ር. ሊ. ጳ. ፦ 'ኣብ ጸሎት እተመስረተ ክርስትያናዊ ጕዕዞ ናብ ሓድነት'
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ትማሊ ሓሙስ ምሸት ኣብቲ ኣብ ክፍለ ከተማ ፎሪ-ለሙራ ዝርከብ ባዚሊካ ቅዱስ ጳውሎስ እተገብረ መድበ ጸሎት ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ቃል አምላኽ "እታ ኢየሱስ ዝመሃራን ዘንጸባረቓን ፍቕሪ ጥራይ ኢያ፣ ንዓና ነቶም ተፈላሊና ዘሎና ክርስትያን ኣብ ንሓድሕድና ከም ዚቀራረብ እትገብረና፣ እዛ ፍቅሪ እዚአ ድማ ናጻ ኣገልግሎት ምሃብ ኢያ፣" ክብሉ አስተምሃሩ።
ኣብ መደምደምታ ናይታ ንጸሎት ክርስትያናዊ ሓድነት እተወፈየት ሰሙን፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ላዕለዎ ሰበስልጣንን ተወከልትን እተፈላለያ ኣብያተ-ክርስትያንን እተላይ እቶም ኣብ ኢጣልያ ዝእከቡ ብጹዕ ሊቀጳጳሳት ፖሊካርፕ ነቶም ናይ ኦርቶዶክሳውያን ናይ ሕብረት ፓትርያርክ ቁስጥንጥንያ ብምውካል አብ እተረኽቡሉ መደብ ጸሎት ዋዜማ ተኻዪዱ።
ከም ምልክት ክርስቲያናዊ ሕብርተት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ከምኡውን ኣንግሊካዊ ሊቀ-ጳጳሳት ጃስቲን ዌልቢ ሊቀ-ጳጳሳት ካንተርበሪን ላእለዋይ መራሒ ኣንግሊካዊት ቤትረክርስቲያንን ከምኡ ውን ብዙሓት ጽምዲ ጳጳሳት ካቶሊክን ኣንግሊካን ኣባኡ ተረኺቦም ነይሮም ።
እዞም ጳጳሳት ኣብቲ ኣብ ሮማን ኣብ ካንተርበሪን እተገብረ "ብሓባር ምዕባይ" ዘርእስቱ ናይ ሕብረት ክርስቲያን ዋዕላ ይሳተፉ ዘለዉ ኢዮም፣ ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ብኣንግሊካዊ ሊቀ-ጳጳሳትን ካንተርበሪን ከኣ "ነቲ ኣምላኽ ኣብ ከባቢታቶም ንቤተ-ክርስትያኑ ዝሓቶ ዘሎ ሓድነት ምምስካር ክቕጽሉ" ሓላፍነት ኣሰከምዎም ።
ፍቕሪ ብጽይ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸኮ ኣብ ስብከቶም ምክፍፋል ካብ ድያብሎስ ደኣ እምበር ካብ ኣምላኽ ከም ዘይመጽእ ኣመልከቱ ።
ብዛዕባ እቲ ኣብ ወንጌል ሉቃስ (10፡ 25-37) ዚርከብ፣ ሓደ ምሁር ሕጊ ንየሱስ ናይ ዘለኣለም ህይወት ንክወርስ እንታይ ኪገብር ቢሎ ከም ዝሓቶ ብምጥቃስ ኣስተንተኑ ።
እቲ ሰብኣይ፣ ነቲ ኢየሱስ ንኣምላኽን ንብጽይካን ምፍቃር ኣድላዪ ምዃኑ ንዝመለሰሉ መልሲ ኣስዕብ ኣቢሉ ከምዚ ክብል ንኢየሱስ ይሓቶ "ብጻየይከ መን እዩ?" ።
ኢየሱስ ናይ ሓቂ ርስትና እዩ
ቅዱስ አቦና ኣስተትንኖኦም ብምቕጻል፣ ብጻይና መን ምዃኑ ኣብ ክንዲ እንሓትት "ከም ብጻይ ኮይነ ዶ እነብርን እገብርን አሎኹ? " ኢልና ክንሓትት ይግባእ፣ ብተወሳኺ ድማ ነፍስ ወከፍ ኣብዛ ምድሪ እዚአ ዘሎ ወድሰብ ሓወይን ሓፍተይን ኢዩ ክብሉ ኣስተምሃሩ ።
ኣስዒቦም ድማ ቅዱስነቶም ንክርስትያን እቲ ብሕታውን ናይ ሓባርን መንፈሳውነቶም ኣብ ጥቕሚ ርእሶም ወይስ ኣብ ሰብኣዊ ሕውነት ከምኡውን ኣብ ሓድነት ኣካል ክርስቶስ እተመስረተ እንተ ዀይኑ ክሓስቡሉ ዕድመ ኣቕርቡሎም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ናብቲ ናይ መጀመርታ ሕቶ ናይቲ መምህር ሕጊ ምልስ ብምባል ንኢየሱስ "ናይ ዘለኣለም ህይወት ንኽወርስ እንታይ ክገብር ኣሎኒ?" ቢሉ ሓተቶ ድሕሪ ቢሎም - ልክዕ ከማኡ ድማ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ እዋን ለውጡ “እንታይ ክገር ጐይታትይ?” ክብል ይሓትት በሉ።
ጳውሎስ ኣብታ ህሞት እቲኣ ኢየሱስ እቲ እንኮ ሓቀይና ርስቱ ምዃኑ ስለ እተገንዘበ፣ ብዛዕባ ምውራስ ዚምልከት ጕዳይ ኣብ ሕቶኡ ኣየእተወን።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ኣምላኽ መዝገብና እንተ ዀይኑ እቲ ናይ ማሕበረ ክርስቲያናዊ መደብ ስጕምትታትና ፍቓድ አምላኽ አብ ምፍጻምን ባህግታቱ ኣብ ምምላእን ዜጠቓልል ኪኸውን ኣለዎ " በሉ ።
ጸሎት ምእንቲ ሓድነትን ሰላምን
እቲ ናብ ክርስትያናዊ ሓድነት ንምብጻሕ እንገብሮ ጻዕሪ፣ ካብ ሓሳባትና ብምርሓቕን ንኣምላኽ ተበግሶ ወሲዱ ንልብና ንኪቕይር ቦታ ብምሃብን፣ ነቲ ናይ ቅዱስ ጳውሎስ ዚመሳሰል መገዲ ኽንስዕብ እንከሎናን ኢዩ ድማ በሉ ።
ቅዱስ ኣቦና "እዚ ኣብ ቅድሜና ዘሎ መገዲ እዩ ፣ ብሓባር ምጕዓዝን ብሓባር ምግልጋልን፣ ልዕሊ ኹሉ ድማ ንጸሎት ቀዳምነት ምሃብን እዩ" ድማ በሉ ። “ከመይሲ ክርስትያን ምእመናን ንኣምላኽን ንብጻይናን አብ ምግልጋል እንተ ዓበና፣ አብ ሕድሕዳዊ ምርድዳእ እውን ክንዓቢ ንኽእል ኢና።"
ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ክርስትያን ናይቲ ቅዱስ ጳውሎስ “እንታይ ክንገብር?” ክብል ናይ ዝሓተቶ ሕቶ መልሲ ኣለዎም፣ ንሱ ድማ ጸሎት ኢዩ ክብሉ ገለጹ ።
ምእንቲ ሓድነት ክርስቲያን ምጽላይ ቅዱስ ሓላፍነት ኢዩ፣ ከመይሲ ምስቲ ልዕሊ ዅሉ ሓድነት ንምርካብ ናብ ኣቦ ዝጸለየ ጐይታ ምሕባር ክንዲ ዝኾነ" ድማ በሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንሕና ክርስትቲያን ምእመናን፣ አብዚ ብሓባር ክንጽሊ ኸለና ውን ብፍላይ ኣብ ዩክረይንን ቅድስቲ ሃገርን ዝግበር ዘሎ ውግእ ከብቅዕን ካብ ምጽላይ ፈጺምና ክንርስዕ የብልናን ክብሉ ተላበው።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ካብድኹም ልማዳትና ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ ንተንስእ እሞ፣ ከም ብሓድሽ ንጕዓዝ፣ ከመይሲ ጐይታ ዝደልዮ ዘሎ 'ዓለም ብኣኡ ምእንቲ ኽትኣምን ኢዩ!' " በሉ።
ኣብቲ ብዛዕባ ሕያዋይ ሳምራዊ ዚገልጽ ምሳልያዊ ዛንታ ፣ኢየሱስ ነቲ እቲ መምህር ሕጊ ዘቕረበሉ ዚኸፋፍል ሕቶ ኣወጊድዎ ኢዩ ድሕሪ ቢሎ ቅዱስ አቦና፣ እቲ ኻህንን እቲ ሌዋውን ነቲ ዝቘሰለ ሰብ ረድኤት ዘይሃቡ ክነሶም ነቲ ሳምራብዊ ግና መናፍቕ ከም ዝዀነ ገይሮም ዝግምርዎ ዝነበሩ፣ ንሱ እቲ ሳምራዊ ግና ሰናይ ገበረ ክብሉ ገለጹ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ "እታ እንኮ ፍቕሪ ሰናይ ንኽትገብር ናብ ሕሉፍ ዘይትጥምት ወይ ውን ኣጻብዓ ዘይተወጣውን፣ ንሳ ኢያ እታ ንኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣብ ቅድሚ ሃይማኖታዊ ህንጻታትና ብስም ኣምላኽ እተቐምጦምን፣ ከምኡን እዛ ፍቕሪ ጥራይ እያ ሓድነት ከም ዚህልወና እትገብር።" ክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ ።