2024.01.21 Santa Messa in occasione della Domenica della Parola di Dio 2024.01.21 Santa Messa in occasione della Domenica della Parola di Dio  (Vatican Media)

ር. ሊ. ጳ. ናብ ዓመት ኢዮቤል ዝመርሕ ዓመት ጸሎት ኣዊጆም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ድሕሪ ጸሎት መልአከ እግዚአብሔር አብ ዝለገስዎ ሰላምታን ቃል ምሕጽንታን፣ ቀቅድሚ እታ እትመጽእ ዘላ ዓመት ኢዮቤል እዛ ዓመት እዚኣ "ዓመት ጸሎት" ክትከውን ኣወጁ፣ ኵሎም ምእመናን ከአ ምእንቲ ክርስትያናዊ ሓድነትን ኣብ መላእ ዓለም ሰላም ምእንቲ ክሰፍንን ክጽልዩ ዕድመ ኣቕረቡ ። ኣስዒቦም ውን ቅዱስ ኣቦና ነቶም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ሃይቲ እተጨውዩ ሓያሎ ሰባትን ገለ ደናግልን ሓዊስካ ናጻ ክወጹ ጻውዒት ኣቕሪቦም ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ቀቅድሚ እቲ ዝቀራረብ ዘሎ ዓመተ ኢዮቤል 2025 ሎም ዓመት ናይ ጸሎት ዓመት ክኸውን ኣዊጆም ።  ነቶም ኣብ ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር እተረኽቡ ምእመና ድማ "ነዚ ናይ ጸጋ እዋን እዚ ብጽቡቕ ንከንሕልፎን ሓይሊ ተስፋ ኣምላኽ ንከነስተማቕርን ኣበርቲዖም ክጽልዪ" ጻውዒት ኣቕረቡሎም።

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘቕረብዎ ጻውዒት፣ እዛ ዓመት ጸሎት እዚኣ "ነቲ ዓብዪ ዋጋን ፍጹም ኣድላዪነት ጸሎትን፡ ማለት ጸሎት ኣብ ብሕታዊ ህይወትን፣ ኣብ ህይወት ቤተ-ክርስትያን፣ ጸሎት አብ ዓለም ዘለዎ አገዳስነት ንምምርማት" እተወፈየት ዓመት ምዃና ገለጹ።

ወሲኾም ድማ  ቅዱስ ኣቦና እቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ ጉዳያት ስብከተ ወንጌል ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤተጽሕፈት ነዛ ዓመት ጸሎት ዘሰኒ ሰነዳትን መርሓ ፍጻሜታትን ከም ዘሰናዱ ኣመልከቱ።

ጸሎት ምእንቲ ክርስትያናዊ ሓድነትን ምእንቲ ሰላም ዓለምን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ዘቅረብዎ ቃል ምሕጽንታ ክርስቲያን ምእመና ብፍላይ ምእንቲ ክርስትያናዊ ሓድነት ክጽልዩ ጻውዒት ኣቕረቡ፣ ከምኡውን "ጐይታ ኣብ ዩክረይን እስራኤልን ፍልስጥኤምን ከምኡውን ኣብ ሓያሎ ኻልእ ክፍልታት ዓለም ሰላም ንከስፍን ከይደኽሙ ንኽጽልዩ" ጻውዒት ኣቕረበሎም ።

ደጊሞም ቅዱስነቶም እቶም ብሰንኪ ስእነት ሰላም ብዙሕ ዝሳቐዩ ዘለው ኣብ መንጎና ዝለዉ መሰኪን ምዃኖም ኣጕልሑ ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ "ብዛዕባ እቶም እተጐድኡን እተቐትሉን ብዙሓት ቈልዑን ህጻናትን ብዛዕባ እቶም ፍቕሪ ዝሰኣኑ ሕልምታቶምን መጻኢኦምን እተጠልሙ ውን ብዙሕ የተሓሳስበኒ " በሉ ።

"ኵላትና ንኽንጽልየሎምን ሰላም ንምስፋን ክንዓየሎምን ዘሎና ሓላፍነት ኣይንረስዓዮ!" ክብሉ ሓደራ በሉ።

ኣብ ሀይቲ እተፈጸመ ጭውያ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ናብታ ኣብ ካሪብያን እትርከብ ሃገረ ሃይቲ ምልስ ብምባል ድማ "ብዛዕባ እቲ ኣብ ሃይቲ እተፈጸመ ጭውያ ናይ ሽዱሽተ ኣሓት ደናግልን ገለ ጕጅለ ሰባትን ብጓሂ ሰሚዐ ኣሎኹ" በሉ።

እዚ ጭውያ እዚ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብታ ርእሲ ኸተማ ሃይቲ ዝዀነት ፖርት ኦ ፕሪንስ ኢዩ ተፈጺሙ፣ ዕጡቓት ሰባት ንሓንቲ ሚኒበስ ደው ኣቢሎም ነቶም ተጓዓዝቲ ጅሆ ሒዞ ወሰድዎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ ትማሊ ሰንበት ድሕሪ ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ዘቅረብዎ ምሕጽንታ ኣብታ ሃገር "ማሕበራዊ ስኒት" ክሰፍን ድሕሪ ምጽላይ ንዅሎም እቶም እተታሕዙ ናጻ ንኽወጹ "ብትሪ" ጻውዒት ኣቕረቡ ። "እዚ ነቶም ፍቑራት ህዝቢ ብዙሕ ስቓይ ዘምጽኣሎም ዘሎ ህውከትን ናዕብን ደው ከብሉ ንዅሉ ሰብ እጽውዕ ኣሎኹ" ኢሎም።

22 January 2024, 15:47