ር. ሊ. ጳ. ፦ ህርፋን ገንዘብ ሕማም ልቢ እዩ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣብ ዝለገስዎ ትምህርቲ ህርፋን ገንዘብ "ንሰብ ለጋስ ንኸይከውን ዝዓግት ናይ ገንዘብ ባርነት" ከም ምዃኑ ገለጹ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ብዛዕባ ኣመላውያን ሓጢኣትን መንፈሳውያን ሓይላትን ዚገልጽ ተኸታታሊ ትምህርትታት ብምቕጻል፣ ህርፋን ገንዘብ ሓደ ሰብ ክሳዕ ክንደይ ሃብቲ ኸም ዘለዎ ዘይኰነስ ብእተፈላለየ መገድታት ዚጸልወና ሓጢኣት ምዃኑ ገለጹ ።
"ሕማም ልቢ ደኣ እምበር፣ ናይ ጁባ ሕማም ኣይኰነን" ድማ በሉ።
ብዛዕባ ሞት ምስትንታን
እቶም ብዙሕ ሃብቲ መኒኖም ዝኸዱ መነኮሳት ምድረ በዳ እውን ከይተረፉ ኣብቲ ብዙሕ ዋጋ ዘይብሉ ነገራት ተጣቢቖም ክነብሩ ይኽእሉ ነይሮም ኢዮም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "እዞም ነገራት እዚኣቶም ክላቐቕዎም ከም ዝምለኹ ነገራር ኮይኖም ኢዮም ዝጣበቕዎም" በሉ። እዚ ኸኣ "ምስ ክውንነት ብልሽው ርክብ ከም ዝህሉ ዝገብር፣ እዚ ድማ ብግዲ ምእካብ ከም ዝፈቱ ዝገብርን፣ ዘይጥዑይ ምእካብ፣ ዝኾነ ጥምዕና ከኸትል ይኽእል እዩ" ይብል።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነዚ ንምቅላስ "እዞም መነኮሳ ብዛዕባ ሞት ምስትንታን ዝብል ሓያል ግን ከኣ ኣዝዩ ውጽኢታዊ ዝኾነ ሜላ ከም ሓሳብ የቕርቡልና" ክብሉ ኣስተምሃሩ።
ቅዱስነቶም ነቶም ኣብቲ ኣውደ ጉባኤ ንእተረኽቡ ምእመናን ድማ ኣብዚ ህይወት እዚ እንረኽቦ ገንዘብ ብዝሑ ብዘየገድስ ድሕሪ ሞት ዋላ ሓንቲ ምሳና ዝተርፍ የልቦን ክብሉ ኣዘኻኸርዎም ። ሞት "ናይ ዓለም ጐይቶት ከም ዘይኮና" ኢዩ ዘዘኻኽረና፣ ከምኡውን "ከም ጓኖትን ነጋድያንን ኴንና ከም እንሓልፍ" ኢዩ ዘረድኣና ።
ቅዱስ ኣቦና ኣስዕብ ኣቢሎም ድማ፣ እዚ ኣስተንትኖ እዚ እቲ "ንፍርሂ ሞት ንምውጋድ" ዚግበር ጻዕሪ ጠንቂ ናይ ህርፋን ገንዘብ ከም ዝኸውን እውን ይሕብረና እዩ ክብሉ ኣመልከቱ።
ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ግና ኣብቲ ብዛዕባ ብዙሕ ምህርቲ ዝደለበ ዓሻ ሰብኣይ ዚገልጽ ምሳልያዊ ዛንታ፣ ሞት ኣብ ዝዀነ ይኹን እዋን ኪመጽእ ከም ዚኽእል ኣርኣየና።
ጥሪት ኪቈጻጸረና ኣይነፍቅደሉ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ "ነቲ እንውንኖ ጥሪት ኽንቈጻጸሮ ንኽእል እኳ እንተ ዀንና፣ መብዛሕትኡ ግዜ ግና ኪቈጻጸረና ይርከብ እዩ!" ብምባል ኣጠንቀቑ ። ወትሩ ዝያዳ ኽንእክብን፣ ንዘሎና ኽንዕቅብን ክንጭነቕ ንኽእል ኢና፣ ኵሉ ጥሪትና ግን "ኣብ ውሽጢ ሐደ ካልኢት ክጠፍእ ይኽእል ኢዩ።"
መብዛሕትኡ ግዜ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ነቲ ሃብቲ ብገዛእ ርእሱ ሓጢኣት ኢዩ ዝብል ዘይኰነስ፣ ብርግጽ ተሓታትነት ኢዩ፣ ዝብል ስብከት ወንጌል ንርስዖ ኢና" በሉ።
ወሲኾም ድማ "እዚ እቲ አብ ጸበባ ዘሎ ክርድኦ ዘይክእል ነገር እዩ ፣ ንብዙሓት ምንጪ በረኸት ኪኸውን ይኽእል ነይሩ እዩ ፣ ኣብ ክንዳኡስ ናብ ሓደ አብ ሕማቕ መገዲ ብዑረት ዝግበር ጉዕዞ ኮይኑ ይርከብ አሎ" በሉ።
ስለዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ "ኣቓልቦ ንግበር፣ ለጋሳት ንኹን፣ ንዅሎም ለጋሳት ንኹን፣ ነቶም ዝያዳ ሓገዝ ዜድልዮም ከኣ ለጋሳት ንኹን " ብምባል ኣስተምህሮኦም ዛዘሙ ።