ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ሓዘን ግዳያት ኲናት ልቢ መራሕቲ ዓለም ይተንክፍ! ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ሓዘን ግዳያት ኲናት ልቢ መራሕቲ ዓለም ይተንክፍ!  (AFP or licensors)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ሓዘን ግዳያት ኲናት ልቢ መራሕቲ ዓለም ይተንክፍ!

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ዕለት 31 ጥሪ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ለጊሶም ምስ ኣብቅዑ፥ ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ዩክሬንን ሰላም ክህሉ ጻውዒት የቕርቡ። “ብሓቂ ክትገልጾ ዘይከኣል ብዙሕ ጭካነ እዩ ዘሎ” ኢሎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ነቶም ኣብ ክልተ ኲናት ዓለም ዝሞቱ ብጸሎት ኣብ እንዝክረሉ እዋን፡ ነቶም ብዙሓት – ኣዝዮም ብዙሓት – በርገሳውያን፡ ገዛእ ርእሶም ክከላኸሉ ዓቕምን ብቕዓትን ዘይብሎም ዝከላኸለሎም ዘይብሎም ናይቲ ሕማቕ ኣጋጣሚ ግዳያት ዝኾኑሉ ክሳብ ሕጂ ንእንነብረላ ዘሎና መሬት ብደም ዘጨቅው ዘሎ ውግኣት እውን ንዘክር።”

ነዚ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ኣብ መወዳእታ ናይቲ ዕለት 31 ጥሪ ዝለገስዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ክኸውን እንከሎ ቅዱስነቶም ኣስዒቦም፥ “ኣውያት ሓዘን [እቶም ግዳያት] ልቢ እቶም መራሕቲ ኣህዛብ ዝትንክፍን ንሰላም ዝኸውን ውጥናት ዘለዓዕል ክኸውን” ተማሕጺኖም። ሎሚ ኣብ ኲናት ዝፍጸም ዘሎ ዛንታታት ከተንብብ ከለኻ ብሓቂ ኣብ ዓለም ብዙሕ ጭካነ ከም ዘሎ ተስተውዕል፥ ንጐይታ ሰላም ወትሩ ለዋህ፡ ፈጺሙ ጨካን ዘይኮነ ሰላም ክህበና ንለምኖ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ህንጸት ሰላም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “ሓድሽ ዓመት 2024 ዓ.ም. ኣብ ዓለም፡ ኣብ ዓድኹምን ሃገራትኩምን፡ ኣብ ስድራኹም ከምኡ እውን ኣብ ልብኹም ሰላም እንሃንጽ ይኹን ብዝብል ዕድመ ኢና ጀሚርናዮ” ክብሉ ኣስተብሂሎም . . . “ሰላም ኣብ ሓቂ ጥራይ ክህነጽ ከም ዝኽእል ኣይትረስዑ” ክብሉ ኣስሚሮም፥ “ንጥቕሚ ሓባራዊ ሓልዮት፡ ቁጥዐ ብግቡእ ምቁጽጻርን ሓድሕዳዊ ይቕሬታን ኣብዚ ሕጂ ዘለናዮ ኩነታት ናይ ፍቕሪ ስልጣነ ንምህናጽ ይሕግዘና” ቢሎም፥ ካብ ዕለት 29 ጥቅምቲ ጀሚሮም ኣብ ቓዛ ሰብኣዊ ተኹሲ ደው ክብል ዘቕረብዎ ጽዋዒት ደጊሞም፥ ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ከምኡ እውን ኣብ ዩክሬን ሰላም ክህሉ ጻዊዒቶም ከም ዘሐደሱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

31 January 2024, 14:52