ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ኢራን ኣብ ሰሜናዊ ዒራቕ ዘካየደቶ ደብዳብ ሚሳይላት ኮኒኖም
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
እቶም ግዳያት ናይቲ ተወንጫፊ ሮኬት ዝኾኑ ሰባት "ኵሎም ሰላማውያን ሰባት" ምዃኖም ቅዱስነቶም ኣስሚሮምሉ። "ኣብ መንጎ ጐረባብቲ ጽቡቕ ርክን ዝምድናን ብኸምዚ ዝኣመሰለ ተግባራት ዘይኰነስ ብዘተን ምትሕብባርን እዩ ዝፍጠር። ኩሉ ሰብ ካብቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ኣብ ካልእ ኵነታት ውግእን ዘሎ ወጥሪ ካብ ዘጋድድ ዝዀነ ይኹን ምንቅስቓሳት ክቑጠብ እሓትት፣" ክብሉ ተማሕጺኖም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናይታ ሚሳይላት ዝደርበየት ኢራን ስም ኣይጠቐሱን ። ኤርቢል ርእሲ ኸተማ ናይቲ ኣብ ሰሜናዊ ዒራቕ ዝርከብ ርእሰ ምሕዱር ዝኾነ ዞባ ኩርዲስታን ኢያ ። እተን ተወንጨፍቲ ሮኬታት ኣብ ጥቓ እቲ አብ ህንጸት ዘሎ ቆንስል ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዝወደቐ ኮይኑ፣ ብውሑዱ ኣርባዕተ ሰላማውያን ሰባት ቀቲሉ ይርከብ አሎ ።
ቅድሚ ኽልተ ሰሙን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ናብ ኢራን ናይ ሓዘን ቴሌግራም ብምልኣኽ ነቲ በቲ “እስላማዊ መንግስቲ” ኣብ ደቡብ እታ ሃገር አብ ዝርከብ ከርማን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ከም ዘሕዘኖም ገሊጾም። ኣብቲ መጥቃዕቲ ልዕሊ 80 ሰባት ተቐቲሎም ። ኢራን ነቲ ኣብ ኤርቢል እተፈነወ መጥቃዕቲ ሚሳይላት ሕነ ምፍዳይ ናይዚ መጥቃዕቲ ኸም ምኻኑ ትገልጽ አላ ። ኣብ ዝሓለፈ ሕዳር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ርእሰ-ብሔር ኢራን ራይሲ ብዛዕባ እቲ እስራኤል ምስ ሓማስ ተካይዶ ዘላ ውግእን ኣብቲ ኸባቢ ዘሎ ዅነታትን ከም ዝተዘራረቡ ዝዝከር ኢዩ።
ቅድስቲ መንበር ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዛ ምስ ኢራን ምሉእ ስነሜልያዊ ክልኤኣዊ ርክብ ከም ዘለዋ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ቀቅድሚ በዓል ልደት ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ተህራን ሓድሽ ልኡከ መንግስቲ ኮይኖም ዝተላእኩ ናይ ሽመት ደብናቤኦም ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዘቕረቡ ይዝከ።