቃላት "ጎይታ፡ ኣብ ሕቑፊ ኣዲኡ ዝነበረ ንእሽቶ ቆልዓ፡ ንዘልኣለም ምስ ሰብኣውነትና ከም ዝተዋሃሃደን፡ ድሕሪ ሕጂ ናትና ጥራይ ዘይኮነ፡ ንሕና እውን ናቱ ከም ምዃና ዘሐጉስ ርግጸይናነት የመላኽት።" ዘለዓለማዊ ቃል ኪዳን ህላዌ እግዚኣብሔር ምሳና ዝብል እዩ!”

“ኣደ ኣምላኽ፡ ሃምነናዊ ኣምነት፡ ግን ከኣ “ሃምነናዊ ተስፋ” እውን እዩ፤ ኣምላኽ ኣብ ሰብ፡ ሰብ ድማ ኣብ ኣምላኽ፡ ንዘለኣለም። እዚ ትርጉም ኣመ ኣምላክ ናይ ዝብል ሃምነ እምነት” እዩ!

ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ቅዱሰንቶም "ኣደነት ማርያም ናብ ኣቦኣዊ ለውሃት እግዚኣብሔር ዝመርሓና መንገዲ እውን ምዃኑ ኣብሪሆም፣ ዝቐረበን ቀጥታውን ዝቐለለን መንገዲ እዩ" ነዚ ኩሉ ግዜ ክንዝክር ከምዘሎና ብኣጽንዖት የመላኽቱ።

ሓልዮትን ትብዓትን ኣዴታት

ቤተ ክርስቲያን ኣብ ማርያም፡ ድንግልን ኣደን፡ “ብቡቕባቐን ሓልዮትን፡ ትዕግስትን ኣደኣዊ ትብዓትን" ዝፍለ ጓሳዊ ኣገልግሎት ከመይ ጌርካ "ወላዲ" ክትከውን ከም እትኽእልን ነዚ ወላዲ ምዃን እዚ ዳግማይ ክንረኽቦ ከም ዝግባእ ኣተሓሳሲቦም። ዓለም ድማ ሰላም እትረኽበሉን "ንነገራት ብሓቀይና ሰብኣዊ ዓይንን ልብን ክትርእን" እትኽእለሉ መገድታት ንምርካብ ናብ ኣዴታትን ደቂ ኣንስትዮን እውን ክትጥምት ከም ዘለዋ የመላኽት፥

“ነፍሲ ወከፍ ሕብረተሰብ ነቲ ጓል ኣንስተይቲ ዝኾነ ህያብ ክቕበል የድልዮ፣ ነፍሲ ወከፍ ጓል ኣንስተይቲ: ንደቂ ኣንስትዮ ከኽብርን ክከላኸልን ክብሪ ክህቦን ኣለዎ፣ ንሓንቲ ንጽል ሰበይቲ ዝጎድእ ዘበለ ነቲ “ካብ ሰበይቲ ዝተወልደ” ኣምላኽ ከም ዘርክስ ብምፍላጥ።”

ወሓዚ ጸጋ

ቀጺሎም ማርያም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ህይወትና እውን "ወሳኒ ተራ" ከም ዘለዋ ገሊጾም፣ "ካብ ኣደ ንላዕሊ ደረጃታት ዕብየትን ህጹጽ ድሌታት ውላድን ዝፈልጥ የለን"።

“ማርያም ድሌታትና ትፈልጥ እያ፤ ጸጋ ኣብ ህይወትና ክውሕዝን ንድሌታትና ናብ ሓቀይና ፍጻሜ ዘማዕድው ክኸውን ትመርሕ”

ብፍላይ ኣብ እዋን ጽምዋ፡ ምስ ጉድለታትና ክንገጥም ከለና፡ "ድሕሪ ደጊም ኣብ ህይወትና ሕልኽልኻት ዘበለ ኩሉ ክንፈትሕ ኣብ ዘይንኽእለሉ እዋን" ኣብ ማርያም "ክነማዕቁብ" ንኽእል። ከምኡ'ውን "ብኣደኣዊ ፈጠራኣን ንደቃ ብዘለዋ ሓልዮትን" ምእንቲ ክንገብሮ፡ ኣብ ዘመንና "ሰላም ዝሰኣኑ" "ናይ ሓድነት ስነ-ጥበባውያን" ክንከውን ሓገዝ ንምርካብ ናብ ማርያም ንቕረብ።

ነዚ ሓድሽ ዓመት ንእመ ኣምላኽ ኣሕሊፍካ ምሃብ

ኣብ መደምደምታ ስብከቶም ጳውሎስ ሻድሻይ፣ ቶማስ ብዓል ቸላኖ፣ ማርቲን ሉተርን ብርሃነ ኣህዛብ ዝብል ሃምነናዊ ቅዋም ቤተ ክርስቲያን መሰረት ገይሮም ሓዲሽ ዓመት ንእመ ኣምላክ ኣሕሊፍና ክንህብን ሕይወትና ንዓኣ ክንውፍያ ይግባእ ቢሎም፣ ንሳ "ናብቲ ባዕሉ ናይ ኩሉ ግዜን ናይ ገዛእ ርስናን ግዜ 'ምልኣት ግዜ ናብ ዝኾነ ኢየሱስ ክትመርሓና እያ።"

“እዛ ዓመት እዚኣ ብናይ እግዚኣብሔር ምጽንናዕ ዝተመልአት ትኹን። ሎሚ ዓመት ብናይ ማርያም ቅድስቲ ኣደ ኣምላኽ ምዉቕ ኣደኣዊ ፍቕሪ ዝተመልአ ይኹን። ሕጂ ኹላትና ብሓባር ሰለስተ ሳዕ ቅድስቲ ኣደ ኣምላኽ! ቅድስቲ ኣደ ኣምላኽ! ቅድስቲ ኣደ ኣምላኽ!” ዝብል ጸሎት ንድገም ቢሎም መሪሖም ብሓባር ምስ ተደግመ ዝለገስዎ ስብከት ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

02 January 2024, 16:56