ድለ

2024.01.04 ፍራንቸስኮ፡ ውጉኣት ከተማታትና ዝፍውስ ቅብኣ ሕውነት የድልዮም 2024.01.04 ፍራንቸስኮ፡ ውጉኣት ከተማታትና ዝፍውስ ቅብኣ ሕውነት የድልዮም  (Vatican Media)

ፍራንቸስኮ፡ ውጉኣት ከተማታትና ዝፍውስ ቅብኣ ሕውነት የድልዮም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ምስ ኣብ ከተማታት ንምግልጋል ውፉይ ዝኾነ ፈረንሳዊ ማሕበር ልኡካነ ወንጌል ሕውነት ዕለት 4 ጥሪ ተቐቢሎም፣ ንለውሃትን ርህራሄን ኣምላኽ ናብ ህላወኣዊ ወሰናስን ከተማታት ንምቕራብ ዝገብርዎ ጻዕሪ ከም ዝነኣዱ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ነቲ ዋና መንበሩ ኣብ ፈረንሳ ናይ ዝኾነ ማሕበር ልኡካነ ወንጌል ሕውነት ከተማታት ኣባላት ናብ ሮማ መንፈሳዊ ንግደት ኣብ ዝገብሩሉ ዘለውሉ እዋን፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 4 ጥሪ ኣብ ቫቲካን ተቐቢሎም፥ እቶም ልኡካነ ወንጌል ኣብ ዝተገለሉን ትሑት ዕድል ኣብ ዘለዎምን ክፋላት ከተማታት ንዝርከቡ ሰባት ዘገልግሉን ኣብ ወሰን ሕብረተሰብ ንዝርከቡ ሰባት ድማ ጉስነትን መልእኽቲ ወንጌልን ንምብጻሕ ዝጽዕሩ ምዃኖም ብምዝኽካር እቶም ኣባላት ሕውነት ኣብነት ቅዱሳን ጴጥሮስን ጳውሎስን ተጠቒሞም ቅንኣት ንተልኾ ወንጌል ዳግማይ ከበራብሩ ሓደራ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ንህላወኣዊ ወሰናስን ሕብረተሰብ ምግልጋል

ር.ሊ.ጳ. ነቲ “ናይቲ እዋን ድኻ ቦታ፣ ወሰናስን፣ ከባቢ ከተማ” ዝገልጽ እዩ ዝበልዎ ናይ ልደት ትርኢት ክዕዘቡ ኣተሓሳሲቦም። እቶም ጓሶት ሕማቕ ስም ዝነበሮም ዝተገለሉ ጉጅለ ምዃኖም ኣስተብሂሎም፣ ኣምላኽ ግን መጀመርታ ወንጌል ድሕነት ከበስረሎም ዝሓረዮም ምዃኖም ኣረጋጊጾም፡ “ድኻታት እዮም ግን ከኣ ክፉት ልቢ ዘለዎም” ዝበሉ ቅዱስነቶም እዚ ተመክሮ ናይ ልኡካነ ወንጌል ሕውነት ከተማታት ምዃኑ ሓቢሮም።

“ርሑቕ ክትከይድ ኣየድልን እዩ፣ ኣብ ኣገልግሎትኩም ኣብ ማእከል ከተማታት ግን ከኣ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ወሰናስን ዝርከብ፣ ኣብ ከባቢኹም፣ ኣብ ኩርናዕ ጎደናታት ወሰናት ሕብረተሰባትና ህላወ እትረኽቡ ኩኑ፥ ምስ በሉ ኣስዒቦም፥፥ ተልእኾኹም ከምቲ ንጓሶት ዝተኣወጀ ሓጎስ ዝመልኦ ብስራት ናብ ነበርቲ ከተማታት ምብጻሕ እዩ” ኣብ መዓልታዊ ህይወት እቶም ዝተገለሉ ሰባት ንምስታፍ እቲ ውሕስነት ከም ዘሎና ክስምዓና ዝገብር ኩሉ ንኽክገድፍ ክንፈርሕ የብልናን ኢሎም፥ "ካብኣቶም'ውን ብዙሓት ክፉት ልቢ ስለዘለዎም፡ ከይፈለጡ፡ ነቲ ዘሐጉስ ኣዋጅ ዝጽበዩ እዮም" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ፣

ሕውነት ‘መባኹዕቲ ሰላም’ ኢዩ።

ፍራንቸስኮ ቀጺሎም ነቶም ልኡካነ ወንጌል ኣብቲ ዘገልግልሉ ከባቢታት ሕውነትን ክፉትነትን ከስርጹ ዓዲሞም፥ "ሕውነት ንወሰናስን ዘድልዮም ማይ ብሑቝ ሰላም እዩ: ነፍሲ ወከፍ ሰብ ከም ዘለዎ፡ ኣብ ዘለዎ ቦታ ተቐባልነት ክስምዖ ዝኽእሎ እዩ።” ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ማሕበራዊ ኩነታት እውን እንተሃለወ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ህላወ ኢየሱስ ኣጉሊሖም፡ ነቶም ልኡካነ ወንጌል “ህላወ ሓደ ርህሩህ ኣምላኽ፡ ብኣካላዊ ምንቅስቓሳትኩም፡ ብቓላትኩም፡ ብተራን ገርሀይናን ህላወኹም ክዋሳእ ዝደሊ ኣምላኽ ከተርእዩ” እምሕጸን። ኣምላኽ ኩሉ ግዜ ትዕግስቲ ከም ዘለዎን፡ ብናህሪ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ከም ዝንቀሳቐስን፡ ኣብ ኩሉ ቁስልናን ቁጥዐናን ዓመጽናን ከም ዝበጽሕ እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ብጽልኢ ኣብ ዝልለይ መዳያት ለውሃት ኣምላኽ ምቕራብ

ኣብ መደምደምታ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቶም ልኡካነ ወንጌል ዘገልግሉለን ከተማታት መብዛሕትኡ ግዜ “ብዓመጽን ዘይምግዳስን ጽልእን” ዝቖሰለ ምዃኑ ኣስተብሂሎም፡ “ንመብዛሕትኡ ግዜ ክብርን ፍቕርን ዝተሓረሙ ሰባት ቅርበትን ርህራሄን ለውሃትን ኣምላኽ ከተብጽሑ ትብዓት ዝሓትት ኣገዳሲ ተልእኾ ኣለኩም” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

04 January 2024, 16:45