2024.01.19 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ: ኣብ ክንዲ ዘይምግዳስን ውልትውናን ሓድነትን ስኒትን ዓለምለኻዊ ምግባር 2024.01.19 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ: ኣብ ክንዲ ዘይምግዳስን ውልትውናን ሓድነትን ስኒትን ዓለምለኻዊ ምግባር  (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ: ኣብ ክንዲ ዘይምግዳስን ውልትውናን ሓድነትን ስኒትን ዓለምለኻዊ ምግባር

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ዓለም ለኸ ፈደራላዊ ማሕበር ካቶሊካውያን መናብርተ ጥበብ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልኽቲ፥ መናብርተ ጥበብ ኣብ ምህናጽ ናይ ባህሊ ሰላም ቀንዲ ተዋሳእቲ ክኾና፣ መንገድታት ሓቀይና ሕይወት ከነቓቕሓን ኣብ ምልውዋጥ ዓለምን ኣብ ምግልጋል ሰብኣውነትን እጀታተን በገባብ ወንጌል ዝዓጽፋን "ንቤተ-ክርስትያን ኣብ ምክንኻን ሓባራዊ ቤትና ኣብ መንጎ ወለዶታትን ባህልታትን ዓለም ለኻዊ ቃል ኪዳን ክትሃንጽ ዝሕግዛ ክኾና ይምዕዱ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብዚ ዓቢ ምብትታን ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብ ክንዲ ዘይምግዳስ፡ ውልትውናነትን ግርጭትን፡ ተስፋ፡ ሓድነትን ስኒትን ዓለምለኻዊ ንምግባር ኣንጻር ውሕጅ ዓለም ክንከይድ ድፍረት ክህልወና ኣለዎ።

ነዚ ዝበሉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ቅድሚ ሚእቲ ዓመት ከም ማሕበር ተመስሪቱ ብፒዮስ መበል 11 ዝተባረኸ ኣህጉራዊ ፈደራላዊ ማሕበር ካቶሊካውያን መናብርተ ጥበብ (F.I.U.C.) ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ዘቕረብዎ ዕድመ ክኸውን እንከሎ፣ ኣብቲ ኣብ ኣዳራሽ ጉባኤ ካርዲናላት ነቶም ናይቲ ናይ ፈደራላዊ ማሕበር ካቶሊካውያን መናብርተ ጥበብ ዝውክሉ 150 ልኡካን ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዖ መደረ፥

ካቶሊካውያን መናብርተ ጥበበባትና ንጥቕምና ማለት ስነ-ፍልጠት ቃል ኣምላኽ ከምኡውን ሓቀይና ሰብኣውነት ንምዝራእ ዝተጸውዓ እያተን፡ ስለዚ ድማ አመስግን። እቲ ባህ ዘብል ተልእኾ ካቶሊካውያን መናብርተ ጥበባትና ወትሩ ንቕድሚት ምስጓም ኣይትድከሙ። ኩሉ ግዜ ንቕድሚት: ምስቲ ጽቡቕ ተልእኾ ካቶሊካውያን መናርብተ ጥበብ። መንነት ዝህበን ኑዛዜ እምነት ኣይኮነን: ሓደ መዳይ እምበር እንኮ መግለጺ ኣይኮነን፤ ወዲ ሰብ ክብርታት ከም ዘለዎን ክኽበር ከም ዘለዎን ክንርዳእ ዝገብረና እቲ ንጹር ሰብኣውነት እዩ።

ካቶሊካውያን መናብርተ ጥበብ ኣብ ህንጸት ባህሊ ሰላም ቀንዲ ተዋሳእቲ ክዀና፡ በቲ ዝተፈላለየ ናይ መጽናዕትን ስነ ፍልጠት ክፍልታት እውን ኣቢለን። ንነፍሲ ወከፍ ተግባር ቤተ - ክርስትያን ህያው መግለጺ ፍቕሪ ማለት ኣምላኽ ንሰብ ዘለዎ ፍቕሪ ህያው ዝገብራ" ክዀና ኣድላዪ ምዃኑ ከም ዘጉልሑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ብፍቕሪ እተለዓዕል ሓቂ ንምርካብ ዚግበር ሓባራዊ ጻዕሪ

ኣብዚ ዘመን እዚ "ትምህርቲ ከይተረፈ ብዘሕዝን መልክዑ ንግዳዊ ኮይኑ ዓበይቲ ወጅሂ ዘይብሎም ቁጠባዊ ገንዘብ ከምቲ ኣብ ዕዳጋ ሰብ ብርኪ ዝገብርዎ ኣብ ኣብያተ ትምህርትን መናብርተ ጥበብን ወፍሪ ኣብ ዝገብሩሉ፡ ትምህርትን ህንጸትን መርከቢ እቶትን ንግድን ኣብ ዝኾነሉ ዘሎ እዋን" እተን ጳጳሳውያን መናብርተ ጥበብን ተቕዋማትን "ዝተፈለየያ ባህርይን ሓድሽ ካልእ ስነ መጎትን ዝኽተላን ዘርያን ክኾና ኣለወን” እንክብሉ ተማሕጺኖም።​”

ሓደ ናይ ትምህርቲ ውጥን ኣብ ፍጹም መርሓ ግብሪ ስሉጥ መሳርሒታት ወይ ኣብ ጽቡቕ ናይ ንግዲ ምምሕዳር ዝተመርኰሰ ጥራይ ኣይኰነን። ኣብ መናብርተ ጥበብ ዝያዳ ስምዒት ክለዓዓል ሓቂ ንምርካብ ሓባራዊ ጻዕሪ ምግባር ትርጕም ምርካብ ከምኡውን ልግሲ ፍቕሪ ዝትንከፈሉ ፍልጠት ማሕበረሰብ ዝነብረሉ ክኸውን ኣለዎም።

ሓቀይና ናይ ህይወት መንገድታት ምልዕዓል

ኣብ ካቶሊካውያን መናብርተ ጥበብ ሙያውነትን ሰድቓውነት ምሕደራ ኪዕወት የብሉን . . . "ናይ ትምህርቲ ማዕርጋት ምሃብ እኹል ኣይኰነን፡ ናይ ውድድር ሞያ ንምቕራጽ ኣይኮነን ፍረ ዘለዎ ሞያ ንምርካብ ዘነቓቕሕ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ናይ ምዃን ድሌት ዳግማይ ምብርባር ክንዕቅብን" ተማሕጺኖም ሓቀይና ናይ ህይወት መገድታት ንምድንፋዕ ከምኡውን ኣበርክቶ ኩሉ ሰብ ኣብ መሃዛዊ መዳይ ሕብረተሰብ ንምውህሃድን ዝሕግዛ ክኾና ኣለወን።

ብርግጽ ብዛዕባ ሰብ ሰርሖ ዕደ ጥበባዊ ኣስተውሎ ክንሓስብ የድልየና እዩ፣ ግን ከኣ ብዛዕባ መንፈሳዊ ብልሒ እውን ክንሓስብ ይግባእ፣ ብዘይ እዚ ሰብ ንርእሱ ጓና ኮይኑ እዩ ዝተርፍ። እቲ መናብርተ ጥበብ "ምስ ግዜ ኣብ ምስጉም" ጥራይ ምንባርን ነቲ ዓቢ ሰብኣዊ ድሌታትን ሕልምታትን መንእሰያት ዝውክሎ ሓላፍነት ንምንዋሕ ኣዝዩ ኣገዳሲ ጸጋ እዩ።

ካቶሊካውያን መናብርተ ጥበብ ንዓለም ዕጽዋት ክኾና የብለንን

ቅዱስነቶም ቀጺሎም፥ ናይ ፍራንዝ ካፍካ ሓጻር ዛንታ ጠቒሶም ከምቲ ብዙሕ ግዜ ዘጋጥም፡ "ንሓደጋታት ንምውጋድ፡ ንነብስኻ ብድሕሪ መናድቕ፡ ኣብ ውሑስ ማሕበራዊ ዃሐላ ዕጽው ምዃን ኣብ ዝብል ፈተና ምሕደራ ብምውዳቕ፥ “መናብርተ ጥበብ  ንፍርሒ ከይወሃባን ወይ ንባህላዊ ብድሆታት ዝተሓላለኸ ክውንነት ሕቖና ከይንህብ ዝሕግዛ ክኾና ኣለወን።

ፍርሒ ንነፍሲ ​​የህልኽ። ንመናብርተ ጥበብ ብመናድቕ ፍርሒ ፈጺምኩን ኣይትኸበብዎ። ሓደ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ነቲ ንቡር መናድቕ ናይቶም እንነብረሉ ሕብረተሰባት ዘይማዕርነት: ሰብኣውነት ምጉዳል ፍትሒ: ዘይምጽውዋርን ዘይምግዳስን: ናይ ብዙሓት ውልቃውነት ንምሕያል ዝዓለሙን ኣብ ሕውነት ወፍሪ ዘይገብሩን ቀጥዕታት ንኽስዕባ ኣሕሊፍና ኣይንሃበን!

ወንጌል ዘንጸባርቑ ምርጫታት

ከምኡ'ውን ቃላት ምሁር ሚግል ደ ኡናሙኖ ጠቒሶም "ፍልጠት ምእንቲ ፍልጠት" ኢሰብኣዊ ምዃኑን "ናይ ምልዋጥ ዓቕሚ" ናይቲ ካቶሊካውያን መናብርተ ጥበብ ዘፍርዮ ፍልጠት ምሕሳብ ከምዘድሊ ንምጉላሕ፡ " እንታይን ናይ መንን ” ንምርዳእ ዝሕግዛ ክኾና ኣለወን

ገለልተተይናነት “ኣይምልከተን” ምትላል እዩ። ካቶሊካዊ መናብርተ ጥበብ ምርጫታት ክገብራ ኣለወን፣ ምርጫታት ወንጌል ዘንጸባርቕ መርገጺ ሒዙ ብተግባራቱ ብንጹር ከርእየኦ ኣለወን፡ "ኣጀታትና ዓጺፍና" ኣብ ምልዋጥ ዓለምን ሰብኣውነትን ንምግልጋል ወንጌላዊ ኣገባብ ምንባር!

ቤተ ክርስቲያን ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ኣብ ዘተ ሓግዛ

ኣብ መወዳእታ ፍራንቸስኮ ካቶሊካውያን መናብርተ ጥበብ ስለቲ "ምምሃርን ንማሕበረሰብ ኣብ ምህናጽን" ዝብል ኣገልግሎተን ኣመስገኖም ንቤተ-ክርስትያን ከኣ "ብምኽንያታዊ ምስትውዓልን 'ምኽንያታዊ ተስፋን' ዓሚቝ ትምኒታት ደቅሰብ ንምብራህ" ከምኡውን "ብዛዕባ እቲ ኣብዚ ግዜና ዘሎ ዓበይቲ ጕዳያት ብዘይ ፍርሂ ዘተ ክግበረሉን" ከምኡውን "ንሓድሽ ወለዶታትን ንሓድሽ ግዜያትን ክፉት ዝዀነ ቛንቋ ብባህሊ ንምትርጓም" ሃብቲ ክርስትያናዊ ኣስተንፍሶ ነቲ ሓድሽ ዶባት ኣተሓሳስባን ስነ-ፍልጠትን እደ ጥበብን ንምልላይ ከምኡውን ብሚዛናውን ብጥበብን ንምንባር፡ "ንሓባራዊ ቤትና ኣብ ምክንኻን ኣብ መንጎ ወለዶታትን ባህልታትን ኪዳን ምህናጽ ንኣውያት ምድርን ንብኽያት ድኻታትን ውጽኢታዊ ምላሽ ዚህብ ዘይንጸል ምህዳር ኣብ ምርኣይ" ክሕግዛ ተማሕጺኖም መደረኦም ከም ዘጠቓለሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

20 January 2024, 16:46