SWITZERLAND-DIPLOMACY-ECONOMY-SUMMIT-DAVOS SWITZERLAND-DIPLOMACY-ECONOMY-SUMMIT-DAVOS  (AFP or licensors)

ር. ሊ. ጳ. ፦ ምዕብልና ስነ ምግባራዊ ብሶላ የድልዮ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ናብቲ ናይ 2024 ኣብ ዳቮስ ዝካየድ ዘሎ ዓለምለኻዊ ቝጠባዊ ዓውደ መጋባእያ ዝመሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ ቍጠባዊ ምዕባለ ንዅሉ ዚጠቅም ምስ ሓድነት ድማ እተተሓሓዘ ምዃኑ ንምርግጋጽ ንነጋዶን ንመራሕቲ ዓለምን ተማሕጸንዎም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ላዕለዎት ኣካልት ዓለምለኻዊ ንግድን ፖለቲካን ኣብዚ ሰሙን እዚ ኣብ ዳቮስ ስዊዘርላንድ "ንተኣማንነት ዳግም ምህናጽ" ብዚብል ኣርእስቲ ዋዕላ የካይዱ ኣለዉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንመራሕቲ ዓለም ብዛዕባ እቲ ንዅሎም ደቅሰብ ዘለዎም ግዴታ ንምዝኽኻር በቲ ብፁዕ ካርዲናል ፒተር ቱርክሰን ትማሊ ሰሉስ ዘንበቦን ሎሚ ረቡዕ ዘውጽኦን ናብ ናይ 2024 ዓለምለኻዊ ቝጠባዊ ዓውደ ጉባኤ መልእኽቲ ለኣኹ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መልእኽቶም ንደቅሰብ ዘጋጥሞም ዘሎ እቲ ዝዓበየ ብድሆ ንዅሉ ሰብ ሰላማዊ ህላወን ዘይነጻጸል ምዕብልናን ምርካብ ምዃኑ ገለጹ ።

ከምዚ ድማ በሉ - "እቶም ኣብዚ ዓመት እዚ ኣብ ዝግበር ዓውደ ጉባኤ ዝሳተፉ ዘለዉ፣ ነቲ ነፍሲ ወከፍና ምስ ድኽነት ኣብ እንገብሮ ቓልሲ ዘሎና ስነ - ምግባራዊ ሓላፍነት ንዅሎም ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዘይንጸል ምዕባለ ንምርካብ፣ ከምኡውን ኣብ መንጎ ህዝብታት ሰላማዊ ህላወ ንምርካብ ዘሎና ጻዕሪ ክዝክርዎ ተስፋ እገብር ። " ክብሉ መልእኽቶም ከም ዘመሓላለፉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ እቲ ኣብ ዳቮስ ዝግበር ዘሎ ዓውደ ጉባኤ ኣብዚ ዓመት እዚ ኣብ "ኣዝዩ ዘጨንቕ ኣህጉራዊ ዘይምርግጋእ" ይካየድ ምህላዉ ገሊጾም።

መራሕቲ ዓለም ዝሓሸት ዓለም ንምህናጽ ሓድሽ መገድታት ንኽምርምሩ ኣጋጣሚ ዝኸፍተሎም ከም ምዃኑን፣ ኣብ መንጎ ዅሎም ሰባት "ማሕበራዊ ሓድነት ንማሕበረሰብን ከምኡውን ዕርቂ" ዘስፋሕፍሓሉ መገድታት ከናድዩ ድማ ተማሕጸንዎም ።

ቅዱስ ኣቦና ብዛዕባ እቲ ኣብ መንጎ ሰላማውያን ሰባት ሞትን ዕንወትን ዘስዕብ ዘሎ ኣብ ዝተፈላለዩ ኽፍልታት ዓለም ዝካየድ ዘሎ ውግኣትን ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ግጭታትን ጓሂኦም ገለጹ ።

"እቲ ህዝብታት ዓለምና ዚናፍቕዎ ዘለዉ ሰላም ካብ ፍረ ፍትሒ ሓሊፉ፣ ኻልእ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ" ድማ በሉ። "ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ ፣ ነቲ ናይ ውግእ መሳርሒታት ካብ ምጕሓፍ ንላዕሊ ኢዩ ዝሓትት፣ እዚ ድማ ነቲ ቐንዲ ጠንቂ ግጭት ዝዀነ ምጕዳል ፍትሒ መፍትሔ ምርካብ ኢዩ  ዝሓትት።" ክብሉ የመላኽቱ።

እናወሰኸ ዚኸይድ ዘሎ ዘይማዕርነት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንጠንቂ ኩሉ ግጭታት ዝኾነ ብምጥቃስ፣ ልክዕ ከምቲ ኣብ ገሊኡ ኽፍልታት ዓለም ምግቢ ዜባኽኑን፣ ገለ ሒደት ድማ ብሉጻት ሰባት ብምዃን ብኢንዱስትሪታት ሃብታማት ዚዀኑሉ ዝለዉን፣ ጥሜትን ብዝበዛ ተፈጥሮኣዊ ሃብትን ኣብ  ዘስፋሕፍሓሉ ኩነት ኸም ዘሎ ሓበሩ ።

ብተወሳኺውን ነቲ "ኣብ ኵሉ ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ምዝመዛ ሰብኣውነትን ትሑት ደሞዝ ንምርካብ ክሰርሑ ኣብ ዝግደዱሉን፣ ሰብኣዊ ዕቤትን ሞያዊ ምዕብልናን ብሓቂ ተስፋ ኣብ ዝተቐብጸሉ ዘመን አሎና" ብምባል ኰነንዎ።

"ከመይ ኢሉ ይኸውን ሎሚ ኣብዛ ዓለምና ሰባት ብጥሜት ዝሞቱ ዘለው፣ ባህርያዊ ሃብቲ ዝምዝመዘሉ ዘሎ፣ ሰባት ይብዝበዙ ዘለዉ፣ ንመሃይምነት ተፈሪዶም ዘለዉ፣ መሰረታዊ ሕክምናዊ ክንክን ዘይረኽቡ ዘለዉ፣ ከምኡውን ብዘይ መጽለሊ ተደርቢዮም ዘለዉ፣ ከመይ ኢሉ ይኸውን?" ክብሉ ዘለዉም ኣግራሞት ገለጹ።

ዓለምለኻዊ ምዕብልና ዚመርሕ ስነ-ምግባራዊ ኮምፓስ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዓለምለኻዊ ምዕብልና ጽኑዕ ዝኾነ ስነ ምግባራዊ ስፍሓት ከም ዘለዎ መጠንን፣ ንናይ መጻኢ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ዚቐርጽ ዘተታት ንምምራሕን፣ ስነ ምግባራዊ ኮምፓስ ከም ዜድልዮ ገለጹ።

ንግዳዊ ምቅስቓሳትን መንግስትን ብሓባር ኰይኖም "ኣርሒቕካ ናይ ምርኣይ ክእለትን ስነ-ምግባራዊ ጥዑይ ቅጺ ዓለምለኻዊ ምዕባለ" ንምድንፋዕ ክዓዩ ጻውዒት ኣቕረበሎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ ምዕብልና "ፖለቲካዊ ይኹን ቍጠባዊ ብዘየገድስ ንድኻታትን ንስኡናትን ነቶም ኣብ ኣዝዩ ተነቃፊ ዝኾነ ዅነታት ዘለዉን ቀዳምነት ብምሃብ፣ ዘገልግል ስልጣንን ብዛዕባ ውልቀ-ሰባትን መሰላቶም ዝሰርሕ ክኸውን ኣለዎ ።" በሉ።

ዕቤት ናብ ኵሉ ተዘርግሐ

ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ እቶም ብቝጠባዊ መዳይ ጽጉማት ዝዀኑ ሰባት ረብሓታት ዓለምለኻዊ ዕቤት ምእንቲ ክረኽቡ መራሕቲ ንግድን ፖለቲከይናታትን ነቲ ፍትሓዊ ዝኾነ ዝርጋሐ ምዕብልና ብቀዳምነት ክሰርሑሉ ጻውዒት ኣቕረቡሎም ።

"ሓቅነቱ እተረጋገጸ ምዕባለ ብዅለን ሃገራትን ኣብ ኵሉ ኽፍልታት ዓለምን ዝካፈል ዓለምለኻዊ ክውንነት ክኸውን ኣለዎ፣ ወይ ከኣ ኣብቲ ክሳዕ ሕጂ ብቐጻሊ ዕቤት እተረኽበሉ ቦታታት እውን ከይተረፈ ዝርጋሔ ክፈጥር ኣለዎ።" ክብሉ መልእኽቶም ዛዘሙ።

17 January 2024, 16:39