ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ በዓለ ኣስተርእዮ፥ ናብ ክርስቶስ ህጻን ንምቕራብ ነቶም ሰብ ጥበብ ንምሰል!

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስክ ዕለት 6 ጥሪ በዓለ ኣስተርእዮ ምኽንያት ኣብ ባዚሊክ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፥ ነቶም ሰብኣ ሰገል ምምሳል ናብ እግዚኣብሔር ክቐርበና ዝኽእል ሰለስተ መገድታት ከም ዘቕርበልና ይሕብሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ከምቶም ሰብኣ ሰግል የዕንትና ናብ ሰማየ ሰማያት ኣልዒልና ንጐይታ ንድለ . . . ነዚ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ዕለት 6 ጥሪ ብምኽንያት በዓለ ኣስተርእዮ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዝለገስዎ ስብከት ክኸውን እንከሎ፥ ቅዱስነቶም ነቶም ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ንዝተኣከቡ ምእመናን ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፡ ሰብኣሰገል ነቲ ሓድሽ ዝተወልደ ንጉስ ንምድላይ ከምዝተበገሱ ብምዝካር ጀሚሮም፥ "ምስሊ ናይቶም ንኣምላኽ ክደልዩ ዝጓዓዙ ህዝብታት ዓለም፡ ናይቶም ሕጂ ናብ ኣምባ እግዚኣብሄር ዝምርሑ ዘለዉ መጻእተይናታት ናይቶም ካብ ርሑቕ፡ ነቶም ኩሎም ዝጠፍኡ መልእኽቲ ድሕነትን ሎሚ ድማ መስልኽቲ ሕውነት ዘስምዑ keመጹ ዘርእዩና እዮም።"

"ሕጂ ግና ብስጋ ህጻን ዘቤተልሄም ክብሪ እግዚኣብሄር ንኹሎም ኣህዛብ ተገልጸ . . . ኩሎም ምድሓን ኣምላኽ ክርእዩ ድማ እዮም" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ንሰብኣ ሰገል ቀሪብና ንጠምት

ር.ሊ.ጳ. ነቶም ምእመናን ነዞም ካብ ምብራቕ ዝመጹ ሰብ ጥበብ ክጥምቱን ሰለስተ መዳያት ጉዕዞኦም ክሓስቡን ዓዲሞም፡ ኣዒንቶም ናብ ሰማያት ልዕል ኣቢሎም፤ ኣእጋሮም ኣብ ምድሪ ይጓዓዝ፤ ልቦም ድማ ብኣምልኾ ይሰግድ።

ናብ ሰማያት ልዕል ዝበላ ኣዒንቶም እናኣስተንተኑ፡ እቶም ሰብ ጥበብ መወዳእታ ዘይብሉ ነገር ሃረር ስለ ዝበሉ ንኸዋኽብቲ ምሸት ሰማይ ኪጥምቱ ኸም ዝኸኣሉ ዘኪሮም። "ህይወቶም ናብ ኣእጋሮም እናጠመቱ ብዛዕባ ገዛእ ርእሶም ጥራይ ብምሕሳብ ኣብ ምድራዊ ኣረኣእያ ተደሪቶም ወይ ብምጕሃዮም ኣየሕለፉን። ርእሶም ኣልዒሎም ነቲ ንትርጕም ህይወቶም ዜብርህ ብርሃን ይጽበዩ።" ኣብዚ ድማ እቲ ሓቀይና ትርጉም ህይወትና ንምርካብ ዝሕግዝ መፍትሕ ንርኢ፡ ኣብ ጸቢብ ደረት ምድራዊ ነገራት ተዓጽና እንተተሪፍና፡ ርእስና ኣድኒንና፡ ጅሆ ውድቀትናን ጣዕሳናን እንተባኸንና፤ ደለይቲ ሕይወትን ፍቕርን ካብ ምዃን ሃብትን ዓለማዊ ምሾትን እንተጸሚእና ሕይወትና ቀስ ብቐስ ብርሃና ትስእን።

እቶም  መጻእተይና ኮይኖም ገና ምስ ኢየሱስ ዘይተራኸቡ ሰብኣሰገል፡ ሓገዝና ካብ ጎይታ ስለ ዝኾነ፡ ኣዒንትና ናብ ላዕሊ ከነልዕን፡ ኣዒንትና ናብ ሰማያት፡ ናብቲ ሓገዝና ናብ ዝመጽኣሉ እምባ ከነበርኽ ይምህሩና።

“ረድኤትና ካብ እግዚኣብሔር እዩ እሞ፡ ኣዒንትና ናብ ሰማያት፡ ናብቲ ረድኤትና ዝመጻሉ እምባታት ልዕል ከነብል ይምህሩና።”

"ምስ ጎይታ ብዕርክነት ክንመላለስ ገዛእ ርእስና ክንፈቅድ ኣለና፡ ፍቕሩ ክድግፈና፡ ከምኡ'ውን ብርሃን ቃሉ ክመርሓና፡ ከም ኮኾብ ለይቲ የድልየና።"

ቅዱስነቶም ምእመናን ነዚ ጉዕዞ እዚ ብዘይ ፍርሒ ክብገሱ፣ "ህንጡያት ደለይቲ ወጅሂ ጎይታን ምስክር ወንጌሉን ኮይኖም ክብግሱ ኣተሓሳሲቦም።

"ካብ እግዚኣብሄር ከም ብሓድሽ ንበገስ፤ ኣብ ቅድሚ ጸገማት ልብና ከይነጥፍእ ትብዓት፡ ንኹሉ ዕንቅፋታት ንምስጋር ሓይሊ፡ ኣብ ስኑይ ሓድነት ናይ ምንባር ሓጎስ ካብኡ ንድለ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብ ምድሪ ምጉዓዝ

እቶም ሰብኣ ሰገል፡ ኣብ ምድሪ ዝጓዓዝ ኣእጋር" እውን ከም ዝነበሮም ቅዱሰንቶም ኣስተብሂሎም። እቲ ኣብ ሰማያት ዝበርህ ኮኾብ ኣብ መገድታት ዓለም ክጓዓዙ ይመርሖም፥

"ንኣምላኽ እናደለዩ፡ ኣብ ሰብ፡ ኣብ መብልዕ ማል ደቂሱ ኣብ ዝነበረ ንእሽቶ ቆልዓ ክረኽብዎ ይምርሑ። ኣብኡ እዩ እቲ ኢታእላው ዓቢይ ዝኾነ ኣምላኽ፡ "ርእሱ ገሊጹ፡ ኣብ ንእሽቶ፡ ኢታእላው ህጻን!”

“ንኣምላኽ እናደለዩ፡ ኣብ ሰብ፡ ኣብ መብልዕ ማል ደቂሱ ኣብ ዝነበረ ንእሽቶ ህጻን ክረኽብዎ ይምርሑ።”

እቲ ንህይወትና ዘብርህ ብርሃን ጎይታ ኢየሱስ ለይትታትና ንምውዓይ ዘይኮነስ ጩራታት ብርሃን ነቲ ኣብ ሕብረተሰብና ንብዙሕ ኩነታት ዝሽፍን ጸሊም ጽላሎት ንኽንሰብሮ ዝተዋህበና እዩ።

እቶም ሰብኣ ሰገል ንኣምላኽ ክደልዩ ተበገሱ፣ ውላድ ንዓንዲ ርእሱ ረኸቡዎ፣ ምስ ኣምላኽ ምርኻብ ድማ ናብ ዝዓበየ ክውንነት ከም ዝኸፍተና ይምህሩና፣ እዚ ድማ ኣነባብራና ክንቅይርን ዓለምና ክንቅይርን ይገብረና።

ፍራንቸስኮ "ቃል ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16" ጠቒሶም "'ሓቀይና ተስፋ ክጎድል እንከሎ፡ ሓጎስ ኣብ ስኽራን፡ ኣብ ጠገለ ዘይብል ትርፍን፡ ኣብ ልዕሊ ዓቐን ኣብ ዝኽዕኑ ነገራት ይድለ፡ ንነብስናን ንዓለምን ነበላሽዋ ... በዚ ምኽንያት እዚ፡ ሰባት የድልዩና እዮም።" ዓቢ ተስፋ ዝምግቡን በዚ ኸኣ ዓቢ ትብዓት ዘለዎምን: ትብዓት ናይቶም ደድሕሪ ሓደ ኮኾብ ነዊሕ ጉዕዞ ዝተጓዕzu: ኣብ ቅድሚ ሓደ ህጻን ተንበርኪኾም ክቡር ህያባቶም ከቕርቡሉ ዝኸኣሉ።”

ንኣምልኾ ዝሰግድ ልቢ

ኣብ መወዳእታ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ሰብኣ ሰገል ልቦም ንኣምልኾ ይሰግድ . . . ናብ ቤተልሔም መጺኦም፡ ነቲ ህጻን ምስ ረኣዩ "ተንበርኪኾም ክብሪ ሃቡ" እዚ እቲ ህጻን ብሓቂ "እቲ ከገልግለና ዝመጸ ንጉስ፡ ሰብ ዝኾነ፡ ምሕረት ዘለዎ ኣምላኽ" ምንባሩ ዘዘኻኽር እዩ። ምሳና ይሳቐን ምእንታና ይመውትን"።

ቅድሚ እዚ ምስጢር እዚ፡ ንሕና እውን ብተመሳሳሊ ኣብ ኣምልኾ "ብልብና ክንሰግድ" "ብርክና ክንዓጽፍ"፡ "ነቲ ተኣፋፊ ህጻን ኮይኑ ዝመጽእን ኣብ ኣባይትና ዝነብርን ኣምላኽ ከነምልኽ" ተጸዊዕና ኣለና።

"ኣብ ተኣፋፊ ናይ ሓደ ሕጻን ስጋ ዝተወልደ ህጻን፡ ብኣጽርእቲ ዝተጠቕለለ፡ ብሰብኣ ሰገል ይምለኽን ኣብ እኩያትን ዕቡያትን ድማ ፍርሒ ዝፈጥርን

ቢሎም ምእመናን ዳግማይ ሓቀይና ኣምልኾ ክረኽቡ ዓዲሞም። "ንኢየሱስ ከም ኣምላኽናን ጐይታናን ኣፍልጦ ንሃቦ፡ ንሕና ድማ ዝረኸብናዮ ህያብ ዘበለ፡ ልዕሊ ዅሉ ግን እቲ ዝኾንናዮ ህያብ፡ ገዛእ ርእስና ነቕርበሉ።” "ኣሕዋትን ኣሓትን ከም ሰብኣ ሰገል፡ ኣዒንትና ናብ ሰማያት ነልዕል፡ ንጐይታ ክንደሊ ንበገስ፡ ልብና ብኣምልኾ ነስግዶ . . . ንኹሎም ዘብርህ ናይ ክርስቶስ ህጻን ብርሃን ንኸነብጽሕ፡ ምእመናን ብተስፋ ንእግዚኣብሔር ንምድላይ ዘድሊ ትብዓት ፈጺሞም ከይስእኑ ጸጋ ክሓቱ ተማሕጺኖም ዝለገስዎ ስብከት ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

06 January 2024, 16:37