ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ “ኣባ ሓመል መብራህቲ ኣንጻር ዓመጽ ብስም ኣምላኽ” ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ “ኣባ ሓመል መብራህቲ ኣንጻር ዓመጽ ብስም ኣምላኽ” 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ “ኣባ ሓመል መብራህቲ ኣንጻር ዓመጽ ብስም ኣምላኽ”

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብቲ ኣብ ሉርደስ ናብ ዝካየድ ነቶ ኣብ 2016 ዓ.ም. ናይ ደም ሰማእትነት እተቐበሉ ኣባ ዣክ ሓመል እተወፍየ ስነ-ስርዓት ሽልማት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልኽቲ፥ ‘ኣባ ሓመል ንእምነት ኩሉ ሰብ ዘኽብር ዝያዳ ሕውነታዊ ዓለም’ ኣብ ምህናጽ ዝነበሮም ተራ የጉልሑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሓደ ብዕድመ ዝደፍኡ ሕያዋይ ለጋስን ሕውነታውን ኻህን ከምኡውን ብስም ኣምላኽ ዓመጽ ዝመልኦን ዕዉርን ዓመጽ ከጋጥሞ እንከሎ እውን ሰላማዊ ኢዩ” ነዚ ዝበሉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ዕለት 24 ጥሪ ኣብ ሉርደስ ንመበል 27 ሕታም ኣህጉራዊ መዓልቲ ቅዱስ ፍራንሲስ ደ ሳለስ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ብዛዕባ ኣባ ዣክ ሃመል ዝሓደጉልና ምስሊ ካህን ምዃኑ ከም ዝገለጹን ነቲ ናይ ቅዱስነቶም መልኽቲ ኣብቲ ስነ ስርዓት ስልማት ኣባ ሓመል ዘንበቡ ኣብ ፈረንሳ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ቸሌስቲኖ ሚልዮር ከም ዝኾኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ እቲ ንኣባ ሓመል እተወፍየ ናይ ለምዘበን ስልማት ንኽልተ ጋዜጠይናታት ንካናዳዊት ሳራ-ክሪስቲን ቡሪሃን ከምኡውን ንኢጣልያዊት ጋዜጠይና ሮሚና ጎቦ ከም እተወሃበ ኣፍሊጡ።

ምንጻግ ዓመጽ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ መልእኽቶም ናይቶም ዝተቐትሉ ፈረንሳዊ ካህን “መተካእታ ዘይብሉ ምስክርነት” ብምስፋሕ እቲ “ንሕብረተሰባትና ብሕማቕ ኣጋጣሚ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ልዕሊ ዓቐን ዝኾነ ዓመጽን ዘይምጽውዋርን ጽልእን ምንጻግን ዝብሉን ካልኦት ማሕበራውን ሰብኣውን መርዝታት ኣብ ምውጋድ ምዕያይ ከም ዘድሊ ኣተሓሳሲቦም ዳርጋ ድሕሪ 7 ዓመት ዓመጽ ቅትለት ኣባ ሃመል ኣብ ቁስምና ቅዱስ አኤይነ ዱ ሩቭራይ ዕለት 26 ሓምለ 2016 ብኢድ ክልተ እስላማውያን ኣኽረርቲ ከም እተቐትሉ ብምዝኽኻር ናይቲ ሽልማት ትርጉም የጉልሑ።

እዚ ሽልማት ሰላምን ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዝግበር ዘተን ንምድንፋዕ ዝዓለመ ኮይኑ፡ ቅዱስነቶም “ነቶም ዝያዳ ሕውነታዊ ዓለም ንምህናጽ ዝሰርሑ፡ ናይ ኩሉ ሰብ እምነት ንዘኽብሩን ንምትብባዕን ንምድጋፍን እቲ ስልማት ምሃብ ኣገዳስን ጽቡቕን መገዲ እዩ። ነዚ ድማ ሞያ ጋዜጠይናነት “ኣብ ምቛምን ምምሃርን ሕልናታት ብፍላይ ድማ ናይ መንእሰያት ወለዶታት” ብትግሃት ክዋሳእ ይጽዋዕ።

ብስም ኣምላኽ ዚፍጸም ዓመጻ ስም ኣምላኽ ምርካስ እዩ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ግጉይ ሓበሬታ ኣብዚ ግዜና ፍሉይ ብድሆ ከም ዝኾነን። ግጉይ ሓበሬታ "ሰባት ንሓድሕዶም ክጻረሩ ነቓፍያን ምስትውዓል ከጥፍኡ ወይ ንድኽመቶምን ድላዮምን ክጥቀሙሉ" ከም ዝጽዕሩ ገሊጾም፡ እዚ ግጉይ ሓበሬታ ኸኣ ብፍላይ ኣብ ገሊአን ሃይማኖታት ብስም ኣምላኽ ማለት ንኣምላኽ ዘርክስ ዓመጽ ዚሰብካሉ ልሙዕ መሬት እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ቁስነቶም ወሲኾም "ሓቂ ኣብ መንጎ ሃይማኖታዊ ምይይጥ ንምዕያይ ንጋዜጠይናታት ናይ ብቕዓት መምዘኒ እዩ።”

ሓቅን ሓቅነትን

ር.ሊ.ጳ. ጋዜጠይናታት ንኣንባቢ ናይ ምክብባር መንገዲ ክኽተሉ ኣተሓሳሲቦም፣ "እዚ ሕውነት ንምንባር መተካእታ ዘይብሉ መሰረት ስለዝኾነ፣ "ብዛዕባ መንነትና ብዛዕባ እቲ እንኣምነሉ ነገራት ሓቂ ክእውጁ ከምኡውን ካልኦት እንታይ ምዃኖምን እንታይ ከም ዝኣምኑን ብቕንዕና ክደልዩ ተማሕጸንዎም፡ ከመይሲ እዚ ኣብ ፍልልያት ሓድነት ንምንባር ናይ ግድን ኣድላዪ መሰረት ኢዩ” . . . መራኸቢ ብዙሓን ኩሉ ግዜ “ከምቲ ኣብ ምሁራዊ ምርምር ኣብ ሰብኣዊ ዝምድናታት ሓቀይናን ተኣመንቲ ክኾኑ” ጸዊዖም። እዚ ኣተሓሳስባ’ዚ፡ እምነት ከዓምቕን፡ ንኣንበብቲ ኣብ ጉዕዞኦም ክሕግዞም፡ ናብ ወንጌል ከብሉን ክሕግዝ ይኽእል እዩ” ኢሎም።

እንተኾነ ግና ይብሉ ቅዱስነቶም ወሲኾም፥ ጋዜጠይናታት ኣብ መልሳ ኣልቦ ኣተሓሳስባ ከይወደቑ፡ ሓሳብ ካልኦት ንምፍላጥ ክጽዕሩ ኣለዎም፡ “ከምኡ’ውን ትብዓት ክህልዎም ኣለዎ - መብዛሕትኡ ግዜ ኣድላዪ ዝኾነ - ጌጋታቶምን ዘይቅቡል ምዝንባሎምን፡ ብፍላይ ክብረት ሰብን ሕውነትን ክጥሕሱ ከለዉ”።

ብልቢ ምርኣይ

ኣብ መደምደምታ መልኽቶም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ጋዘጠይናታት ርእሶምን ልቦምን ክጥቀሙ ብምዕዳም "ኣብ ባህሊ ቍጥዓ ዘይኣቱ ፍጻመታት ክርስትያናዊ ኑባቤ ክህቡ" ብምዕዳም፥ ሰናይነትና፡ “ኣብ ሓደ ሕብረተሰብ ባህሊ ምስ ዝኸውን፡ ንኣገባብ ክትዕን ምውድዳርን ሓሳባት” ይቕይሮ እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

26 January 2024, 15:50