2023.12.13 Udienza Generale 2023.12.13 Udienza Generale  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር. ሊ. ጳ. ሓድሽ ትምህርተ ክርስቶስ ንመንሰያት ፣ 'ክርስቶስ መፍትሕ ናይ ሕጉስ ህይወት እዩ!"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ንመንእሰያት ዝኸውን ሓድሽ ሕታም “YOUCAT” ወይ 'ትምህርተ ክርስቶስ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ንመንእሰያት' ዘሰኒ መልእኽቲ ናብ መንእሰያት ጽሒፎም፣ ነቲ ምስ ክርስቶስን ምእንቲ ክርስቶስን ኣብ ዝንበር ህይወት ዝርከብ ምስጢር ናይ ሕጉስ ናብራ ንክረኽቡ ዓደምዎም ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

"ንወንጌል ብምንባብ፣ ኣበርቲዕካ ብምጽላይ ከምኡውን ንትምህርተ ክርስቶስን ብውዕዉዕ ስምዒት ብምጽናዕ ነኣዒንትን ስምዒታትን ኣረኣእያን ኢየሱስ ናብ ልብናን ኣእምሮናን 'ክንልውጦ' ይሕግዘና።"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ትማሊ ሰኑይ ኣብታ ላ ስታምፓ እተሰምየት ዕለታዊት ጋዜጣ ኢጣልያ እተሓትመ፣ንመንእሰያት ኣብ ዝጸሓፍዎ መልእኽቲ፣  ብዛዕባ ሓድሽ ሕታም ዩካት ዘለዎም ኣወንታዊ ርኢቶ ለጊሶም

መንእሰያት ነቲ ትምህርተ ክርስቶስ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ንመንእሰያት ብዝብል ስያሜ እተሰናደወ መጽሓፍ ከጽንዕዎን ክመሃርዎን ኣተባብዕዎም፣ ክርስቲያን ምእመናን ዝዀንናሉ ናይ ሓቂ ምኽንያት ፍቕሪ ምዃኑ ድማ ኣዘኻኸርዎም።

ቅዱስነቶም ኣስዒቦም ኣብ መልእኽቶም "ቀንዲ ምኽንያት ህላወ ቤተ ክርስትያን ፍቕሪ እያ" ድማ በሉ። "ቅድም ቀዳድም እዚ ዝዛረበሉ ዘሎኹ፣ ብዛዕባ እታ እግዚአብሔር ኣቦ ንዅሎም ደቅሰባት ዘለዎ ፍቕርን ለውሃትን ምሕረትን ከምኡ ውን ወዱ ኢየሱስ ክርስቶስ ብህይወቱን ሞቱን ትንሳኤኡን ከም ዝገለጸልና እየ ።"

ነፍሲ ወከፍና ነቲ ኣምላኽ ንዓና ዘለዎ ፍቕሪ፣ ንሕናውን ብወገንና በቲ ንዕኡን ንኣሕዋትናን ኣሓትናን ዘሎና ፍቕሪ ምላሽ ክንህበሉ ተጸዊዕና ኣሎና ።

ንኢየሱስ አብ ምፍላጥን ከም ዝፍለጥ አብ ምግባርን ዘሎ ሓጐስ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክት መበል 16 ዝጸሓፍዋ “እግዚአብሔር ፍቕሪ ኢዩ!” ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽትን ከምኡውን ነቲ ክርስትያናዊ ህይወትና ኻብቲ ንህይወትና ሓድሽ ኣድማስን መምርሕን ዚህብ ምስ ኢየሱስ ካብ እተራኸበሉ እዋን ከም ዚውሕዝ ንዘስተምሃርዎ ዘኪሮም።

እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ነቲ እነፍቅሮ ሰብ ኣጸቢቕና መታን ከነፍቅሮን ብኻልኦት ከም ዝፍለጥ ንኽንገብሮን፣ ንሕና ንባዕልና ብዛዕባኡ ጽቡቅ ኣፍልጦ ክህልወና አለዎ ድማ ክብሉ ጸሓፉ።

ኣስዒቦም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከምዚ በሉ - "ከም ሓቁ እኳ ደኣስ እቲ ባህ ዘብል ሓጐስ ወንጌላውነት ክበሃል እንለሎ - ሓደ ሰብ ንኢየሱስ ዘለዎ ፍቕሪ ናብ ኵሉ ዓለም ከብጽሕ ምስ ዘከብ ዝረኽቦ ሓጐስ ኢዩ ። " እዛ ሕጂ ኣብ ኢድኩም ዘላትኩም ጽብቕቲ መጽሓፍ እዚኣ ኻብታ ንሕና ኣመንቲ ኣብ ውሽጥና ዘላትና ፍቕሪ ኢየሱስ እያ ተወሊዳ።"

እዚ “YOUCAT” እተሰምየ ትምህርተ ክርስቶስ ንመንእሰያት፣ ኣብቲ ብ1992 እተሓትመ መዝገበ ሃይማኖት ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን እተመስረተ እኳ እንተዀነ፣ ናብ መንእሰያት ብዘተኮረ ኣገባብ ኣጸሓሕፋን ውህደትን ከም ዝቐረበ ገለጹ።

ቅዱስነቶም ንመንእሰያት ኣንበብቲ "እዛ መጽሓፍ እዚኣ ፍረ ፍቕሪ ክንዲ ዝኾነት ኣፍቅእዋ" ክብሉ ዕድመ የቕርቡሎም ።

"ንኢየሱስ ክህልወና ዘለዎ ዓብዪ ፍቕሪ ካብ ምንቕቓሕ ወይ ውን ካብ ምብርባር ሓሊፉ ካልእ ዕላማ ከም ዘይብላ ኽትግንዘቡ ኢኹም። ዕላማ ናይዛ መጽሓፍ “ፍቕሪ ኢየሱስ” ጥራይ እዩ!" ድማ በሉ።

'ክርስቶስ ኣብ ክንዳይ እንታይ ምገበረ?'

ቅዱስ ኣቦና ኣብ መልእኽቶም ካቶሊካውያን መንእሰያት ብዛዕባ ኢየሱስ ዝያዳ ምእንቲ ኺፈልጡን፣ ነቲ ናይ ፍቕርን ንሕይወትና ዘለዎ መደብ ዝገልጽን መልእኽቱ ብዝያዳ ምእንቲ ኺርድእዎን ነዚ ትምህርተ ክርስቶስ እዚ ኣጸቢቖም ኼጽንዕዎ ተማሕጸንዎም ።

ነቲ ምስ ኢየሱስ ዘሎና ርክብ ንኽንዕቅብ ዜኽእለና ምስጢር፣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ህሞት 'ክርስቶስ ኣብ ክንዳይ እንታይ ከም ዚገብር' ምምርማር ከም ምዃኑ ገለጹ።

"ናይ ብሓቂ 'ህያውን' ዜሐጕስን ህይወት ንምርካብ ዜኽእል መፍትሕ እንሆ እምበአር - ንዓና ንዘጋጥመና ነገራት ንምምርማርን ንምፍራድን ከምኡውን ነቲ እንገብሮ ውሳነታት ብሓደ ዓይነት ዓይንን ስምዒትን ከምኡውን ከምቲ ኢየሱስ ዘርኣየና ዓይነት ኣቃውማ ሒዝና ኽንፈርዶ ከሎና ኢዩ፣" ክብሉ ተላበውዎም።

መንእሰያት ነዚ መጽናዕቲ “YOUCAT” (ትምህርተ ክርስቶስ ንመንእሰያት) ምስቲ ናይ ዘወትር ጸሎት ብምውህሃድ ምስ ዝገብርዎ፣ መንእሰያት ንዓለምን ነቲ ዕለታዊ ፍጻመታትን ብዓይኒ ኢየሱስ ምርኣይ ኪመሃሩ ይከኣል ኢዩ በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ከም ዝገለጽዎ ክርስቶስ ነቲ ሓቀይና መፍትሕ ናይ ሓጐስ ሂቡና ኣሎ ክብሉ መልኽቶም ዛዘሙ።

"ኣቱም ፍቑራት ኣዕሩኸይ መንእሰያት፣ እዚ ዓይነት ህይወት ጉብዝና፣ እዚ ዓይነት ሓድሽ ህይወት፣ እዚ ዓይነት ምሉእ ህይወት ኢየ ዝምነየልኩም።" ድማ በልዎም።

23 January 2024, 15:13