ር.ሊ.ጳ. ንኩርያ ሮማና ናይ ዓቢይ ጾም መንፈሳዊ ሱባኤ ኣብ ጸሎት ምንባር ር.ሊ.ጳ. ንኩርያ ሮማና ናይ ዓቢይ ጾም መንፈሳዊ ሱባኤ ኣብ ጸሎት ምንባር 

ር.ሊ.ጳ. ንኩርያ ሮማና ናይ ዓቢይ ጾም መንፈሳዊ ሱባኤ ኣብ ጸሎት ምንባር

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ቀረባ ተሓባበርቶም ላዕለዎት ሓዋርያውያን ኣካላት ኩርያ ሮማና ቀዳማይ ሰሙን ዓቢይ ጾም ዕለታዊ ዕዮታቶም ኣቋሪጾም ብግሊ ኣብ ጸሎትን ኣስተንትኖን ከሕልፍዎ ከም ዝዓደሙን ቀዳማይ ሰሙን ዓቢይ ጾም ኩሉ መርሓ ፍጻሜታቶም ከቋርጹ እውን ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስን ላዕለዎት ኣካልት ኩርያ ሮማናን ቀዳማይ ሰሙን ዓቢይ ጾመ ሱባኤ ከኣትዉን እዚ ድማ ኣብ ናይ ውልቂ ጸሎትን ኣስተንትኖ ዘተኮረ ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ዕለት 15 ጥሪ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ኣመላኺቱ፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንዅሎም ኣብ ሮማ ዝነብሩ ካርዲናላት፣ ሓለፍቲ ናይ ዝተፈላለየ ላዕልዎት ኣባይቲ ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ቀዳመይቲ ሰሙን ዓቢይ ጸሞ መርሓ ፍጻሜታቶም ኩሉ ኣቋሪጾም ኣብ ጸሎትን ኣስተንትኖ ክጽመዱ ከም ዝዓደሙ ኣፍሊጡ።

ፍራንቸስኮ ኣብታ ሰሙን እቲኣ ዕለት 21 ለካቲት ሓፈሻዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ከም ዘየቕርቡ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥ ኣብታ ሰሙን እቲኣ ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንዝርከቡ መንፈሳውያን ነጋዶ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ክልግሱ ትጽቢት ይግበር ቢሉ፥ ቅዱስ ኣቦና ንላዕለዎት ሓዋርያዊ ሰበ ስልጣን ኩርያ ሮማና “ቀዳመይቲ ሰሙን ዓቢይ ጾም ብውልቃዊ መንገዲ ሱባኤ ክኣትዉን ኣብ ጸሎትን ኣስተንትኖ ከሕልፍዎ” ድማ ከም እተማሕጸኑን ነዚ ንምምችቻእ ድማ "ንጥፈታቶም ደው ኣቢሎም ካብ ሰንበት 18 ለካቲት ድሕሪ ቀትሪ ክሳብ ዓርቢ 23 ለካቲት ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ጸሎትን ኣስተንትኖን ክጽመዱ ከም ዝዓደሙ ኣፍሊጡ።

17 January 2024, 15:43