ናይ ር.ሊ.ጳ. ናይ ጸሎት ሓሳብ ኣብ ወርሒ ጥሪ፥ ንህያብ ብዙሕነት ኣብ ቤተ ክርስቲያን
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
“መንፈስ ቅዱስ ኣብ ውሽጢ ክርስትያናዊ ማሕበረሰባት ዘሎ ህያባት ዝተፈላለየ መንፈሳዊ ጸጋታት ንኽንፈልጥን ኣብ ውሽጢ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ስርዓታዊ ትውፊታት ዘሎ ሃብትታት ንኽንረክብ ክሕግዘና ብሓባር ንጸሊ።!”
ሓድሽ ዓመት ክጅመር እንከሎ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ኣብዛ ካብ ዕለት 18 – 25 ጥሪ ምእንቲ ንሓድነት ክርስቲያን ጸሎት ዝካየደሉ ቅነ እተጠቓልል ወርሒ ጥሪ ብዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልኽቲ ኣቢሎም ኣብ ዘቕረብዎ ናይ ጸሎት ሓሳብ፥ ብዙሕነት “ንሓሴት” ኣጋጣሚ ስለዝኾነ፡ ክርስትያን ኣብቲ ቅድስነቶም ዘቕርብዎ “ንህያብ ብዙሕነት ኣብ ቤተ ክርስቲያን” ዝብል ናይ ጸሎት ሓሳብ ክሓብሩ የተሓሳስቡ።
ኣብቶም ቀዳሞት ክርስትያን ማሕበረሰባት ድሮ ብዙሕነትን ሓድነትን ከም ዝነበረ ዘመልከቱ ቅዱስነቶም እቲ ብዙሕነት ዘምጽኦ ወጥሪ እውን “ብዝለዓለ ደረጃ ክፍታሕ ከም ዝነበሮ” ነስተውዕል።
ህያብ እግዚኣብሔር ንቤተ ክርስቲያን
ይኹን እምበር ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዘሎ ብዙሕነት ዝተፈላለየ ክርስቲያናዊ እምነት ዘለዎም ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዘጠቓልል እዩ ቢሎም፥ "ኣብ ጉዕዞ እምነት ንቕድሚት ንምስጓም ምስ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ካልኦት ኣቢያተ ክርስትያን ስዓብትን ኤቑመናዊ ዘተ (ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ንሓድነት ኣሚቱ ዝግበር ዘተ) የድልየና እዩ" ኢሎም። “እዚ ዘደናግር ወይ ዘሰክፍ ነገር ኣይኮነን፣ እንታይ ደኣ ምእንቲ ከም ሓደ ኣካል ማለት ኣካል ክርስቶስ ንኽንዓቢ እግዚኣብሔር ንማሕበረሰብ ክርስትያን ዝህቦ ህያብ እዩ።”
ኣብዚ ድማ ፍራንቸስኮ ኣብ ውሽጢ ምብራቓውያን ኣብያተ ክርስቲያናት ምስ ሮማ ሕብረት ዘለወን ብዙሕነት ስርዓታት ከም ኣብነት የቕርቡ።
“ናይ ገዛእ ርእሶም ትውፊት፡ ናይ ገዛእ ርእሶም ባህርያዊ ስርዓተ ቅዳሴ ኣለዎም፡" እንተዀነ ግን ሓድነት እምነት ይዕቅቡ፡ ነቲ ሓድነት የበርትዕዋ ደኣ እምበር ኣይገማምዕዎን እዮም።"
ብመንፈስ ቅዱስ ዝተጠርነፈ
ኣብ መደምደምታ ቅዱስ ኣቦና ኩሉ ክርስቲያናዊ ሓድነት ከም ውህበት መንፈስ ቅዱስ ኮይኑ ከም ዝመጽእ ኣዘኻኺሮም፡ "ብመንፈስ ቅዱስ እንድኣ ተመሪሕና ፍድፋድ ህያባትን፡ ብዙሕነትን ፈጺሙ ግርጭት ኣየስዕብን። መንፈስ ቅዱስ ብቐዳምነትን ልዕሊ ኩሉን ብእግዚኣብሔር ዝተፈቐርና ውላዱ ምዃንና የዘኻኽረና - ኩሉ ሰብ ብፍቕሪ ኣምላኽ ማዕረ፡ ኩሉ ድማ ዝተፈላለየ እዩ።”
“መንፈስ ቅዱስ ኣብ ውሽጢ ክርስትያናዊ ማሕበረሰባት ዘሎ ህያባት ዝተፈላለየ መንፈሳዊ ጸጋታት ንኽንፈልጥን ኣብ ውሽጢ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ስርዓታዊ ትውፊታት ዘሎ ሃብትታት ንኽንረክብ ክሕግዘና ብሓባር ንጸሊ።!”
መስቀል ከም ምልክት ክርስትያናዊ ሓድነት ኣብ ብዙሕነት
ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ዝቐርብ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ጸሎት ሓሳብ ብምስማዐ ርእየት ኣገባብ ኣዳልዩ ዝዝርግሕ ናይ ር.ሊ.ጳ. ዓለም ሓቆፍ ጸሎት መረብታዊ ማሕበር፥ ናይ ወርሒ ጥሪ ናይ ጸሎት ሓሳብ ብወግዒ ንምቕራብ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፥ “ምእንቲ ሓድነት ዝግበር ጸሎት ካብ ዝኾነ ይኹን ውፉይነት ዝዛይድ እዩ . . . ብሓጺሩ ኩሎም ክርስትያን ናይ እምነቶም ቃለ ኑዛዜን ትውፊቶምን ስርዓቶምን ብዘየገድስ ደው ዝበልሉ ናይ ፍቕሪ ምስጢር እዩ” ይብል።