ር. ሊ. ጳ. ፦ ቈልዑ ንቍልዕነቶም ክኾንዎ አይትኸልክልዎም
ኣባ ተወልደ መብራህርቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ትምሊ ሰኑይ ንግሆ ዕለት 29 ጥሪ ንኣባላት ናይ ስጳኛ ማሕበር "ንጉሳዊ ክበብ ተጻወቲ ቴኒስ ባርሴሎና" መበል 125 ዓመት ዝኽሪ ምስረታኡ ከም ናይ ስፖርት ክበብ ኣብ ዘኽብሩሉ ዘለዉ ተቐቢሎ ከም ዘዘራረብዎምን ቃለ ማዕዳን ከም ዝለገሱሎምን ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
ቅዱስነቶም ኣብቲ ዝለገሱሎም ቃለ ምዕዳን "ስፖርት ንዕቤት ነፍሲ ወከፍ ሰብን ማሕበረሰብን ዝህቦ ኣጋጣሚታት እንደገና ክገልጽ ብምኽኣለይ ሕጉስ ኢየ፣" በሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብዛዕባ እቲ ዘካይድዎ ስፖርት ብፍላይ እንክገልጹ፣ ተኒስ ብጋንታ ዝጽወት ስፖርት ኣይኮነን፣ ስለዚ ኸኣ "ክንሓስቦ ዘሎና ኣገዳሲ ኩነት ከም ዝህበና " ድማ ገለጹ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ "እቲ ኣብ መንጎ ተጻወትቲ ቴንስ ዘሎ ብድሆ ብቐንዱ ምስቲ ኣብ ልዕሊ እቲ መጋጥምድኻ ንምስዓር ዘሎ ባህጊ እተተሓሓዘ እዩ ዚመስል" ድሕሪ ቢሎም።
ስለዚ እምበር ኣስዒቦም ቅዱስነቶም ታሪኽ እዚ ክበብ ከም ዘርእየና "እቶም መስረቲ እዚ ክበብ ዘርኣይዎ ተበግሶ፣ ነቲ ኻብ ወጻኢ ኺመጽእ ዚኽእል ጽቡቕ ነገር ክፉት ምዃንን ምስ ካልእ ባህልታት ምውሳእን ዜርኢ ኮይኑ፣ እዚ ድማ ሓድሽ ሓቅታት ንኺፈጥሩ ኣኽኢልዎም እዩ።"
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣስዕብ ኣቢሎም ኣብ ጸወታ ቴኒስ ልክዕ ከምቲ ኣብ ህይወት ውን ዝኾነ፣ "ወትሩ ኽንዕወት ኣይንኽእልን ኢና" በሉ፣ እንተዀነ ግን ብሥነስርዓትን ብመሰረት እቲ ሕግታትቱን እንተ ተጻወትና "ጻዕርና ዘይኮነስ እኳ ደአ እቲ ንኸነመሓይሽ ዘኽእለና ናይቲ ብጥበብ እንገብሮ ተዋስኦ ምዃኑ እንተ ተማሂርና ኢዩ" እንክብሉ፣ ከምዚ ዝበለ ኣገባብ ዘበልጽግ ብድሆ ክኸውን ከም ዝኽእል ውን ገለጹ።
"ከምቲ ኣብ ዓውዲ ህይወትና እንኾኖ ሓድሓደ ግዜ ጽምዋ ይስምዓና እዩ፣ ሓድሓደ ግዜ ኸኣ በቶም ምሳና ዚጻወቱ ሰባት ንድገፍ ኢና። ይኹን እምበር 'በይንና' ኽንጻወት ከለና እውን ከይተረፈ ወትሩ ኣብ ቅድሚ እቲ ንኻልኦት ምኽባርን ምርዳእን እንታይ ማለት ምዃኑ ዚምህረና ጐይታ ኢና ዘሎና ክብሉ መዓድዎም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ መደምደምታ መደረኦም እዛ ጋንታ ንኣህጉራውያን ተጻወትቲ ኣብ ምስልጣን ዝገበረቶ ዓብዪ ጻዕሪ ኣጕልሑ ።
"እዚ ዓቢ ብድሆ ኢዩ እንተዀነ ግን ምስዞም ብሉጽ ስፖርታዊ መጻኢ ክህልዎም እንምነየሎም ቈልዑ ክንዓዪ ኸለና፣ እዚ ስልጠናታትም ዝሓቶ ነገራት ካብቲ ዘይነጻጸል ሥነመዕበያኦም ንላዕሊ ክኸውን የብሉን፣ ምኽንያቱ ካብቲ ሰብኣውን መንፈሳውን መዕበያ ንላዕሊ ዘገድስ ነገር የሎን።"
ኣብ መወዳእታ ድማ - "ንቘልዑ ነቶም ኣብዚ እተሓላለኸ ማሕበራዊ ሃዋሁ ካብ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ስፖርት ክጥቀሙ ዝኽእሉን ከምኡውን ነቶም ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ኣብ ዝግበር ውድድራት ክዕወቱ ዝኽእሉ ተኸናኸንዎም። እንተ ኾነ ግን ንቍልዕነቶም ክኾንዎ ኣይትኸልክልዎም!" ክብሉ መደረኦም ዛዘሙ።