2024.01.29 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ንናይ ኢጣሊያ ካቶሊካውያን መራኸቢታት ኣንጻር እቲ ዋሕዚ ክኸዱ ይዕድሙ 2024.01.29 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ንናይ ኢጣሊያ ካቶሊካውያን መራኸቢታት ኣንጻር እቲ ዋሕዚ ክኸዱ ይዕድሙ  (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ንናይ ኢጣሊያ ካቶሊካውያን መራኸቢታት ኣንጻር እቲ ዋሕዚ ክኸዱ ይዕድሙ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ምስ ናይ ኢጣሊያ ጳጳስት ጉባኤ ክልተ መርበባት ፈነወ ቴሌቪዥንን ሬድዮን ጋዜጠይናታትን ሰብ ሙያ መራኸቢ ቡዙሓንን ዕለት 29 ጥሪ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም፥ ቤተ ክርስቲያን ምስቶም ኣዝዮም ተቓላዕትን ዝተገለሉን ምዃና ኣብ ምምስካር ዝህብዎ ኣገልግሎት ክቕጽሉ የተባብዑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ መንጎ እቲ ሕጂ ሰብ ሰርሖ ምስትውዓል ሓዊስካ ኣብ ዓለም መራኸቢ ብዙሓንን ሓበሬታን ዝካየድ ዘሎ "እደ ጥበባዊ ሓድሽ ምህዞታት" መራኸቢ ብዙሓን ካቶሊክዊት ቤተ ክርስቲያን ነቲ ኣብ ከባቢና ዘሎ ጸልማት "ብርሃን ተስፋ" ንምምጻእ ዘለዎም መሰረታዊ ተልእኾ ፈጺሞም ክርስዕዎ የብሎምን፡ እንክብሉ ዕለት 29 ጥሪ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ቲቪ2000 እተሰምየን ከምኡውን ብሉ2000 እተሰምየ ናይ ኢጣሊያ ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ንብረት ዝኾነ ትካል መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ዝኽሪ መበል 25 ዓመት ቅዋሜኡ ንኣመሓደርትን ሰራሕተይናታትን ናይተን ማዕከናት ተቐቢሎም ኣብ ዝለገዎ ቃለ ምዕዳን ኣተሓሳሲቦም፥ "ርክብን ሓበሬታን ወትሩ መበቈሉ ካብ ሰብ ምዃኑ" ብምግላጽ፡ ካቶሊካውያን ጋዜጠይናታትን ሰብ ሙያ መራኸቢ ብዙሓንን ኣብ ዕዮኦም ኣገደስቲ ሰለስተ ቓላት ክስዕቡ እንክምዕዱ፥

ቅርበትን ኣንጻር “ዓብላሊ ስነ-መጐት” ስልጣን ዘተኮረ መራኸቢ ብዙሓን

እታ ቀዳመይቲ ቃል "ብጻይነት ወይ ምቅርራብ" እትብል ምዃና ገሊጾም፥ "መዓልቲ መዓልቲ ብተለቪዥን ወይ ብረድዮ ኣቢልሉም ናብ ብዙሓት ሰባት ትቐርቡ፡ እዞም ሰባት እዚኣቶም ሓበሬታ ክረኽቡሎም ዝኽእሉ ባህ ዘብል ግዜ ከሕልፉ ወይ ሓድሽ ሓቅታትን ተመክሮን ቦታታትን ብኣኻትኩም ኣቢሎም ክረኽቡ ዝድግፍዎም ኣዕሩኽ ይረኽቡኻ ኢዮም።"

ስለዚ ነቶም ኢጣልያውያን ካቶሊካውያን መራኸቢ ብዙሓን ኣባላት "መራኸቢ መርበብ ብምፍጣር ማእሰር ኣብ ምእላም" ክቕጽሉ ብዛዕባ ጽባቐን ሰናይን ማሕበረሰቦም ክነግሩ ከምኡውን ነቶም ኣብ ሕድጋት ሕብረተሰብ ዘለዉ ኣብ ግንባር ከቐምጥዎም ነቲ ናብ ስልጣን ዝመርሕ ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ናብ "ናይ ሓሶት ሓበሬታ" ዝመርሕ ብስፍሓት ዝረአ  ዘሎ "ርትዓዊ ኣተሓሳስባ" ክነጽግዎ ኣተባቢዖም፥

"ምቅርራብ ሓደ ካብቲ ንኣና ኣዚዩ ቀረባ ዝኾነ ባህርያት ኣምላኽ ምዃኑ ኽሓስብ እደሊ። ንኣምላኽ ከም እንርእዮ ዚገብረና ሰለስተ ነገራት ኣሎ፦ ቀረባነት፣ ብጻይነት፣ ሕያውነትን እያቶም፦ ኣምላኽ ለዋህ እዩ፣ ርሕራሐ፦ ኵሉ ሳዕ ይቕረ ዝብል ድማ እዩ!”

ፍራንቸስኮ ዝጠቐስዎ ካልኣይ ቃል "ልቢ" ዝብል እዩ

"ነቲ ጭብጥታት ወይ ክውንነታት ካብ ልቢ ፈጺምካ ዘይምፍላይ” እንክብሉ ተማሕጺኖም፥ "ኵሉ ካብኡ እዩ ዝጅምር" ከመይሲ ልቢ "ቅርበትን ወይ ምቕራብ ክኡል ይገብር። ስለዚ ነቶም ካቶሊካውያን ጋዜጠይናታትን ሰብ መራኸቢ ብዙሓንን ካቶሊካውያን ናብቲ ሱር - ሕመረት ብላቲን እዚ ቃል እዚ ልቢ ብዝብል ቃል እዩ ዝገልጽ ስለዚ ናብቲ ጭቡጥን ቀንድን ብምባል "ነቲ ውሒዝ ኣተሓሳስባ ኪጻረርዎ" ብምዕዳም፥ "እቶም ልቢ ዘለዎም ድማ ክትዕ ወይ ነዳራት ካብ ምዃን ተቖጢቦም፡ ፍልይ ዝበሉ ክኾኑ ትብዓት ክህልዎም ኣተሓሲቦ፥" ርእይቶኦምን ኣመለኻኽትኦም ክጽዕኑ ካብ ዝብል ድላይ ከይነቐሉ ብቕንዕና ድልድል ዝሃንጹ እያቶም!”

“ንሓደ መራኸቢ ብዙሓን ከም ድልድል ክንሓስቦ ንኽእል ኢና፡ ምኽንያቱ እቲ መራኸቢ ናይ ግድን ሃናጺ ድልድላት ስለ ዝኾነ!”

ሓላፍነት

ኣብ መወዳእታ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዛዕባ “ሓላፍነት” እትብል ቃል መሰረት ገይሮም፥ "ርክብ ውድዓዊ፡ ክብሪ ሰብ ዘኽብርን ኣብ ሓባራዊ ረብሓ ዘተኮረን ክኸውን ኩሉ ሰብ እጃሙ ከበርክት ኣለዎ" . . .  

“ንስኻትኩም ብኣኽብሮትን ብብቕዓትን ዝሕብሩ ልኡኻት ክትኮኑ ተጸዊዕኩም ኢኹም፡ ምፍልላይን ዘይምስምማዕን ዝቃወሙ ብምዃን። ከምኡ’ውን እቲ ሰብ ኣብ ማእከል ነፍሲ ወከፍ ኣገልግሎት፡ ናይ ነፍሲ ወከፍ ዓንቀጽ፡ ናይ ነፍሲ ወከፍ መደብ ምዃኑ ምዝካር ዝብል ሓላፍነት ዘለኩም ኢኻትኩ።”

ምስ በሉ፡ ጋዜጠኛታት ትቩ2000ን ረድዮ ብሉ2000ን ብቀረባነትን ብልብን ብሓላፍነትን” መራኸቢ ናይ ምዃን ኣገልግሎቶም ክቕጽሉ በማላድነት ቅዱስ ፍራንቸስኮ ደ ሳለስ ሓላዊ ጋዜጠይናታትን መራኸቢ ብዙሓንን ተማሕጺኖም፥ "ንኣምላኽ ብፍቕሪ እምበር ብውልቃዊ ዕብየት ተግባራትና ኣይኮናን ኣይነሐጕሶ" እንክብሉ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

30 January 2024, 15:26