ር. ሊ. ጳ. ፦ ንመውስቦኦም ዘይኮነስ ንሰባት ኢና ንባርኽ
ኣባ ተወልደ መብራትህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ትማሊ ዓርቢ ዕለት 26 ጥሪ ኣብቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ ጉዳያት ዓንቀጽ እምነት ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ዘካየዶ ዓመታዊ ሓፈሻዊ ምልኣተ ጉባኤ ኣብ መዛዘሚ መደብ መደረ ኣቕሪቦም ።
ቅዱስነቶም ንላዕለዎት ኣካላት ናይዚ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ስለቲ ዝገበርዎ "ክቡር ዕዮ" ድሕሪ ምምስጋን፣ ኣብቲ ብ2022 እተገብረ ተሓድሶ ኣባይተ ጽሕፈታት ናይ ተኸታሊ ጴጥሮስ ናይ ቀረባ መማኽርቲ (ኩርያ ሮማና)፣ እዚ ቤትጽሕፈት እዚ እውን ኣብ ክልተ ከም ዝተኸፍለ፣ እቲ ሓደ ብዛዕባ ጉዳያት ሰረተ - እምነት ዝግደስ እንክኸውን፣ እቲ ኻልኣይ ከኣ ብዛዕባ ስነምግባራአዊ ጉዳያት ዝግደስ ኮይኑ ከምእተኸፍለ ዘከሩ።
ቅዱስ ኣቦና ከም ዝገለጽዎ እቲ ቐዳማይ ክፍሊ ኣብ ዝምልከቱ ኣርእስትታት ኣልዒሎም ክዛረቡ ከም ዝፈልዩ ድማ ገለጹ፣ ኣብ ዙርያ ሰለስተ ቓላት እተወደበ ሓያሎ ሓሳባት ድማ ኣቕረቡ፣ እዚኣቶም ኸኣ ብዛዕባ 'ምስጢራት' 'ክብሪ ወድሰብ' ከምኡውን 'እምነት' ዚብሉ ሓሳት ኢዮም ዝነበሩ ።
እቲ ሓድሽ ሰነድ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ አብ ዘቕረብዎ መደረ ብመጀመርያ ደረጃ ዝተንከፍዎ ኣርእስቲ ብዛዕባ 'ቅዱሳት ምስጢራት' እዩ ዝነበረ።
ቅዱሳት ምስጢራት ይብሉ ቅዱስነቶም "ንህይወት ቤተ-ክርስትያን ይምግቡን የዕብዩን፣" በዚ ኸምዚ እምበር ብወገን እቶም ዝሰርዕዎምን ዝዕድልዎምን ኣካላት "ፍሉይ ጠንቃቐ" ክግበር የድሊ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም ነዞም ላዕለዎት አካላት ናይዚ ብዛዕባ ዓንቀጽ እምነት ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት “ነዚ ሠናይን ዘድሕን ሓይሊ ዝኾነ ናይ ቅዱሳት ምስጢራት በጃኻትኩም ነፍቕሮን ነኽብሮን፣” ክብሉ ተላበውዎም።
ድሕርዚ ቅዱስነቶም እዚ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ ሰብኣዊ ክብሪ ኣብ ዝምልከት ሰነድ የዳልዉ ምህላው አመልኪቶም ብዛዕባ ክብሪ ወድሰብ ኣስፊሖም ተዛሪቦም።
ከምዚ ድማ በሉ - "ከም ቤተ-ክርስትያን መጠን ምስ ኵሎም እቶም ብዘይ ነጋሪት ኣብ ጭቡጥ መዓልታዊ ናብራ ዝቃለሱ ዘልዉ ከምኡውን ንመሰላት እቶም ዕሽሽ እተባህሉ እተገለሉን ብምጥባቕ ዋጋ ዝኸፍሉ ሰባት ክንቀርቦምን ክንድግፎምን ክሕግዘና ተስፋ እገብር።"
ሎሚ ወንጌል ምእዋጅ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ዘቕረብዎ ሳልሳይ ርእሰ ነገር “እምነት” ዝብል ኣርእስቲ እንክኸውን ኣስፊሖም ዝተዛረቡሉ ጉዳይ ኢዪ ነይሩ ።
ከምዚ ድማ በሉ - "ከምቲ ር. ሊ. ጵ. በነዲክት መበል 16 ዝበልዎ፣ ኣብ ኣብ ዝዓበየ ክፍልታት ዓለምና እምነት ኣብ መዓልታዊ ናብራ ዘየድሊ ረቛሒ ኮይኑ ከም ዘሎ፣ ምንም ክንሓብኦ ዘይንኽእል ንጹር ሓቂ ኢዩ ኮይኑ ዘሎ።"
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣስዒቦም እምነት ብሓቂ መብዛሕትኡ ግዜ "ዝተኸልከለን ዝተገለለን፣ ኣደዳ ላግጽን ጸርፍን ከምኡውን ዘቐራን" ኮይኑ ምህላዉ ኣዘኻኸሩ ።
ስለዚ እቲ ኣብዛ ሎሚ ዘላ ዓለምና እነካይዶ ዘሎና ናይ ስብከተ ወንጌልን ናይ እምነትን ዘተታት ንእተፈላለዩ ረቛሒታት ኣብ ግምት ዘእተወ ክኸውን ከም ዝለዎ ገለጹ ።
ብፍላይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብዛዕባ እቲ "ብዙሕ ብድሆታት ዘለዎ ግን ከኣ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ትርጕም ዘለዎ ሓድሽ ባህልታት ናይ ዝማዕበሉ ከተማታት ህይወት" ከምኡውን ብዛዕባ ኣድላይነት "ተልእኾ ወንጌላዊ ለውጢ ናይ ቤተክርስቲያን መዋቕራት" ከምኡውን ኣብ መወዳእታ "ኬሪግማ [ኣዋጅ ወኡ ስብከት] ኣብ ህይወትን ተልእኾን ቤተ-ክርስትያን ኣገዳሲ ቦታ ኸም ዘለዎ" ገለጹ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ካብዚ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት እዚ እንጽበዮ ሓገዝ ኣብዚ መዳይ እዚ እዩ " ድማ በሉ ።
ጕስነታዊ ቡራኬ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣስዕብ ኣቢሎም "ኣብቲ ብዛዕባ ስብከተ ወንጌል ዝዛረብ ክፍሊ ኣርእስቶም " እዮም ብዛዕባ እቲ አብዚ ቀረባ እዋን ዝወጸ ሓድሽ ኣዋጅ “ስኢል ተአምኖ” ብምጥቃስ ክገልጹ ዝደለዩ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ ዕላማ እቲ ኣብቲ ኣዋጅ ተገሊጹ ዘሎ "ጕስነታውን ኣንደበታውን ቡራኬ፣ ንዅሎም እቶም ኣብ እተፈላለየ ዅነታት ዚርከቡ ዘለዉ ሰባት፣ ነቲ ናይ እምነት ጕዕዞ ክግጅምሩ ዝደልዩ ወይ ውን ጕዕዞ ክቕጽሉ ንዝደልዩ እሞ ሓገዝ ኪወሃቦም ንዚሓትቱ ሰባት ጐይታን ቤተ ክርስትያንን ክሳዕ ክንደይ ቀረባኦም ምዃኖም ብጭቡጥ መገዲ ንምርኣይ እዩ።"
ኣብዚ መዳይ እዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ክልተ ነጥብታት ኣስፊሖም ገሊጾም።
ቀዳማይ "እዚ ቡራኬ እዚ ካብ ዝዀነ ይኹን ሥርዓተ ሊጡርጊያዊ ሃዋህው ወጻኢ ክኸውን ከም ዝለዎን፣ ከምኡ ውን ዝኾነ ይኹን ስነ-ምግባራዊ ፍጽምና ኣቀዲሙ ዝሓትት ከም ዘይኮነንኣይኰነን" ኣመልከቱ።
ካልኣይ "ክልተ መጻምድቲ ሓንደበት ናብ [ሓደ ኣገልጋሊ] ቐሪቦም ኪሓትትዎ ኸለዉ፣ ነቲ መውስቦኦም ኣይኰነን ዚባርኾ ዘሎ፣ የግዳስ ነቶም እቶም ብሓባር ዝሓተትዎ ዘለዉ ሰባት ኢዩ ዝባርክ" ድማ በሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም "እቲ መውስቦኦም ኣይኰነን ዝባረኽ የግዳስ እቶም ሰባት ኢዮም ዝባረኹ፣ ነቲ ኣብ ከባቢኦም ዘሎ ሓሳባትን ስምዒታትን፣ እቶም ሰባት ዝነብረሉ ቦታን ኩነታትን፣ ከምኡውን ነዚ ንምግባር እቲ ዝበለጸ መገድታት ኣብ ግምት ብምእታው ብባህርያዊ መገዲ ኢዩ ክግበር ዘለዎ" ብምባል ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን የመላኽት ።