ር. ሊ. ጳ. ነቲ ኣብ ኢስታንቡል ኣብ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ዝወረደ መጥቃዕቲ ኮነንዎ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ትማሊ ሰንበት ድሕሪ ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር አብ ዘቕረብዎ ቃል ምሕጽንታ፣ ዕጡቓት ሰባት ብረት ኣብ ከተማ ኢስታንቡል ቱርኪ ኣብ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ንዘውረድዎ መጥቃዕቲ ብትሪ ኮኒኖም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ ዝሃብዎ ቃል ምሕጽንታ "ብሰንኪ እቲ ኣብ ኢስታንቡል ዝርከብ ቤተ-ክርስትያን ዘገዳመ ቅድስተ ማርያም ድራፐሪስ ዝወረደ መጥቃዕቲ እተሰምዓኒ ድንጋጸን ሓዘንን እገልጽ፣ ኣብዛ ቤተ-ክርስትያን እዚኣ ኣብ እዋን ቅዳሴ ዕጡቓት ሰብት ኣትዮም መጥቃዕቲ ምስ ኣውረዱሎም ሓደ ሰብ ክመውት እንከሎ ብዙሃት ካልዖት ድማ ብኸቢድ ቆሲሎም ይርከቡ አለው።"
ብፁዕ ኣቡነ ማሲሚልያኖ ፓሊኑሮ ኣብቲ ምስ መራኸቢ ብዙሃን ቫቲካን ዝነበርዎ ቃለመጠይቕ፣ ብዛዕባ እቲ ዘሰንብት ኩነታት መግለጺ ብምሓብ፣ ብድሕሪ እዚ መጥቃዕቲ ንዘሎ ሓቂ ክምርመር ምሕጽንታ ኣቕሪቦም።
ብሰንኪ ሃይማኖታዊ ዘይተጻዋርነት ዝወርድ መጥቃዕቲ ኢዩ ዝመስል
ኣቡነ ፓሊኑሮ ከም ዝገለጽዎ ትማሊ ሰንበት ወጋሕታ ኣብ ከባቢ ኢስታንቡል ኣብ እትርከብ ቤተ-ክርስትያን ደብረ ልደታ ማርያም ተጋቢኦም ዝነበብሩ ምእመናን መሥዋዕተ ቅዳሴ ኢዮም ዘዕርጉ ዝነበሩ ። ብድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሑ ኣብ ኣኮቴተ ቁርባን አብ ዝበጽሑሉ እዋን ክልተ ዕጡቓት ሰባት ናብቲ ቤተክርስቲያን ብምእታው ንላዕሊ ገጾም ክትኩሱ ጀመሩ ።
"ድሕርዚ ሓደ ናይ ኣእምሮ ጸገም ዝነበሮ ምእመን፣ ነዚ ንምቅዋም ትብዓት ስለዝገበረን ምናልባት እውን ገለ ግብረ መልሲ ክገብር ስለዝፈተነ ኢዩ ዝኸውን፣ ነዚ ሰብ እዚ ቀተልዎ ።" ብምባል ወሲኾም ብፁዕነቶም ገሊጾም ።
እዞም ሓዋርያዊ ዓቃቤ-መንበር ንመራኸቢ ብዙሓን ቫቲካን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፣ ጭቡጥ ምኽንያት ናይዚ መጥቃዕቲ "ክሳዕ ሕጂ ኣይተፈልጠን" ከምኡ’ውን "ክሳዕ ሕጂ ኣይተረጋገጸን" ዘሎ ይብሉ።
“ይኹን እምበር እቲ ኽሳዕ ሕጂ ተበጺሑ ዘሎ ግምታት ከም ዝመልክቶ ግን ሃይማኖታዊ ዘይተጻዋርነት ዘስዓቦ መጥቃዕቲ ከም ምዃኑ እዩ ዚሕበር ዘሎ" ድማ በሉ።
ማሕበረሰብ ሰምበደ
"ማሕበረሰብና ከቢድ ስምባደ ኢዩ ወሪድዎ ዘሎ! " ይብሉ ብፁዕነቶም ። ወላ እኳ ነዚ ዘሕዝን ፍጻሜ “ከም ናይ ጸሎት እዋን፣ ናይ ርሕራሔር ምትሕብባርን እዋን፣ ከምኡ ውን ምእንቲ እቲ ዝሞተን እቶም እተጐድኡን ሰባት እንጽልየሉ ግዜ እኳ እንተ ኾነ!” አብ ልቢ ምእመናን ዘይሕከኽ ስንባደ ፈጢሩሎም አሎ” በሉ።
እዞም ሓዋርያዊ መስተናብር ከም ዝገለጽዎ "ከም ክርስትያናዊ ማሕበረሰብ መጠን ንሰበ-ስልጣን ብርሃን ከብርሁን ሓቂ ኽደልዩን ንልምኖ አሎና" ብምባል ጻዊዒት ኣቕሪቦም አለዉ።
ኣቡነ ፓሊኑሮ በቲ እተቐትለ ሰብ ከም ዝሓዘኑን እቶም ምእመናን ካቶሊክ ዝያዳ ድሕንነት ክረኽቡ ኸም ዝጽልዩን ብምግላጽ ዛዘሙ ።
"ዝያዳ ድሕንነትን ውሕስነትን ናይቶም ብእምነት ዝጸንዑን ሓድሓደ እዋን ከአ ኣብ መሥዋዕተ ቅድሴ ንምስታፍ ብትብዓት ነዊሕ ጕዕዞ ተጓዒዞም ንዝመጹን ክርስትያን ማሕበረሰብ ዝያዳ ውሕስነት ክወሃቦም ንልምን አሎ፣" ዳማ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።