2022.11.14 Papa Paolo VI - PAPA MONTINI 2022.11.14 Papa Paolo VI - PAPA MONTINI 

ር. ሊ. ጳ. መቕድም ናይታ መጽሓፍ ብዛዕባ ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ር. ሊ. ጳ. "ሰማእት" ደሪሶም

ቤት ማሕትመ ቫቲካን ነቲ ኻብ 2008 ክሳዕ 2014 ብናይ ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ ኣዋጅ ቅድስና ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ማርቼሎ ሰመራሮ ኣብ ዝኽሪ ዕረፍቲ ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ንዘቕርብዎ ስብከታት ብምእካብ "ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ምስጢረ ክርስቶስ ሊቕ" ዘርእስታ መጽሓፍ ንምሕታም ተዳልዩሉ አብ ዘሎ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነዚ ዝስዕብ መቕድም ናይታ ኣብ ሕትመት ዘላ መጽሓፍ ንክኸውን ደሪሶም ።

ኣባ ተውልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ክቡራትን ክቡራን ሰማዕትና ካብዚ ብምቕጻል ምሉእ ትሕዝቶ ናይቲ ቅዱስነቶም ዝጸሓፍዎ መቕድም ነቐበልኩም።

ካርዲናል ማርቼሎ ሴመራሮ ነቲ ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብ ምስክርነታቶም ከም ዝጸሓፍዎ ካብዛ "ስቓይን ኣግራሞትን ድንቅን ዝኾነት ሃገር" ናብ ቤት ኣቦይ ዝሳገረላ መዓልቲ ዝበልዋ ዕለተ ዕረፍቶም ብዝካር ንዝሃብዎ ተኸታታሊ ስብከታት ክሕተም ምውሳኖም የሐጕሰኒ። ከምኡ ውን ኣብ 2023 መበል 60 ዓመት ዝኽሪ ጅማሬ ናይ ጆቫኒ ባቲስታ ሞንቲኒ ከም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ እንዝክረሉ ዘሎና እዋን ከሕትምዎ ምምራጾም እውን የሐጕሰኒ ።

ንጳውሎስ ሻድሻይ! እዞ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እዚኦም ኸም ሓደ "ሰማዕት" ጌርካ ኺረአዪ ዝግባእ እንተ ዀይኑ ብዙሕ ግዜ የተሓሳስበኒ! ሓደ እዋን ይዝከረኒ ቅድሚ ኣዋጅ ቅድስና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሞንቲኒ ኣብ ዝበርናዮ ናይ ብሕቲ ርክብ ንኣቡነ ማርቼሎ ነዚ ሓሳብ እዚ ኣካፈልክዎም ። ኣብቲ ኣዋጅ ቅድስና ዝፍጸመሉ ሥርዓተ ሊጡርጊያ ቀይሕ ልብሲ ወይስ ጻዕዳ ልብሲ ክለብስ ክብል ብዋዛ ኣምሲለ ሓተትክዎም። ንሶም ግን እቲ ዝብሎም ዝነበርኩ አይተረድኦምን፣ ኣብ ሥርዓተ-ቀብሪ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እተኣዘዘ ሕብሪ ኣልባሳት ቐይሕ ብምዃኑ ዝብሎም ዘሎኹ ኢዩ ዝመሰሎም ።... እንታይ ክብሎም ከም ዝደለኹ ድማ ገለጽኩሎም እሞ ንኣኦም ውን ከተሓሳስቦም ጀመረ ።

ብሓቂ ድማ ብ15 ታሕሳስ 1969 ምስ ጉባኤ ካርዲናላትን ናይ ሮማ ኩርያ ኣካላትን ናይ በዓለ ልደት እንቋዕ አብጽሓና ሰላምታ ኣብ እተለዋወጡሉ እዋን፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብ መደረኦም ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን "ኣቓልቦ ብዙሓት ይስሕብ ከም ዘሎን፣ ኣብ ገሊኡ መዳያት ከኣ መንፈሳዊ ውጥረትን ናይ ክህነታዊ ህይወት ቅልውላው ይፈጥር ከም ዘሎን" ገለጹ። ኣብቲ ኩነታት እቲ ኮይኖም "እዚ ኸአ ኣኽሊል እሾዅና እዩ" በሉ።

እቲ ንቤተ-ክርስትያን ምፍቃር ክብሉ ዝሃብዎ ምሕጽንታታት ሓደ ኻብቲ ኣብ ሥልጣናዊ ኣስተምህሮ ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ብተደጋጋሚ ዘዘውትርዎ ዝነበሩ ጻውዒት ኢዩ። እዚ ድማ እቲ ንክርስቶስ እንርእየሉ መስትያት ከም ምዃኑን፣ ከምኡው ውን እቲ ክርስቶስ ዝርከበሉ ቦታን ኢዩ፣ ንኣኦም እዚ ኩነት እዚ እንኮን ኣገዳስን እዩ ነይሩ ። ኵላትና ነቲ ናብ ክርስቶስ ዝጸለዮ ጸሎት ንዝክሮ ኢና “እቲ እንኮን ኣድላይን! ካርዲናል ሰመራሮ ኣብቲ ኩነት ናይ ደብረ ታቦር ምስቲራዊ ምልዋጥ ተመኲሶም ነቲ እንኮን ፍጹምን ዝኾነ ንክርስቶስ ምፍቃር ዝብል ሓሳባት ንምጕላሕ ዝገብርዎ ስብከታት ኢዩ ዝነበረ ።

ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ኣስተንታንን ሰባኽን ምስካርን ናይቲ ኣብ ደብረ ታቦር ትርኢቱ እተለወጠ ክርስቶስ እዩ ዝነበረ ። ብጻይ እቶም ብኢየሱስ እተመርጹ ሰለስተ ሓዋርያት ብምዃን ናብቲ ወንጌላዊ ኩነት ኪኣቱ ደለየ ኽንብል ንኽእል ኢና ። ኣብ ርእሲ እዚውን እቲ ናይ ጥቡቕን ምስጢራውን ናይ ወትሩ ድሌቱ ዝነበረ "cum ipso in monte" (ምስኡ አብቲ ደብሪ) ክርከብ ኢዩ ዝነበረ፣ እዚ ድማ ንኹሉ ንህይወቱ ከም ዝቕየር ገበሮ።

እዚ ገጸ ባህሪ ቕዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ወትሩ ስለ ዝሰሕበኒ፣ እዚ ስብከታት እዚ ይሕተም ምህላዉ ብጣዕሚ የሐጕሰኒ ። ገለ ኻብቲ ኣብ ማኒላን፡ ናዝሬት፡. . . እተዛረብዎ ዘረባ መንፈሳዊ ብርታዐ ኸም ዝሃበንን ኣብ ህይወተይ ብዙሕ ከም ዝጠቕመንን ኣብ ካልእ ኣጋጣሚታት መስኪረ እየ ። ከም ሓቁ እኳ ደኣስ እታ ናይ መጀመርታ ዝጸሓፍክዋ ሓዋርያዊ ማዕዳን “ናይ ወንጌል ሓሴት ምስታ “ስብከተ ወንጌል” ዘርእስታ ናይ ቅዱስ ጳውሎስ 6ይ ሰነድ ሓዋርያዊ ጉስነት፣ ኣዝየ ዝፈትዋ ሰነድ ክትመሳሰል ከም እተሓለነ  ፍሉጥ ኢዩ ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ ካብቲ ሰንድ ኣብ ልበይ ዝሓደረ ብሂል ብዙሕ ሰብ ክደጋግሞ ዝሰምዓኒ ፦ “ባህ ዘብለንን ዜጸናንዕን ሓጐስ ወንጌላውነት!” ዝብል እዩ። ጳጳስ ቦነስ ኣይረስ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን ብዙሕ ግዜ እደጋግሞ ነይረ ፣ ሎሚ እውን እደግሞ አሎኹ ።

እቲ ነዚ ጥርኑፍ ስብከታት እዚ ክኸውን እተመርጸ ኣርእስቲ ካብ ክቡር ኣባ ማሪ-ጆሴፍ ለ ጊዩ እቶም ዓቢይ ዶመኒካዊ ሊቅ ሥነ-መለኮት፣ ኣነ ውን ብዙሕ ዘድንቕም እተወስደ እዩ። ነዚ ድማ አብቲ ብዛዕባ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ከም ትንቢታውን፡ መንፈሳውን፡ ዓንቀጸ-እምነታውን፡ ጉስነታውን፡ ተልእኾ ወንጌላውን ብሉጽነት ብዝብል ዝጸሓፍዎ መድብለ መጽሓፍ ኣመልኪቶምዎ ይርከብ ። ካብዚ እውን ነዚ መስመራት መቕድም እዚ ቕድሚ ምዝዛመይ ግለ ምኽርታት ካባኡ ክጠቕስ እደሊ ። ኢዮቤልዩ 2025 እናቐረበ ኣብ ዚመጸሉ ዘሎ እዋን፣ ካብቲ መሰረታዊ ጽሑፋት ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ብምውሳድ ዅሉ ሰብ ክሰናዶ ተማሕጺነ አሎኹ ።

ኣብታ ክቡር ኣባ ለ ጊዩ ዝጸሓፍዋ መጽሓፎም ብዛዕባ ጉባኤ ቫቲካን ካልኣይ ንገጽ ክርስቶስ ከም ምስትንታን ገይሮም ኢዮም ገሊጾሞ ዘለዉ ። ስልጣናዊ አስተምህሮት ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን እውን በዚ መዳይ እዚ እንደገና ኺንበብን ኪጽናዕን ኪድህስስን ከምኡውን ተግባራዊ ክኸውንን ኣለዎ ። ኣብ ቪልኒየስ ሊትወይንያ ኣብ እተገብረ ኣኼባ ንሓደ ብኸመይ ክሕግዘኒ ከም ዝኽእል ዝሓተተኒ ኢየሱሳዊ ከምዚ ክብል መለስኩሉ - "ጸሓፍቲ ታሪኽ ከም ዝብልዎ ሓደ ኤቁመናዊ ጉባኤ ተግባራዊ ክኸውን ሓደ 100 ዓመት ከም ዝወስደሉ ኢዮም ዝገልጹ። ሕዲ ድማ ኣብ ፍርቂ መገዲ ኢና በጺሕና ዘሎና ። ስለዚ ክትሕግዙኒ እንተ ደአ ደሊኹም ነዚ ጉባኤ እዚ አብ ቤተ-ክርስትያን ክስርሓሉ ንቅድሚት አብ ምድራኽ ስጉምቲ ውሰዱ" በልክዎ።

ብዛዕባ ገጽ ክርስቶስ ምስትንታን! ኣብታ “ናይ ወንጌል ሓሴት” ነፍሲ ወከፍ ሰባኺ "ንቃል አምላኽ ከስተንትኖ አለዎ፣ ግናኸ ብዛዕባ እቶም ንህዝቡ እውን ከስተንትን ኣለዎ" ኢለ ጽሒፈ አሎኹ ። ኣብቲ ሲኖዳዊት ቤተ-ክርስትያን ዝብል ኣምር ውን እዚ ኢዩ እቲ ክብሎ ዝደሊ ። ብዛዕባ ቓልን ብዛዕባ እቶም ቅዱሳን ምእመና ህዝቢ ኣምላኽን እተስተንትን ቤተ - ክርስትያን ። እዚ ኣብቲ ገጻት ናይዛ መጽሓፍ ተጻሒፉ ዘሎ ኣስተንትኖታት እውን ነዚ ዘተባብዕ ክኸውን ተስፋ እገብር ።

19 January 2024, 13:48