ር. ሊ. ጳ. ፦ ቅዱሳን ምንጪ ሓድነት እዮም
ኣብ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ዓመታዊ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም ካብ ፊንላንድ ናብ ሃገረ ቫቲካን ዝመጹ ካቶሊካውያንን ከኒሻን ኦርቶዶክሳውያንን ወከልቲ ሕብረት አብያተ ክርስቲያን ሓንጐፋይ ኢሎም ተቐበልዎም ።
ኣብዛ ዓመት እዚኣ ውን ኸምቲ ወትሩ ኣብታ ምእንቲ ክርስትያናዊ ሓድነት መደብ ጸሎትን ምህለላን ዝካየደላ ሰሙን ዝገብርዎ ምብጻሕን ህያባት ምልውዋጥን ሓባራዊ ምስተንትኖታትን ዜጠቓልል እዩ ዝነበረ ።
ቅዱሳን ምንጪ ሓድነት ኢዮም
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም ወንጌላዊ ሉተራን ጳጳስ ኦስትራልድ ስለቲ ዘቕረቡሎም ኣስተንትኖን ስለቲ "ምስክርነት ቅዱሳን ብምጥቃሶምን ከምኡ ውን ስለዚ ሰፊሕ ኤቁመናዊ መንፈሶም ” ብምጥቃስ ካብ ልቢ ብዝነቐለ ምስጋና ጀመርዎ።
"ገለ ግዜ ኔሩ ኣኽብሮት ቕዱሳን ኣብ ክንዲ ምንጪ ሓድነት ዝኸውን ምንጪ ምፍልላይ ኰይኑሉ ዝነበረ ግዜ" እንክብሉ ዝተሰምዖም ሓጐስ ብምግላጽ "ንኣምላኽ ኣመስገኖ" በሉ ቅዱስነቶም ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዘመልከትዎ እዞም ወከልቲ ሕብረት ኣብያተ ክርስቲያን ፊንላንድ "ገለ ኻብቶም ሰሜናዊ ክፍለ ዓለም ዝኾኑ ዓበይቲ ቅዱሳን ከም እኒ - ቢርጂታ፡ ሄንሪክ ከምኡ እን ኦላቭ " ከም ዝጠቐሱ ገለጹ፣ እዚ ኸኣ " እቲ አብ ዝመጽእ 2030 ዓመተ ምሕረት መበል ሽሕ ዓመት ዝኽሪ ዕረፍቲ ቅዱስ ኦላቭ ነቲ ምእትንቲ ሓድነት ክርስትና እንገብሮ ጸሎትን ነቲ ብሕብረት እንገብሮ ጉዕዞን ከነቓቕሕን ከዕምቖን ዝኽእል ክንዲ ዝኾነ፣ እዚ ነቲ መላእ ኤቁመናዊ ምንቅስቓስ ውህበት ዝኸውን ኢዩ" ክብሉ ዘለዎም ርእይቶ ኣመልከቱ።
አብ ንግደት ዘላ ቤተ ክርስትያን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ በቲ ኣቡነ ኦስትራንድ ብዛዕባ "ኣገዳስነት ጕዕዞን" ከምኡውን ብዛዕባ "እታ አብ ንግደታ ዘላ ቤተ-ክርስትያን " ኣመልኪቶም ብዝገብርዎ ኣስተንትኖ ከም እተተንከፉ ገለጹ።
ቅዱስነቶም አብ መደረኦም "ኣባላት ማሕበር እተጠምቍ ከም ምዃንና መጠን ኢየሱስ ክርስቶስ ከም ሓባራዊ ሸቶና ጌርና ብሓቂ ኣብ ጕዕዞ ኢና ዘለና" በሉ።
"ጐይታና ብምሕረቱ ኺበጽሓና ወሪዱ እዩ እሞ፣ እዚ ሸቶ እዚ ርሑቕ ወይ ኪብጻሕ ዘይከኣል ኣይኰነን" ድማ በሉ ።
ኣስዒቦም ድማ ቅዱስነቶ "ኣብ መንጎ እቲ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዜጋጥመና መስቀላዊ መገድታትን ናይ ሓሶት መገድታትን ብደሓን ምእንቲ ኽንጐዓዝ ስጋና ለቢሱ ናባና ብምቕራብ መገዲ ገበረልና።" ክብሉ አስተምህሩ።
ድኻታትን እተረስዑን ሰባት ዘለዎም ኣረኣእያ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዕብ ኣቢሎም ነቶም ተወከልቲ ሕብረት ክርስቲያን ፊንላንድ ስለቲ ምሳኦም ክራኸቡ ምኽኣሎም ኣመስገንዎም ከምዚ ድማ በሉ - "እዚ ምሳኻትኩም ዝግበር ኣኼባ ኣብ ማእከል ናይ እዛ ሕጂ ምእንቲ ክርስትያናዊ ሓድነት ጸሎትን ምሕለላን ዝካየደላ ሰሙን ህያው ምልክት ኢዩ።"
ወሲኾም ድማ "እዚ ዓመታዊ ኤቁመናዊ ምርኻብ ከም ዝዕምብብን ከም ዘስፋሕፍሕን ነረጋግጽ" በሉ።
ቅዱስ ኣቦና እዚ ምርኻብ እዚ ብፍላይ ኣብዛ ሰሙን እዚኣ ኣድላዪ ምዃኑ ኣጕሊሖም - "ነቶም ብኣምላኽ እተረስዑ ዀይኑ ዝስምዖም ወይ ካብ መገዲ እምነትን ተስፋን ዝጠፍኡ እውን ሓዊስካ ንድኻታትን እተገለሉን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ሓንጐፋይ ኢልና ንቕበሎም ። " ክብሉ ቃለ ምዕዳን አመሓላለፉሎም።
ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም ተጋባቲ ነፍሲ ወከፎም በብቋንቋኦም ንጸሎት ጐይታና “ኣቦና አብ ሰመይ እትነብር!” ብሓባር ንኽጽልዩ ብምዕዳም መደረኦም ዛዘሙ ።