ጸሎት ር.ሊ.ጳ. ምእንቲ ሰላም ኣብዛ ብኲናት ዝተሃስየት ዓለምና
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ነፍሲ ወከፍ ሓድሽ ዓመት ቀዳመይቲ መዓልቲ ብብዝሒ ዝኽርን ጽምብላትን ናይ ሓጎስ መዓልቲ ምዃኑ ይፍለጥ። ኣብ ቤተ ክርስቲያን ሓድሽ ዓመት ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅድስተ ማርያም እመ ኣምላክን ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሰላምን እተብዕለሉ ዕለት ክኸውን እንከሎ፡ ለምዘበል መበል 57 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሰላም ከም ዘብዓለት ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።
ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ መልኽቲ ሰላም 2024 ዓ.ም.
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ን2024 ዓ.ም. ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ሰላም ብዛዕባ “ሰብ ሰርሖ መስትውዓልን ሰላምን" የስተንትኑ፥ ስነ ምግባራዊ ስፍሓት ናይቲ ንዅሉ ክበብ ህይወት ወድሰብ ዘሰውርር ዘሎ እደ ጥበባዊ ምዕባለታት ይድህስሱ፥ "ሕጂ እውን ከይተረፈ ሓድሽ ናይ ምዕቡል እደ ጥበባዊ መጋበርያ ንገጽ መራኸቢ ብዙሓን ህዝባዊ ምምሕዳር ትምህርቲ ምውህላል ብሕታዊ ርክባት ከምኡውን ማእለያ ዘይብሉ ካልእ መዳያት መዓልታዊ ህይወትና ይቕይሮ ኣሎ" ይብሉ።
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንመራሕቲ ዓለም "መብዛሕትኡ ግዜ ንጠንቂ ሕውነትን ሰላምን ደቅሰብ ዘገልግል" መምርሕታት ከውጽኡ ኣብቲ ዘመሓላልፍዎ መልኽቲ ሰላም ህጹጽ ጻውዒት የቕርቡ፡
"ኣብ መጀመርታ ሓድሽ ዓመት "እቲ ብቕልጡፍ እናማዕበለ ዝኸይድ ዘሎ እደ ጥበባዊ ምዕባለ ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት ነቲ ኣብዛ ሎሚ ዘላ ዓለም ዘሎ ዘይማዕርነትን ምጕዳል ፍትሕን ዘዛይድ ዘይኮነስ የግዳስ ንውግእን ግጭታትን መወዳእታ ንኽገብረሉን ከምኡውን ንሰብኣዊ ስድራቤትና ዘሳቕዮም ዘሎ እተፈላለየ ዓይነታት ስቓይ ንኸንክይ ዝሕግዝ ክኸውን አለዎ።"
"ክርስትያን ኣመንቲ ሰዓብቲ እተፈላለያ ሃይማኖታትን ሰብኡትን ኣንስትን ነቲ ኣጋጣሚታት ንምቕባልን ነቲ ብሰንኪ እደ ጥበባዊ ሰውራ ዝመጽእ ብድሆታት ንምቅላስን ከምኡውን ኣብ መጻኢ ንወለዶታት ዝሰፍሐ ሓድነትን ፍትሕን ሰላምን ዘለዋ ዓለም ንምትሕልላፍ ብሓባር ክዓዩ ጻውዒት የቕርቡ።