ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ጸጋ ኣምላኽ ኣብ መንፈሳዊ ውግእ ክንዕወት ይሕግዘና
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ኣብ ናይ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ብዛዕባ ሕማቕ ኣመላትን ጽቡቕ ባህርያትን ዝምልከት ዘበገስዎ ተኸታታሊ ኣስተምህሮ ብምቕጻል፡ ኣስተንትኖኦም ኣብ መንፈሳዊ ውግእ ኣተኲሮም፡ ክርስትያናዊ ሕይወትና “መስመራዊ ወይ ቃልሲ ዝጎደሎ” ዘይኰነስ "ቀጻሊ ቓልሲ" ዝሓትት ምዃኑ ገሊጾም፡ ነቲ ክርስትያናት ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ጥምቀት ዝቕብእዎ ዘይቲ “ህይወት ቃልሲ ምዃና” ዘዘኻኽር እዩ።
"ቅብኣ ናይቶም ንኡሳን ክርስቲያን ብኡንብኡ ክርስትያን ካብ ቃልሲ ከም ዘይነሓፈ ንጹር ይገብሮ።” ህይወት ተኸታታሊ ገድልን ፈተናታትን ስለ ዝዀነት ህላወና ልክዕ ከም ኩሉ ሰብ ናብ እዚ መድርኽ ክኣቱ ኣለዎ" ኢሎም።
ፈተናን ጸጋን
እንተኾነ ግን ፈተናታት ብሓቂ ጸጋ ኣምላኽ ኣባና ክሰርሕ ንምፍቃድ ዝሕግዝ ዕድል እዩ። ከምቲ ቀዳማይ ኣበምኔት ቅዱስ እንጦንዮስ፥ “ፈተናታት ኣወግዱ ሓደ እኳ ኣይድሕንን” ዝበሎ ዘኪሮም፡ እቶም ካብ ሓጢኣቶም 'ሓራ ዚወጹ - ሓጢኣት ዘይብሎም ገይሮም ንገዛእ ርእሶም ዝሓስቡ ክርስትያናት ሰናይ ካብ እከይ ኪፈልዩ ስለ ዘይክእሉ ኣብ ጸልማት ናይ ምንባር ሓደጋ የጓንፎም፡ “ኩላትና ንገዛእ ርእስና ምልዋጥ ዘድልዮም ድኻታት ሓጥኣን ምዃንና ክንፈልጥ ጸጋ ክንልምን ይግባእ፣ ዝኾነ ሓጢኣት ካብቲ ደረት ኣልቦ ምሕረት እግዚኣብሔር ኣቦ ኣዝዩ ዓቢ ኣይኮነን ዝብል እምንቶ ኣብ ልብና ክንሕዞ ይግባእ” ኢሎም።
ብድሆታትን ምሕረትን
ኢየሱስ ከይተረፈ ካብ ኩሉ ሓጢኣት ነጻ ክነሱ ገዛእ ርእሱ ንጥምቀት ኣቕረበ፣ ኣብነቱ ምእንቲ ክንስዕብን ምሕረት ኣምላኽ ክንልምን ፈጺምና ከይንፈርሕን መታን።
ድሕሪ ጥምቀቱ ኢየሱስ ናብቲ ብሰይጣን ዝተፈተነሉ በረኻ ተሳሕበ፡ "ንሕና እውን ወትሩ ኽንዳለወሉ ብዘሎና ነገር ኩሉ ተመኪሩ እዩ። ህይወት በዳሂ ፈተናታት መስቀላዊ መገዲ ተጻባእቲ ራእያት ሕቡእ መስድዕቲ ንሓድሕዱ ዝጋጮ ድምጺ ዘለዎ እዩ!”
መንፈሳዊ ውግእን መንፈስ ቅዱስን
ቅዱስነቶም ንክርስትያም ኣብ መንጎ ኣንጻር ሕሉፍ ወይ ጸንፈይናውያን ተግባራት መዓልታዊ ጸኒዖም ክመላለሱ ጻውዒት ኣቕሪቦም - "ትዕቢት ንትሕትና ብድሆ ተቕርብ፣ ጽልኢ ምስ ግብረ - ሰናይ ዝጻረር ኢዩ ፣ ጓሂ ነቲ ናይ ሓቂ ሓጐስ መንፈስ ይጻረር፣ ምትራር ልቢ ንምሕረት ይነጸግን።”
ነቲ ክፉእ ኣመላትን ጽቡቕ ባህርያትን ዝብል ኣርስቲ ብምስትንታን፡ ነቲ "ኣብ መንጎ ጽቡቕን ክፉእን ዘሎ ዘተሓንፍጽ ዘይንጹር" ዝዀነ ትርጕም ኣልቦነት ዝመልኦ ባህልና ከነሰንፎ ኸም እንኽእል ገሊጾም። ማዕረ ማዕሪኡ ድማ፡ ብዛዕባ ሕማቕን ጽቡቕ ባህርያትን እንገብሮ ኣስተንትኖ፡ “ወዲ ሰብ ዘይከም ዝኾነ ፍጡር፡ ኩሉ ግዜ ንርእሱ ሰጊሩ፡ ንእግዚኣብሔር ርህው ብምዃኑ ናብ ቅድስና ክኸይድ ከም ዝኽእል የዘኻኽረና” እንክብሉ ወሲኾም ምስ ገለጹ፥ “መንፈሳዊ ውግእት ነቶም ምቑሓት ዝገብሩና ክፉእ ኣመላት ብቐረባ ክንርእዮምን ብጸጋ ኣምላኽ ናብቶም ኣባና ክዕምብቡ ዝኽእሉ ጽቡቕ ባህርያት ክንምለስ ስለ ዝመርሓና ምንጪ መንፈስ ናብ ሕይወትና የምጽእ” እንክብሉ ዝለገስዎ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ይዛዝሙ።