ር.ሊ.ጳ. ኣብ ቫቲካን ተፈላጥነት ዘለዎም ጋዜጠይናታት፡ ‘ሰብኣውነት ኣፍቅሩ፡ ትሕትና ተማሃሩ’ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ቫቲካን ተፈላጥነት ዘለዎም ጋዜጠይናታት፡ ‘ሰብኣውነት ኣፍቅሩ፡ ትሕትና ተማሃሩ’  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ቫቲካን ተፈላጥነት ዘለዎም ጋዜጠይናታት፡ ‘ሰብኣውነት ኣፍቅሩ፡ ትሕትና ተማሃሩ’

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቫቲካን ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ማዕከናት ሓበሬታ ልኡካን ጋዜጠንይናታት ዕለት 22 ጥሪ ተቐቢሎም፥ እቶም ጋዜጠይናታት ብዛዕባ ር.ሊ.ጳጳሳትን ቅድስቲ መንበርን ዘመሓላልፍዎ ሓበሬታ “ናይ ስነ ቫቲካን ሊቅ ምዃን ጥራሕ ንበይኑ እኹል ከምዘይኮነ የግዳስ መንፈሳውነት እውን ዝሓትት ምዃኑ የመላኽት” ኢሎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ጽባቐ ናይቲ ኣብ ዙርያ ጴጥሮስ እተካይድዎ ስራሕ፡ ኣብ ሑጻ ማለት ኣብ ሕሜታን ፖለቲካዊ ስነ ሓሳብ ትርጉማትን ዘይኮነ ኣብ ሓቂ ማለት ኣብ ጽኑዕ ከውሒ ዝተሰረተ ሓላፍነት እዩ።” ቅዱሰንቶም ነዚ መዘኻኸሪ እዚ ነቶም ብተደጋጋሚ ብናይ ውሽጢ ቃል “ቫቲካኒስቲ - ሊቃውንቲ ስነ ቫቲካን” ብዝብል መጸውዕ ዝፍለጡ ኣብ ቫቲካን ተፈላጥነት ዘለዎም 150 ንናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ማዕከናት ሓበሬታ - መራኸቢ ብዙሓን ልኡካን ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ስለ ኣገልግሎቶም ከም ዘመስገኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ምስጋና ንመዓልታዊ ተወፋይነት ተልእኾ

ር.ሊ.ጳ. ብዙሓት ኣባላት ናይቲ ማሕበር ብተደጋጋሚ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ሓዋርያዊ ጉዕዞታቶም ዘሰንይዎም ከም ዝኾኑን ዝበዝሕ ኣገልግሎቶም ድማ ናይ ር.ሊ.ጳጳሳትን ቅድስቲ መንበርን ፍጻሜታት ዝሽንፍ ሓበሬታ ኣብ ምቕራብ ከም ዘሕልፍዎን ዘኪሮም፡  ናይ ቅድስቲ መንበር መርገጺ ማእከል ገይረም ዘቕርብዎ ሓበሬታን ከምኡ እውን ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዘጋጥም ጸገም ኣብ ምቕራብ “ሰብኣውነት ዝሓረኹም ንሰብኣውነት እተገልግሉ ምዃንኩም እዩ ዘረጋግጽ፥ ስለዚ ፈተናታትኩምን ብድሆታትኩምን እፈልጦ እየ፡ ጋዜጠይና ምዃን ጸዋዕታ እዩ እንክብሉ ኣስተብሂሎም፣ ልክዕ ከም ሓደ ሓኪም፥ ማለት “ንሰብኣውነት ብምክንኻን ከፍቅር ዝመርጽ . . . ብገለ መልክዑ፡ ሓደ ጋዜጠኛ ዝገብሮ፡ ቁስሊ ሕብረተሰብን ዓለምን ብውልቁ ክትንክፍ ዝመርጽ እዩ። ካብ ትሕትና ዝወጽእን ናብ ምርድዳእን ብርሃንን ምብራህን ዳግማይ ንምዝንታውን ዝመርሕ ጸዋዕታ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሰብኣውነት ምፍቃር፡ ትሕትና ምምሃር

ቅዱስ ኣቦና ቀጺሎም ነቶም ጋዜጠይናታት ብሙያኦም ዝሰርሕዎ ስራሕ “ኣብ ክንዲ ምፍልላይን ዘይምትእምማንን ድልድል ዝምድናን ርክብን” ኣብ ምህናጽ ዝነብርዎ “ቀጻልነትን ትዕግስትን” ዝመልኦ ኣገልግልት ኣመስጊኖም። ብዛዕባ መንነት ሓደ ጋዜጠይና ኣብ ዘስተንትኑሉ እዋን ናይ ሓደ ወዲ 80 ዓመት ጋዜጠይና ቫቲካን ሉዊጂ ኣካቶሊ ዝብሎ ቃል ጠቒሶም፥ “ኣብቲ ናይ ቫቲካን ጋዜጠይና ኣብ ዝነበረሉ ብዙሕ ዓመታት፡ ዛንታታት ህይወት ናይ ምድላይን ምዝንታውን ስነ-ጥበብ ተማሂረ ይብል፡ እዚ ድማ ንሰብኣውነት ንምፍቃር ዝሕግዝ መንገዲ [...] እዩ። ትሕትና ተማሂረ እየ። ንኽኣምንን ሰብኣውነት ከነብርን ዝሓገዙኒ ብዙሓት ናይ ኣምላኽ ሰባት ኣጋጢሞምኒ እዮም” ይብል። . . . “ዋላ እኳ ጸገማት እንተሃለወ፡ እዚ ጽቡቕ ምትብባዕ እዩ፡ ንሰብኣውነት ምፍቃርን፤ ትሕትናን ተማሃሩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ረቂቕነት መንፈስ፡ ክእለት ጋዜጠይና

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቅድሚኦም ዝነበሩ ር.ሊ.ጳ. ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ድሕሪ ምምራጾም ነዊሕ ከይጸንሑን ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዘቐጸሉን ንጋዜጠይናታት ኣብ ዝሃብዎ ምኽሪ፥ ንቫቲካንን ቤተ ክርስቲያንን ዝሽፍን ዕዮ ጋዜጠይና ብዓለማውን ፖለቲካውን ደርብታት ክምራሕ ዘይኮነስ ንሕይወት ቤተ ክርስቲያን ብሓቂ ዝሕብር፡ ማለት ሃይማኖታውን ግብረ ገባውን ዕላማታታን ፍሉይ መንፈሳዊ ባህርያታን ኣብ ግምት ከእቱ ኣለዎ” ዝብለዎ ኣዘኻኺሮም፡ ንቫቲካን ኪኖ ትርኢት ክትጥምቱን ነቲ ብዛዕባ ቫቲካን ዚገልጽ ዜና ናብ ትርኢት ምቕያር ወይ ኣብ ትሕቲ ፖለቲካዊ ርእየት ዓለም ምእታው ዜምጽኦ ማንታ መፈንጠራታት ከተወግድዱ እትጽዕሩ ብምዃንኩም ኣመስግን” ከምዝበሉን፥

ጥቅው ኣተሓሕዛ ዕንቅፋታት

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ "ብዛዕባ ካብ ቤተ ክርስቲያ ዘጋጥም ዕንቅፋታት ዓመጽ ኣብ ምዝርጋሕ ብዙሕ ግዜ ዘርእይዎ ነቶም ግዳያት ምኽባርን ነቲ ዝያዳ ጽዩፍ ዝርዝራት ብዝምልከት ሕፍረት ዝመልኦ ዝነብርዎ ጥቕው ኣተሓሕዛን ኣመስጊኖ፥ ንቫቲካን ዝሽፍኑ ጋዜጠኛታት ዝሰርሕዎ ስራሕ፡ ንፍጻመታት ቫቲካን “ዋላ’ውን ቅድሚ ቃላት ምጥቃም ብምስክርነት” ንምትሕልላፍ፡ “ረቂቕ መንፈስ” ምስ ክእለት ጋዜጠይናነት ምውህሃድ ከምዘድሊ ገሊጾም። ዕማሞም፡ “ንኽውንነትን ሕሰማቱን ኣብ ዘይምሕባእ፡ ነቲ ወጥሪ ምዑር ዘይምግባር ግን ከኣ ብተመሳሳሊ ዘየድሊ ዘጓሃህር ጽምጺ ዘይምፍጣር፡ እንታይ ደኣ ነቲ ኣገዳሲ ነገር ንምሓዝ ምጽዓር፡ ብመንጽር ባህሪ ቤተ ክርስቲያን” ኣንክብሉ መደረኦም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

23 January 2024, 16:33