ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ፍቕሪ ንሰላም መንገዲ ይኸፍት እምበር ንኻልኦት ፈጺሙ ኣይዕብልልን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ዓመታዊ ክብረ በዓለ ቅድስተ ማርያም እመ ኣምላክ ኣብ ዘብዓለትሉ ዕለት 1 ጥሪ ፍርቂ መዓልቲ፥ ፍቕሪ ብሕያውነትን ምክብባርን ክምላእ ከም ዘለዎ ኣዘኻኺሮም ነቶም እነፍቅሮም ሰባት ፈጺምና ክንዕብልሎም ዝደልዩ ኣይንኹን” ኢሎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ፍራንቸስኮ ዕለት ሓደ ጥሪ ፍርቂ መዓልቲ ካብ ሓዋርያዊ መስኮት ኮይኖም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተረኽቡ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ነጋድያን ሰላምታ ኣቕሪቦም ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር፡ ቤተ ክርስቲያን ቅድስተ ማርያም እመ ኣምላኽን ከምኡ እውን መበል 57 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሰላም እተብዕለሉ ዕለት ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፥

ሓድሽ ዓመት ኣብ ትሕቲ “ሓላዪ ጠመተ” ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ከነንብሮ ኣተባቢዖም።

ናይ ዕለቱ ካብ ሉቃስ ወንጌል ምዕ. 2, 16-21 ዝተወስደ ምንባብ መሰረት ገይሮም፥ ማርያም “ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዝገብሮ ተኣምራት ብግርማን ኣምልኾን ዝመልአ ጽሞና” ከም ዝነበረት ኣስተብሂሎ፡ እቶም ጓሶት ንወዳ ንየሱስ ኬምልኹ ኣብ ዝመጹሉ እዋን ዝነበረቶ መንፈስ እውን እዩ።

ማርያም “ነቲ ዝተወልደ ኣብ ውሽጣ ቦታ ትኸፍተሉ . . . ብስቕታን ኣምልኾን ንኢየሱስ ኣብ ማእከል ኣቐሚጣ መድሓኒ ምዃኑ ትምስክር” ኢሎም።

ካቴድራል ስቕታ

ፍራንቸስኮስ ማርያም ከም ሕያዋይቲ ናይ ወዳ ቦታ ክትሕዝ ፈጺማ ኣይደለየትን፣ እንታይ ደኣ ቀዳመይቲ “ካቴድራል ስቕታ” ኮነት፣ እግዚኣብሔርን ሰብን ዝራኸብሉ ቦታ ኮነት እንክብሉ ገሊጾም፥ ኣዴታትና እውን፡ “ናብ ዓለም ምስ ኣምጻኣና ድሕሪኡ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ዘይንዕዘቦ ምእንቲ ክንዓቢ ምዕባለታትና ምክትታል ይቕጽላ”

“እዚ ንዘክር ሓደራ! ፍቕሪ ፈጺሙ ኣይዕብልልን እዩ፤ ፍቕሪ ነቲ ኻልእ ቦታ ይህብን ኪዓብዩ ይፈቅድን።”

ጥዑይ ፍቕሪ ንኻልኦት ፈጺሙ ኣይዕብልሎምን እዩ

ሓድሽ ዓመት ክወግሕ ከሎ ንማርያምን ንገዛእ ርእስና ኣዴታትናን “ብዘመስግን ልቢ” ክንጥምት ዓዲሞም፥

“እቲ ብፍላይ ኣብ ስቕታ ዝለምዕ፡ ነቲ ካልእ ቦታ ከመይ ጌሩ ከም ዝህብ ዝፈልጥ፡ ክብሪ ዘኽብር፡ ሓሳቦም ናይ ምግላጽ ናጽነት ዝፈቅድ፡ ዘይነጽግ ፍቕሪ ክንመሃር መታን ብዛዕባ ኣዴታት ንሕሰብ፡ መታን መልክዓት ዕብለላን ምውናን ዓመጽን ክንነጽግ!” ምስ በሉ ኣስዒቦም ብምኽንያት ዕለት 1 ጥሪ ንመበል 57 መዓልቲ ሰላም ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ዘኪሮም፥ ደቅሰብ ብሰንኪ ጽምኢ ስልጣንን መኽሰብ ንምርካብ ዘለዎም ህርፋንን ሰላማዊ ህላወ ይዝርግዎ ምህላዎም ገሊጾም፥ "ፍቕሪ ብኣንጻሩ ብኣኽብሮትን ሕያውነትን እዩ ዝፍጠር”. . . በዚ መገዲ እዚ ኣቢሉ ድማ ዕንቅፋታት ብምፍራስ ሕውነታዊ ዝምድናታት ንምንባር ዝያዳ ቅኑዕን ሰብኣውን ከምኡውን ዝያዳ ሰላማዊ ዝዀነ ማሕበረሰብ ንኽሃንጽ ይሕግዝ።"

መስተውዓሊትን ህይወት እትህብን ፍቕሪ

ኣብ መደምደምታ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እታ ኣደ ኣምላኽ ዝዀነት ማርያም ንኻልኦት ህይወት ኣብ ዝህብ ብፍቕሪ ንኽንዓቢ ኽትሕግዘና ጸልዮም፥ ኣደ ኣምላኽን ኣዴናን ኣብዛ ሓዳስ ዓመት ኣብዛ ህይወት እተፍሪ ልኡምን መስተውዓልን ፍቕሪ ኣብ ዓለም ንሰላምን ዕርቅን መገድታት ንኸነርህው ይሕግዘና” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

02 January 2024, 17:00