ድለ

ካህናት ኣብ ዝእሰሩሉ ዘለዉሉ እዋን፡ ር.ሊ.ጳ. ብዛዕባ ኒካራጓ ‘ሻቕሎቶም’ ይገልጹ ካህናት ኣብ ዝእሰሩሉ ዘለዉሉ እዋን፡ ር.ሊ.ጳ. ብዛዕባ ኒካራጓ ‘ሻቕሎቶም’ ይገልጹ 

ካህናት ኣብ ዝእሰሩሉ ዘለዉሉ እዋን፡ ር.ሊ.ጳ. ብዛዕባ ኒካራጓ ‘ሻቕሎቶም’ ይገልጹ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ሓያሎ ካቶሊካውያን ካህናትን ሓደ ጳጳስን ኣብ ቀይዲ ድሕሪ ምእታዎም፥ ነዚ ኩነታት እዚ ብምዝካር ምእንቲ ንኒካራጓ ይጽልዩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 1 ጥሪ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቀርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽትን ወጻእን ምስ ዝመጹ መፍነሳውያን ነጋዶ ሓቢሮምን መሪሖም ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ፥ “ኣብታ ጳጳሳትን ካህናትን ናጽነቶም ዝተነፍገላ ኒካራጓ ዝፍጸም ዘሎ ማእሰርቲ ብስክፍታ እከታተሎ፡ እንክብሉ ስክፍታኦም ኣካፊሎም፥ “ነቶም ንማእሰርቲ ዝተዳረጉን ንስድራ ቤቶምን ምስ መላእ ቤተ ክርስቲያንን ኣብታ ሃገር ብጸሎት ዘለዎም ቅርበት” ኣረጋጊጾም፥ ብጀካዚ ኩሎም ህዝበ እግዚኣብሔር ኣብቲ ናይ ህዝቢ ኒካራጓ “ጽኑዕ ጸሎት” ክጽንበር ዓደሞም። ወሲኾም “ጸገማት ንምስጋር ኩሉ ግዜ መገዲ ዘተ ክንደሊ ተስፋ እገብር፡

“ሎሚ ምእንቲ ኒካራጓ ንጸሊ” እንክብሉ ከም ዝዓደሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

02 January 2024, 17:03