2024.01.19 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ርእሰ ብሔር ካዛኪስታን ተራኺቦም 2024.01.19 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ርእሰ ብሔር ካዛኪስታን ተራኺቦም  (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ርእሰ ብሔር ካዛኪስታን ተራኺቦም

ዕለት 19 ጥሪ ር.ሊ.ጳ. ፍርንቸስኮ ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ምስ ዝኣተዉ ናይ ካዛኪስታን ርእሰ ብሔር ካሲም-ጆማርት ቶካየቭ ከም እተራኸቡን፥ ዛዕባ ኣገዳስነት "ኣብ ዓለም ሰላምን ምርግጋእን ንምድንፋዕ ህጹጽ ተወፋይነት" የተሓሳስቡ

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 19 ጥሪ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ንወግዓዊ ምብጻሕ ንዝኣተዉ ናይ ሪፓብሊካዊት ካዛኪስታን ርእሰ ብሔር ካሲም-ጆማርት ቶካየቭ ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡን፡ ርእሰ ብሔር ቶካየቭ ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ድሕሪ ዘካየድዎ ርክብ ብናይ ቅድስቲ መንበር ጉዳያት ወጻኢ ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋላገር ምስ ዝተሰነዩ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ከም እተራኸቡ

ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ፥ እቲ ዘተ "ልባዊ" ምንባሩን "ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበርን ካዛኪስታንን ዘሎ እወታዊ ክሌኣዊ ዝምድናታት” ሞሳዊ ኣፍልጦ ዝሃበ ምንባሩ ይሕብር።

ብፍላይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ሃገረ ካዛኪስታን ርእሰ ብሔር ቶካየቭን "ኣብ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዘተን  ሓድሕዳዊ ምትሕብባርን" መሰረታዊ ጉዳይ ምዃኑን "ኣመንቲ ኣብ ህይወት ሃገር ንጥቕሚ ሓባራዊ ረብሓ ዝድግፍ ንጡፍ ተራ እናወሰኸ ክኸይድ ዘለዎም ተስፋ” ከም ዘስመሩሉን ኣመላኺቱ፡ “ኣብ ዓለም ሰላምን ምርግጋእን ንምድንፋዕ ህጹጽ ተወፋይነት ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ኣገዳስነቱ ብምጥቃስ፡ ንግርጭታትን ሰብኣዊ ጉዳያትን ፍሉይ ኣቓልቦ ብምሃብ፡ ዞባውን ኣህጉራውን ኣብ ዝምልከቱ ዓበይቲ ኣርእስታት ከም እተዘተየ” ይሕብር።

ሓዋርያዊ ጉዕዞ ር.ሊ.ጳ. ናብ ካዛኪስታን “ከም ነጋዲ ሰላም”

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ወርሒ መሰከረም 2022 ዓ.ም. ኣብ ሻብዓይ ባይቶ መራሕቲ ዓለምን ዝተፈላለያ ባህላውያን ሃይማኖታትን ንምክፋል ናብታ ኣብ ማእከላይ እስያ እትርከብ ሃገረ ካዛክስታን ምብጻሕ ከም ዘካየዱን እዚ ሓዋርያዊ ጉዕዞ እዚ ር.ሊ.ጳ. ኮይኖም ካብ ዝሕረዩ ዘካየድዎ መበል 38 ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ ጉዕዞ ምዃኑ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ኣብ ካዛኪስታን ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ህዝቢ ሰዓብቲ እምነት ካቶሊክ 1 ሚእታዊ ዝሽፍን ኮይኑ እቲ 70 ሚእታዊት ሰዓብቲ እምነት ምስልምና እቲ 25 ሚእታዊት ከኣ ናይ ሩሲያ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያብ ብቐዳምነት እትርከበለን ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ሰዓብቲ ምዃኖም የመላኽት።

20 January 2024, 16:36