ር.ሊ.ጳ. ኣብ ቅድስቲ መሬት ውግእ፦ ብዘይ ቅዋመ ክልተ ሃገራት ሓቀይና ሰላም ኣይክህሉን እዩ! ር.ሊ.ጳ. ኣብ ቅድስቲ መሬት ውግእ፦ ብዘይ ቅዋመ ክልተ ሃገራት ሓቀይና ሰላም ኣይክህሉን እዩ!  (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ቅድስቲ መሬት ውግእ፦ ብዘይ ቅዋመ ክልተ ሃገራት ሓቀይና ሰላም ኣይክህሉን እዩ!

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ‘ላ ስታምፓ’ ምስ እተሰምየ ናይ ኢጣሊያ ዕለታዊ ጋዜጣ ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መሕትት፡ ዓለም ኣብ ኣፍደገ ዓዘቕቲ ከምዘላ ብምጥንቃቕ፡ ዓለምለኸ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ውሳኔ ክህሉ ዘቕረብዎ ጻውዒት የሐድሱ፡ ከምኡ እውን ኣብዚ ቀረባ እዋን ‘ስኢል ተኣምኖተ’ ዝብል ኣዋጅ ንምግምማዕ ዘይኮነስ ንምቕራብ ዝዓለመ ምዃኑ ይገልጹ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብዛዕባ እስራኤልን - ፍልስጥኤምን ጉዳይ "እቲ ብስምምዕ ኦስሎ ዝፍለጥ ናይ ሰላም ሰነድ ንጹር እዩ፥ ንሱ ኸኣ ቅዋሜ ክልተ ጎረባብቲ ሃገራት ዝብል መፍትሒ ዘቕርብ እዩ። እቲ ስምምዕ ክሳብ ኣብ ግብሪ ዘይወዓለ ግና፡ ሓቀይና ሰላም እናረሓቐ እዩ ዝኸይድ።” እዚ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቅድስቲ መሬት ዘጋጠመ ፍጻመታት፡ ድሕሪ መጥቃዕቲ ሓማስን ንከተማታት ወሽመጥ ቓዛን ዘዕኑ ዘሎ ኲናትን ዝምልከት ንዝቐረበሎም ሕቶ ኣብ ዝሃብዎ መልሲ ክኸውን እንከሎ፡ ብዛዕባ እቲ ዝቕጽል ዘሎ ብዙሕ ግጭታት ክዛረቡ እንከለዉ፡ ዘተ ናብ ሰላማዊ መጻኢ ዝወስድ እንኮ መንገዲ ምዃኑ ዘለዎም እምነት ይገልጹ። ሓቀይና ፍታሕ ካብ ዘተ እዩ እንክብሉ ብኣጽንዖት ኣተሓሳሲቦም፥ ኩሎም ወገናት "ብቕልጡፍ ነቲ ቦምባታትን ሚሳይላትን ደው ከብሉን ኣብ ኩሉ ቦታታት ዘሎ ተጻብኦታት ከብቅዕን ኣብ ኣፍደገ ዓዘቕቲ ኢና ዘሎና ስለዚ "ዓለማዊ ተኹሲ ደው ናይ  ምባል ውሳኔ ክግበር ጻውዒት የቕርቡ።

ተስፋ ቅድስቲ መሬትን ዩክሬይንን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኲናት "ፍትሓዊ" ዝብል ኣመለኻኽታ ከም ዝቃወምዎም ገሊጾም፥ ውግእ መጋበርያ ፍትሒ እውን ከም ዘይኮነ ኣብሪሆም፡ ንነብስኻ ምክልኻል ሕጋዊ እኳ እንተኾነ "ኩሉ ግዜ ጌጋ ዝኾነ ውግኣት ከም መመኽነዪ ኣናገበርካ ንምቕራብ ሓደጋ ዘቃልዕ እዩ። ዳርጋ ኩሉ ክበሃል ይከኣል እቲ ኣብ ዓለም ዝካየዱ ዘለዉ ውግኣት ካብዚ መትከል እዚ ዝረሓቐ እዩ።

ነቲ ኣብ መግኖ ኣስራኤልን ሓማስ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ኣብ ግምት ብምእታው እዚ ግጭት እዚ ኣብ መላእ ማእከላይ ምብራቕ ወተሃደራዊ ምዕባለ ከፈጥር ከም ዝእኽል ዘለዎም ስግኣት ገሊጾም፥ ከምዚ ከክየውን ድማ ኣብ ስምምዕ ንምብጻሕ ስቱር ርክባት ይካየድ ኣሎ እዚ ድሮ ንዕርቂ ጽቡቕ ውጽኢት ዘለዎ ክኸውን ከም ዝኽእል” እምነቶም ይገልጹ።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብዚ ስነ መላዊ ክሌኣዊ ርክባት እዚ ኣብ ኢየሩሳሌም ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሊቀ ጳጳሳት ካርዲናል ፒየርባቲስታ ፒዛባላ "ጽቡቕ ምንቅስቓስ ይገብሩ ኣለዉ። ክሽምግሉ ዝፍትኑ ዘለዉ ናይ ብሓቂ ውሳኒ ሰብ እዮም።” እንክብሉ ይገልጽዎም።

መዓልታዊ ምስ ካቶሊካዊት ቁምስና ቅድስቲ ስድራ ቤት ኣብ ቓዛ ብምስማዐ ርእየት ኣገባብ ከም ዝራኸቡ ብምግላጽ፡ "ሓርነት እቶም ጅሆ ዝተታሓዙ እስራኤላውያን" ቀዳምነት ዝወሃቦ ዝክረ ነገር ምዃኑ ምስ ገለጹ

ብዛዕባ ዩክሬን ብዝምልከት ነቶም ናይ ኢጣሊያ ጉባኤ ጳጳሳት ኣቦ መንበር ካርዲናል ማቴዮ ዙፒ ዝሃብዎም ዕማም ዘኪሮም፡ "ቅድስቲ መንበር ምልውዋጥ እሱራትን ምምላስ በርገሳውያን ዩክሬንን ንምሽምጋል ትጽዕር ኣላ . . . ብፍላይ ምስ ኣብ ሩሲያ ዛዕባ መሰላት ህጻናት ናይ ዝከታተል ሽማግለ ኣደ መንበር ማርያ ሎቫ-ቤሎቫ እቶም ብሓይሊ ናብ ሩስያ ዝተወስዱ ህጻናት ዩክሬን ናብ ሃገሮም ንምምላስ ትሰርሕ ኣላ። ድሮ ገሊኦም ናብ ስድራቤቶም ዝተመስሉ ድማ ኣለዉ" ኢሎም።

'ስኢል ተኣምኖ' ምንጻል ዘወግድ ውሳኔ እዩ

ነቲ ኣብ ዘይስሩዕ ወይ ተመሳሳሊ ጾታዊ ጽምዶ ንዝርከቡ ሰባት ቡራኬ ክወሃብ ዘፍቅድ ኣዋጅ ‘ስኢል ተኣምኖ’ ብምጥቃስ፡ ኣብቲ ቃለ መሕትት "ክርስቶስ ንኹሉ ይጽውዖ" ክብሉ ብምዝኽካር፡ "ወንጌል ንቕድስና ኩሉ እዩ። ብርግጽ ሰናይ ድሌት ግን ክህሉ ኣለዎ። ብዛዕባ ክርስትያናዊ ሕይወት ድማ ንጹር መምርሒ ምሃብ የድሊ (እቲ ዝባረኽ ሕብረት ዘይኮነስ እቶም ሰባም ምዃኑ ኣስሚሮም የዘኻኽሩ።) ኩላትና ግን ሓጥኣን ኢና: ናብ ቤተ ክርስቲያን ክኣትዉ ዝኽእሉ ዝርዝር ሓጥኣንን ናብ ቤተ ክርስቲያን ክኣትዉ ዘይክእሉ ዝርዝር ሓጥኣን ስለምታይ እዩ ክህልወና ዘለዎ? እዚ ወንጌላዊ ኣይኮነን" እንክብሉ ምስ ገለጹ ኣስዒቦም ኣብ ልዕሊ እቲ ሰነድ ዝቐርብ ዘሎ ነቐፌታታት ብዝምልከት "እቶም ብትሪ ዝቃወሙ ኣካል ናይ ንኣሽቱ ርየተ - ዓለማዊ ጉጅለታት ምዃኖም" የመልክቱ።

እቲ ናይ ኣፍሪቃ ቤተክርስትያን ጉዳይ "ፍሉይ ጉዳይ" እንክብል ይገልጽዎ፡ ምኽንያቱ "ንዓኣቶም ሓደኣዊ ጾታዊ ስምዒትን ርክብን ብዓይኒ ባህሊ 'ጽዩፍ' ነገር እዩ፤ ኣይጻወርዎን እዮም፡ ይኹን እምበር በብቑሩብ ኩሉ ሰብ ብዛዕባ መንፈስ ናይቲ ኣዋጅ ክርድኦም ክትግብርዎን ከምዝኾነ እኣምን . . . እዚ ድማ "ንምንጻል ወይ ንምርሓቕ ዘይኮነ ንምጽንባር ዝዓለመ እዩ። ንሰባት ሓንጐፋይ ኢልና ኽንቅበሎምን ሕድሪ ኽንህቦምን ኣብ ኣምላኽ ክንውከልን እዩ ዚዕድመና።"

ር.ሊ.ጳ. ሓድሓደ ግዜ በይኖም ከም ዝስምዖም ተኣሚኖም፡ "ግን ሕጂ'ውን ኩሉ ግዜ ንቕድሚት ኣብ ምባል ይጽዕር ኣለኹ፡ መዓልቲ መዓልቲ ብዘይ ምቁራጽ" ቢሎም ምግምማዕ ከም ዘየፍርሖም ድማ ይሕቡሩ።

"ኣብ ቤተ-ክርስትያን ወትሩ ናይ ምፍንጫል ባህሪ ዘንጸባርቑ ንኣሽቱ ጕጅለታት ነይሮም ኢዮም። ክቕጽሉን ክሓልፉን ክትገድፎም ኣለካ... ንቕድሚት እናጠመትካ ግና" እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ይዛዝሙ።

29 January 2024, 15:08