ናይ ወርሒ ለካቲት ሓሳብ ጸሎት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት - ምእንቲ ብጽኑዕ ዝሓመሙ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ወርሒ ለካቲት 2024 ዘለዎም ሓሳብ ጸሎቱ ኣመሓላሊፎም፣ ኵሉ ሰብ ድማ ምእንቲ እቶም ብጽኑዕ ዝሓመሙን ምእንቲ ስድራቤቶምን ክጽሊ ጻውዒት ኣቕሪቦም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገር ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ለካቲት ከም መደብ ሒዞሞ ዝለዉ ወርሓዊ ሓሳብ ጸሎት ኣመልኪቶም፣ ምእንቲ እቶም ብጽኑዕ ዝሓሙን ምእንቲ ስድራቤቶምን ክንጽሊ ተማሕጺኖም ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብታ  ብናይ ምስማዕ-ርእየት ዘመሓላለፍዋ መልእኽቲ መላእ ቤተ-ክርስትያን ኣብዛ ትመጽእ ዘላ ወርሒ በዚ ሓሳብ እዚ ንኽትጽሊ ብናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዓለምለኻዊ መርበብ ጸሎት ኣቢሎም ሓደራ ይብሉ ።

ኣብ ወርሒ ለካትቲ ይብሉ ቅዱስነቶም ኣብቲ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ቤተ-ክርስትያን ዝክረ በዓል ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘሉርድ ዕለት 11 ለካቲት እተብዕለሉ ወርሒ ክንዲ ዝኾነ፣ ኣብቲ ዕለት እቲ ድማ ዓለምለኸ መዓልቲ ሕሙማት ውን ስለእንዝክር ኢዩ በሉ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ "ገሊኦም ሰባት ብዛዕባ ግለ ከበድቲ ሕማማት ኪዛረቡ ኸለዉ መብዛሕትኡ ግዜ ዜደናግሮም ክልተ ቓላት ኣለዉ፣ እዚ ኸኣ ዘይሓውን 'ዘይጥወርን' እዩ። እንተዀነ እዞም ቃላት ሓደ ትርጉም ዘለዎም ኣይኰኑን" በሉ።

ወላእኳ ዘይፍወስ እንተኾነ ክጥወር ዓለዎ

ነቶም ቕድሚኦም ዝነበሩ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ብምጥቃስ ከምዚ በሉ ቅዱስነትም - "ዚከኣል እንተ ዀይኑ ፈውስዎም፣ ወትሩ ግን ተኸናኸንዎም"።

ኣብቲ ንወርሒ ለካቲት ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዕ-ርእየት መልኽቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳስት ነቶም ብጽኑዕ ሓሚሞም ዘለዉ ፍቕርን ለውሃትን ዜርኢ ኩነት እዩ ፣ ብዘይካዚ ከከም ትርጕሙ ሓደ ኣገዳሲ ኩነት ፍሽለት ወይ ዓወት ይገልጹ፣ "እቲ እንኮ ቕቡል ውጽኢት ምፍዋስ ጥራይ እንተ ዀይኑ " ፍሽለት ኢዩ፣ ኣብ ክንዳኡስ " እቲ ተግባራዊ ዕላማ ንሕሙማት ምኽንኻን እንተ ዀይኑ" ግና ዓወት እዩ በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ከም ዘመልከትዎ ንምፍዋስ ንእሽቶይ ተኽእሎ እኳ እንተ ዘየለ "ነፍሲ ወከፍ ሕሙም ሕክምናዊ ስነ-ኣእምሮኣዊ መንፈሳውን ሰብኣውን ሓገዝ ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎ" ብምባል ብንጹር ገለጹ።

"ምሕዋይ ኵሉ ሳዕ ዚከኣል እኳ እንተ ዘይኰነ ወትሩ ንሕሙማት ክንከናኸኖምን ክንሓልየሎምን ንኽእል ኢና" ብምባል ጻውዒት ኣቕረቡ።

ውሕስነት ናይ ቅርበትን ደገፍን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብዛዕባ ኣገዳስነት ናይ ፈዋሲ ዝኾነ ክንክን እንከስተንትኑ፣ ከምዚ ዝኣመሰለ ክንክን "ነቲ ሕሙም ሕክምናዊ ቘላሕታ ጥራይ ዘይኰነስ ንሰብኣዊ ደገፍን ምቅርራብን እውን ውሕስነት ከም ዝህቦ" ደጊሞም ኣመልከቱ።

እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ብዛዕባ ስድራቤታዊ ክንክን ዘለዎ ግደ እንክገልጹ እዞም ዝሳቐዩ ዘለዉ "ኣብዚ ጽንኩር እዋን በይኖም ክንገድፎም የብልና" ብምባል ኣጕልሑ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ስድራቤትን መቕርብን "ግቡእ ኣካላውን መንፈሳውን ማሕበራውን ደገፍ ንምሃብ እኹል መገድታት ክረኽቡ ከም ዘድልዮም" ብምጕላሕ እዚ ናይታ ስድራቤት ግደ "ወሳኒ ኢዩ" በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ "ብጽኑዕ ዝሓመሙን ስድራቤቶምን ወትሩ ኣድላዪ ሕክምናውን ሰብኣውን ክንክንን ደገፍን ምእንቲ ኽረኽቡ" ካብ ኵሉ ሰብ ጸሎትን ቈራጽ ተበግሶን ክግበረሎም ብምሕታት መልእክቶም ዛዘሙ ።

ዓለምለኻዊ መርበብ ጸሎት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት

እዚ ናይ ቅዱስነሮም ናይ ምስማዕ ርእየት መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ወርሓዊ ሓሳብ ጸሎት ንምምሕላፍ ዝገብርዎ ወግዓዊ ዓለምለኻዊ ተበግሶ ኢዩ ። እዚ ድማ ብዓለምለኻዊ መርበብ ጸሎት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት (ሓዋርያውነት ንጸሎት) እዩ ዚፍጸም ። ካብ 2016 ኣትሒዞም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብናይ ምስማዕ-ርእየት መልእኽቲ ኣብ ኵሉ መራኸቢ ብዙሓን ቫቲካን ልዕሊ 203 ሚልዮን ተዓዘብቲ ዝረኸበን ፣ ናብ ልዕሊ 23 ቋንቋታት ድማ ተተርጒሙ ይርከብኣሎ ፣ ኣብ 114 ሃገራት ከኣ ጋዜጣዊ መግለጺ ረኺቡ ይርከብ ።

እዚ ናይ ምስማዕ ርእየት መልእኽቲ ቅዱስነቶም ብኣንድርያ ሳሩቢ ብዝምራሕ መርበባዊ ጉጅለ ዝሰዶ ወርሓዊ መልእኽቲ ጸሎት ቅዱስነቶም ኢዩ።  እዚ ኣገልግሎት እዚ ብመራኸቢ ብዙሓን ቫቲካን ድማ ይምወል ።

ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዓለምለኻዊ መርበብ ጸሎት ነቲ ንደቅሰብን ንተልእኾ ቤተ-ክርስትያንን ዘጋጥሞም ብድሆታት መልሲ ንምሃብ ብጸሎትን ተግባራዊ ስጕምትን ንካቶሊካውያን ናይ ምውዳብ ምንቅስቓስ ዘለዎ ብቫቲካን እተመስረተ ኢዩ። እዚ ብድሆታት እዚ ድማ በቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንመላእ ቤተ-ክርስትያን ብሕድሪ ዘቕርቡሎም ሓሳብ ጸሎት ዕላማ ጌሩ ኢዩ ዝዓዪ ።

31 January 2024, 15:58