ድለ

2024.01.13 Incontro con il Clero Romano 2024.01.13 Incontro con il Clero Romano  (Vatican Media)

ር. ሊ. ጳ. ንቤተክህነት ሮማ ፦ ኣብ ሓንቲ ተልእኾ ወንጌል ዘድልያ መሬት ኢና ዘለና

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ዮሓንስ ላተረን ምስ ልዕሊ 800 ዝኾኑ ካህናት ሰበኻ ሮማ ተራኺቦም፣ ቅዱስነቶም ነቶም ካህናት ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ብዛዕባ ክርስቶስ እሙን ምስክርነት ኪህቡን፣ ንስብከታቶም ሓጺርን ትኽንትኽ ምስክርነት ቃል አምላኽ ክኸውን ኣመልከቱሎም ።

ኣባ ተወልደ መብራትህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዝሓለፈ ቀዳም ንግሆ ምስ ካህናት ሮማ አብ ዝገበርዎ ርክብ፣ ንሰበኻ ሮማ ሓንቲ "ናይ ተልእኾ ወንጌል ምድሪ " ክብሉ ገሊጾማ።

ምስ ቤተክህነት ሮማ ንዝገብርዎ ዓመታዊ ረኪበ ንምክያድ፣ ኣብቲ ካቴድራል ናይ ሰበኻ ሮማ ዝኾነ ባዚሊካ ቅዱስ ዮሓንስ ላተረን ተራኸቡ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ድሕሪ ሰዓት 9 ንግሆ ኣብቲ ስፍራ በጽሑ፣ በቶም ናይቲ ሰበኻ ዓቃቤ መንበር ዝኾኑ ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ደ ዶናቲስ ተቕባል ተገብረሎም ።

ኣቡን ሮማ ነቶም ኣብ ሰበኻ ሮማ ዜገልግሉ ዘለዉ ልዕሊ 800 ዝኾኑ ካህናት ሰበኻን፣ ሰብ ውፉይ ሕይወትትን፣ ቀወምቲ ዲያቆናትን ንመላእ ቤተክህነት ወፍሪ ስብከተ ወንጌል ከካይዱ ጻውዒት ኣቕረበሎም ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ድሕሪ እቲ ለበዳ ኮቪድ 19 ዘስዓቦ ምቑራጽ ናብ ቍምስናታት ሰበኻ ሮማ ዳግም ምብጻሕ ከም ዚቕጽሉ ኣፍለጡ።

ግልጽን ምቕሉልን ዝርርብ

እቲ ንሰለስተ ሰዓት ኣቢሉ ዝወሰደ ኣኼባ፣ ካብ ሰበኻ ሮማ ዝተሃህበ መግለጺ ከም ዘመልክቶ፣ እዚ ኣኼባ "ብኽፉት መንፈስን አብ ብጽቡቕ ሃዋህው" ከም እተገብረ የመላኽት ።

ድሕሪ ናይ ፍርቂ መዓልቲ ጸሎት ብፁዕ ካርዲናል ደ ዶናቲስ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሰላምታ ድሕሪ ምቕራብ ነቲ ናይ ሕቶን መልስን መድረኽ ከፈትዎ ።

ኣስታት ሰላሳ ዝኾኑ ሕቶታት ብምቕባል ከይተሰከፉን ብቕንዕናን ሕቶታት ክሓትቱ ዓደምዎም ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብዛዕባ ኣድላይነት ስብከተ ወንጌል አብ ኣረማዊ ዝኾነ ሃዋህው ብምጕላሕ፣ እሙን ዝኾነ ምስክርነት ምሃብ ኣድላዪ ምዃኑ ገለጹ ።

ሓጢኣት ዘይኰነስ ንሰባት ምብራኽ

ብድሕሪ እዚ ብዛዕባ ቡራኬ መጻምድቲ ሓደኣዊ ጾታ ዝኾኑ ሰባት  ንዝተላዕለ ሕቶታት መልሲ ኣብ ዝሃቡሉ፣ ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ዚግበር ቅዱስ መውስቦ ዚገልጽ ዓንቀጸ እምነት ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ከም ዘይቅየር ብምግላጽ፣ እቶም ዝባረኹ ሰባት ደአ እምበር ሓጢኣቶም ከም ዘይኰነ ገለጹ ።

ሓደ ትውልደ ኣፍሪቃ ዝኾኑ ኻህን ዘቕረቡሎም ሕቶ፦ ኣብ ባህሊ ኣፍሪቃ እተፈላለየ ስምዒትን ርድኢትን ስለ ዘለዎ ነዚ ዓይነት ቡራኬ ኸም ዘይቅበሎ ገለጹ። ወሲኾም ድማ እዚ ምስቲ ሊቀ-ጳጳሳት ኪንሻሳን ኣቦ መንበር ሰካምን (ናይ መላእ ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ጉባኤ ጳጳሳት ሕብረት) ዝኾኑ ብፁዕ ካርዲናል ፍሪዶሊን ኣምቦንጎ ከም እተነጽረ ገለጹ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነዚ ሕቶ እንክምልሱ፣ ብዙሓት ሰባት ንጽሑፋት ናይ ቤተ ክርስትያን ጽቡቕ ገይሮም ከም ዘየንብብዎ ገለጹ ። ኣጸቢቕካ ጽን ኢልካ ምስማዕ ኣድላዪ ምዃኑ ብምጉላሕ ድማ  ግጭታት ክፍታሕ ከም ዘለዎ ግን ከኣ ክሕባእ ከም ዘይብሉ ድማ ገለጹ ።

ድሕርዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንኻህናት ሮማ ወትሩ መሓርትን ይቕረ በሃልትን ክኾኑ ተማሕጸንዎም ። "ኵሉ ሳዕ ይቕረ በሉ ፣ ሓደ ካህን ወትሩ ገባር ምሕረት ክኸውን አለዎ" ድማ በልዎም።

ብዛዕባ እቶም ብቀዋሚ ዲቁና ዘገልግሉ ዘለዉ ዲያቆና ከአ አብ ማዕከል ህዝቢ ክርከቡን ኣብ ዘድልዮም ኩሉ ድማ ከገልግልዎም ተማሕጸንዎም ።

ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ካህናት ዝልግስዎ ስብከታት ንሓጺር ክኸውን ከም ዝለዎን  ካብ 7-8 ደቒቕ ክሓልፍ ከም ዘይብሉን፣ ትኽ ብትኽ ቃል አምላኽ ዝምስክርን ከምኡውን ንመንፈስ ቃል ኣምላኽ ዝገልጽን ክኸውን ከም ዘለዎ ኣመልከቱሎም ።

15 January 2024, 16:14