ር. ሊ. ጳ. ንመንፈሳዊ ቤት ፍርዲ ሮማ፦ ነቲ ናይ ቃልኪሳን ጕዳያት 'ተምበርኪኹም ብጸሎት' ሜምይዎ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ትማሊ ሓሙስ ዕለት 25 ጥሪ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንላዕለዎት አካላት ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ መንፈሳዊ ቤትፍርዲ ተቐቢሎም ከም ዘዘራረብዎም ቃላለ ማዕዳ ከም ዝለገሱሎምን ዜና ቫቲካን ሓቢርሩ ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዓመት ኢዮቤል ንምጽንባል ዘመልክት መደረ አብ ዘቕረቡሎም፣ ነቲ ንጉዳያት ቃልኪዳን ዝምልከት መስርሓት ቤትፍርዲ ኣመልኪቶም ዓሚቝ መርመራን ብመንፈስ ጸሎት ዝግብር ሜመያን ከም ዘድልዮ ኣመልከቱሎም።
ከምኡ ውን ቅዱስነቶም ነቲ ኣብ መንጎ ፍትሕን ምሕረትን ዘሎ ውጥረት እንክገልጹ፣ ኣገዳስነት ጸሎት ኣብ ዕዮ ደያኑ ከምኡውን ኣብ መንጎ ፍርዳዊ ሜመያን ሲኖዳውነትን ዘሎ ዝምድና ገሊጾም ።
ኣገዳስነት ጸሎት
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ "ብዘይ ጸሎት ዳኛ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ። ሓደ ኻባኻትኩም ዘይጽሊ እንተ ደአ ኣልዩ በጃኹም ካብ መዝነቱ ክሰናበት ኢዩ ዝለዎ . . . እቲ ዝሓሸ ክኸውን ዝኽእል ንሱ ጥራይ ኢዩ" በልዎም።
ኣስዕብ ኣቢሎም ውን "መሜመያ ብርክኻ ዓጺፍካ ውህበት መንፈስ ቅዱስ ብምልማን ኢዩ ዝግበር፣ በዚ ኸምዚ ጥራይ እዩ ንውልቀ-ሰባትን ንብምሉኡ ማሕበረሰብ ቤተ-ክርስትያንን ዚጠቅም ውሳነታት ኪግበር ዚከኣል"።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣስዒቦም "ንነፍሲ ወከፍኩም ክሓተኩም እደሊ ኣሎኹ። ትጽሊ ዲኻ? ምስ ቤተ - ክርስትያን ከም ዝለኻ ኮይኑ ዶ ይስምዓኻ? ንጐይታ ብርሃን እናለመንካ ትሕት ኢልካ ዲኻ ትጽሊ?"
ቀጺሎም ቅዱስ አቦና "ጸሎት ኣብ ዕዮ ሓደ ዳኛ ኣገዳሲ እዩ። ሓደ ዳኛ እንተ ደአ ዘይጽሊ ኮይኑ ወይ ኪጽሊ እንተ ዘይክኢሉ ከይዱ ኣብ ካልእ ስራሕ ክደሊ አለዎ።" ክብሉ ተላበብዎም ።
ዓብዪ ሓላፍነት
ድሕርዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንኣገዳስነት እቶም ደያኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ መንፈሳዊ ቤትፍርዲ እንክገልጹ፣ ነቲ ኣብ ታሕተዎት መንፈሳውያን ኣብያተ - ፍርዲ ዝተኸራኸሩሉ ጉዳይት ውሳኔ ክወስዱሉ ዘለዎም ሓላፍነት ኣጕልሑ ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከምዚ ዝኣመሰለ ውሳኔታት ንምግባር ዘድሊ "ስነ-ምግባራዊ ርግጸኛነት" ምህላው ቀሊል ከም ዘይኰነ ገለጹ።
ስለዚ ላዕለዎት አካልት ናይዚ መንፈሳዊ ቤት ፍርዲ ዝገብርዎ ውሳነታት "ንህይወት ውልቀ-ሰባትን ስድራ ቤታትን ኣጸቢቑ ስለ ዝጸልዎ" ብቤተ-ክርስትያን "ዓብዪ ሓላፍነት" ተዋሂብዎም ከም ዘሎ ገለጹ።
ናይ 2015 ተሓድሶ ጉዳያት ቃልኪዳን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብዛዕባ እቲ ንመስርሕ ጉዳያት ቃልኪዳን ንምቅልጣፍ ብ2015 እተፈላለየ ስጕምትታት ንተሓድሶ እዚ ኣገልግሎት እዚ ከም እተወስደ ብምዝካር ውን መግሊጺ አቕሪቦም።
እዚ ስጕምቲ እዚ "ኣብ ኣጸጋሚ ዅነታት ንዘለዉ ምእመናን ብመንገዲ ብምሕረት ውሳኔ ንኽገበረሎም እተተባበዐ" ከም ምዃኑ ገለጹ።
እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ግን ብጌጋ ኽንርድኦ የብልናን ዕላማኡ ኸኣ "መውስቦ ምብትታን ዘይኰነስ፣ ቅልጣፈ መስርሓት" ንምድጋፍ ጥራይ ከም ምዃኑ ገለጹ።
ፍትሕን ምሕረትን
በዚ ምኽንያት እዚ ከአ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ውን ብዛዕባ እቲ ኣብ መንጎ ፍትሕን ምሕረትን ዘሎ ውጥረት ንኸስተንትኑ ደሪኽዎም እዩ፣ እዚ ኸኣ እቲ ኣብ ዘመን ጳጳሳዊ ኣገልግሎቶም ብተደጋጋሚ ዝሰብክዎን ዘስተምህርዎን ዝነበሩ ፍረ ነገር እዩ ዝነበረ።
"ከምቲ ብፍላይ ኣብታ ሓዋርያዊት ምዕዳኖም “ሓጐስ ፍቕሪ” ዘርእስታ ዝጠቐስዎ፣ ምሕረት ኣብ ሓዋርያዊ ጕስነት ስድራቤት ዘለዎ ኣገዳስነት ብምጕላሕ፣ ነቲ ኣብ ጕዳያት ቃልኪዳን ፍትሒ ንምድላይ ዝገበርናዮ ቘራጽነት ኣየዳኽሞን እዩ" በሉ።
ኣብ ክንዳኡስ ካብቲ ቅዱስ ቶማስ ዘኣኲናስ ዝብሎ ብምጥቃስ "ምሕረት ንፍትሒ ኣይተጥፍኣን ኢያ፣ የግዳስ ምልኣት ናይ ፍትሒ እያ" ክብሉ ኣመልከቱሎም።
ስፍሓት ሲኖዶስ
ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ መስርሕ ፍርዳዊ ሜመያ ብሲኖዳውነት "እተደገፈን እተረጋገጸን" ምዃኑ ኣጕልሑ።
"ሓደ ቤት ፍርዲ ሕብረት ወይ ድርገት ኮይኑ ምስ ዝርከብ፣ ወይ ውን ሓደ ዳኛ ጥራይ ምስ ዚህሉ ግን ከኣ ምስቶም ሰበ-ስልጣን ምስ ዝመኻኸር፣ መስርሕ መርመራ ጉዳያት እምበኣር ኣብቲ ንሓቂ ንምርካብ ዚግበር ሓባራዊ ጻዕሪን ዝርርብን ወይ ውን ምይይጥ ክፍጸም ይርከብ አሎ ማለት ኢዩ" በሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መወዳእታ ንዕዮ ናይዞም ደያኑ ናብታ "ቅድስተ ቅዱሳን ዝኾነት እኖና ድንግል ማርያም መንበረጥበብን መጽሔተ ጽድቅን” ብምውፋይ መደረኦም ዛዘሙ ።