ድለ

Il Papa a Fatima, prega il rosario con i malati e i detenuti Il Papa a Fatima, prega il rosario con i malati e i detenuti  (ANSA)

ር. ሊ. ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ዋዕለ ዓለምለኻዊ ክንክን ጥዕና ማዕርነት ንክህሉ ጻውዒት ኣቕሪቦም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ናብ ብተሳተፍቲ ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ ብዛዕባ "ኣዋጅ ሄልሲንኪ - ምርምር ኣብ ኩነታት ትሕዝቶ ድኻታት" መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም፣ አብ መልእኽቶም ቅዱስ አቦና ብዛዕባ እቲ ኣብተን ትሑት ኣታዊ ዘለወን ሃገራት ዝግበር ሕክምናዊ ምርምራት ዘሎ ስነ-ምግባራዊ ጕዳያት ኣመልኪቶም ምሕጽንታኦም ኣቕሪቦም ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ትማሊ ዓርቢ ዕለት 19 ጥሪ ናብ ተጋባእያን ዓለም ለኻዊ ዓውደ ጉባኤ ብዘዕባ "ኣዋጅ ሄልሲንኪ - ምርምር ኣብ ኩነታት ትሕዝቶ ድኻታት" መልእኽቲ ለኣኸሎም።

እዚ ብዓለምለኻዊ ማሕበር ክንክን-ጥዕአናን፡ ብማሕበር ክንክን-ጥዕና ኣመሪካን ከምኡውን ብጳጳሳዊ መጽናዕታዊ ተቅዋም ሥነ-ሕይወት ብሓባር እተወደበ ዋዕላ ብዛዕባ ህጹጽ ዛዕባ እቲ ኣብተን ትሑት ኣታዊ ዘለወን ሃገራት ኣብ ዝግበር ሕክምናዊ ምርምር ዘሎ ስነ-ምግባራዊ ጉዳያት ኣልዒሉ ይዝቲ አሎ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንፍራንቸስኮ ነቲ መሰረታዊ ጕዳይ ዝኾነ ሰብአዊ ናጽነት ኣፍልጦ ብምሃብን፣ ነቲ ኣብ ኣዋጅ ሄልሲንኪ ጐሊሑ ዘሎ ናጻ-ፍቓድ ወድሰብ ብምግላጽን መልእኽቶም ይኸፈቱ ።

ቅዱስነቶም ኣብ መልእኽቶም "እዚ እትዝትዩሉ ዘሎኹም ፍረ-ነገር ኣገዳስን እዋናውን ኢዩ፣ ከመይሲ እቲ ኣዋጅ ንባዕሉ ነቲ መሰረታዊ ዝኾነ ጕዳይ ናጽነት-ወድሰብን  ከምኡ ውን ብዛዕባ ነጻ-ፍቓድ ወድሰብን ምስ ሕክምናዊ ምርምር ብእተተሓሓዘ ኩነቱ ስለጕልሕን ኢዩ፣" በሉ።

ቅዱስ ኣቦና ከም ዝገለጽዎ እዚ ኣዋጅ ብ1964 ካብ ዚተኣታቶ ኣትሒዙ ዘርኣዮ ምዕባለ ብምጥቃስ፣  እዚ ድማ ካብቲ "ኣብ ሕሙማት ዚግበር ዝነበረ ምርምራት ናብ ምስ ሕሙማት ዚግበር ምርምር" ኣብ ምስግጋር ዝገበሮ ወሳኒ ግደ ኣጕልሑ።

ግደ እቲ ዝሓመመ ሰብ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣስዕብ ኣቢሎም ኣገዳሲ ዝኾነ ግደን-ተራን ናይ ሓደ ሕሙም ብቐጻሊ ምሕላውን ምድንፋዕን ኣድላዪ ምዃኑ ኣጕልሑ ።

"እቲ ኣብ ሕክምናዊ ርክባት ዘሎ ዘይምቅዳው ግልጺ እኳ እንተዀነ፣ ሓደ ሕሙም ክህልዎ ዝግባእ ኣገዳሲ ግደ ገና ጋህዲ አይኮነን ዘሎ፣" ድማ በሉ።

ተኣፋፍነትን ዘይማዕርነትን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብዛዕባ እቲ ኣብተን ትሑት ኣታዊ ዘለወን ሃገራት ዝግበር ሕክምናዊ ምርምራት ዘምጽኦ ተኣፋፊ ጉዳይት ከም ዘተሓሳሰቦም ድሕሪ ምግላጽ፣ ብተወሳኺ ብፍላይ ብዘዕባ እቶም ኣብ ሓደጋ ዘለዉ ሰባት ንምዕቋብ ዘሎ ስነ-ምግባራዊ ብድሆታት ውን ኣጕልሑ ።

" ብደረጃ ዓለም ሓቆፍ ክረአ እንከሎ፣ እቲ ንድኻታት ሃገራት ዘለወን ሃብቲ ንምብዝባዝን ንምጥቃምን ዕላማ ብዝገብረ መንገዲ ኣብ ኣዕናዊ ዝኾነ ኵነታት ከም ዝኣትዋ ዝገብር ዘሎ ብዙሕ ዘይፍትሓዊ ተግባራት ንርኢ ኣሎና፣ እዚ ኸኣ ነቶም ብዛዕባ ገዛእ ርእሶም ክጣበቑ ዘይክእሉ ማለት ብቝጠባዊ መዳይ ክረኣ እንከሎ መሰረታዊ ግድነታቶምን መሰላትን ኣብ ሓደጋ ብምእታው እውን ከይተረፈ ኣብ ምሕረት እቶም ሃብታማት ሃገራትን ብኢንዱስትሪ ዝማዕበሉ ኣካላትን ወዲቆም ይርከቡ አለዉ፣" በሉ ።

ብተመሳሳሊ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ዓውዲ ኽንክን ጥዕናን ሕክምናዊ ምርምርን ንዘሎ ዘይማዕርነት ክከላኸሉ ከም ዘለዎም ተባብዕዎም፣ በዚ ኸምዚ ድማ ክንክን ጥዕና ምስ ንግድን ተክኖሎጅያዊ ኣተሓሳስባን ከይጎራበት ኣጠንቀቑ።

ማሕበረ-ሰብኣዊ ዕርክነት

ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንዅሎም እቶም ኣብቲ ዋዕላ እተሳተፉ ብዛዕባ ማሕበራዊ ዕርክነትን ኣድማሳዊ ሕውነትን ዘሎ ኣረኣእያ ተግባራዊ ንኽገብሩ ጻውዒት ኣቕረበሎም።

"ናብ ኣረኣእያ ማሕበራዊ ዕርክነትን ኣድማሳዊ ሕውነትን ብምቕያር ብዛዕባ እቲ ንሰብኣዊ ስድራቤት ብውጽኢታዊ መገዲ ዘገልግል ኣተሓሳስባ ብዛዕባ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ  ከነማዕብል ኣሎና።" ክብሉ መልእኽቶም ዛዘሙ።

20 January 2024, 16:04