ድለ

ር.ሊ.ጳ ኣብ ኢራን ዝተፈጸመ ፍንጀራታት ዘስዓቦ ሞትን ማህሰይትን ዘሕደረሎም ሓዘን ይግለጹ ር.ሊ.ጳ ኣብ ኢራን ዝተፈጸመ ፍንጀራታት ዘስዓቦ ሞትን ማህሰይትን ዘሕደረሎም ሓዘን ይግለጹ  (AFP or licensors)

ር.ሊ.ጳ ኣብ ኢራን ዝተፈጸመ ፍንጀራታት ዘስዓቦ ሞትን ማህሰይትን ዘሕደረሎም ሓዘን ይግለጹ

ፍራንቸስኮ ኣብ ኢራን ከተማ ከርማን ብዘጋጠመ ፍንጀራ ዝተቐትሉን ዝተጎድኡን ዘሕደረሎም ሓዘን ገሊጾም በዚ ዝወረደ ሓደጋ ምኽንያት ኣብ ሓዘን ንዝርከቡ ኩሎም ጸሎትምን ቅርበቶምን ከም ዘረጋገጹ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ፍራንቸስኮ ድሕሪ እቲ ረቡዕ ዕለት 3 ጥሪ ኣብ ኢራን ከተማ ኬርማን ዘጋጠመ ፍንጀራ ስዒቡ ዝወረደ ሞትን ማህሰይትን ዝተሰምዖን ሓዘን ገሊጾም፡ ንኺሎም ኣብ ሓዘን ንዝርከቡ ኣባይቲ ስድራ ኣብቲ ዕለት 5 ጥሪ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፓሮሊን ክታም ዝተነብሮ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልኽቲ ተለግራም፡ ቅርበቶምን ጸሎትምን ኣረጋጊጾም፥ "ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ከተማ ከርማን ብዝተፈጸመ ፍንጀራታት ምኽንያት "ንኹሉ ህዝቢ ኢራን ናይ ጥበብን ሰላምን በረኸት ልዑል እግዚኣብሔር" ከም እተማሕጸኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

መግለጺ ማሕበር ረድኤት ቀይሕ ወርሒ

ዕለት 3 ጥሪ ኣብ ኢራን ኣብ ዕለተ ዝኽሪ ኣዛዚ ሓለዋ እስላማዊ ሰውራ ቃሲም ሶሌማኒ ንዝተፈጸመ ክልተ ፍንጀራታት ኣስታት 100 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ካልኦት ብዙሓት ድማ ከም ዝቖሰሉ ማሕበር ረድኤት ቀይሕ ወርሒ ኢራን ከም ዘፍለጠን ዕለት 4 ጥሪ መንግስቲ ኢራን ዝኣውጆ መዓልቲ ሓዘን ኣብ መላእ ሃገረ ኢራን ከም እተፈጸመ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ዕለት 4 ጥሪ እውን እቲ ገዛእ ርእሱ እስላማዊ መንግስቲ (ISIS) ቢሉ ዝሰመየ  እቲ ሱናዊ ጉጅለ እስላማዊ ዕጡቓት ሓይሊ ኣብተን ምስኡ ብዝዛመዳ መረባት ኣቢሉ ናይቲ ዝተፈጸመ ፍንጀራዊ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ከም ዝወሰደን እዚ ቀታሊ ፍጻመ ኣብቲ ዞባ ምስቲ ዝካየድ ዘሎ ኲናት እስራኤልን ሓማስን እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ዝተፈጸመ ክኸውን እንከሎ እዚ ድሕሪ 1979 ዓ.ም. እስላማዊ ሰውራ ኣብ ኢራን ዝተፈጸመ ደማዊ መጥቃዕቲ ምዃኑ ይንገር።

06 January 2024, 11:21